ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፦ ራዕዲ ጃምላዊ ቕትለት ድሕሪ ደጊም ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ህዝቢ ኣይውረድ
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14፡ ትማሊ ረቡዕ ንግሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ሰሙናዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ኣንጻር ጽልኢ ሓያል ጻውዒት ኣቕሪቦም። ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ኣህጉራዊ መዓልቲ ዝኽሪ ጃምላዊ ቕትለት ከም ዝወዓለ ብምዝካር "ንሚልዮናት ኣይሁዳውያንን ንብዙሓት ካልኦት ሰባትን ኣብ ሞት ዘብጽሐ" ኵነት ከም ዝነበረ ኣዘኻኪሮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ኣብዚ ዓመታዊ ዝግበር ኣሰቃቂ ዝኽሪ፡” “ጸረ-ሴማዊነትን፡ ጽልእን፡ ጭቈናን፡ ስደትን፡ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ሰብ ዘይበጽሓላ ዓለም ክህበና ነቲ ኵሉ ዝኽእል ኣምላኽ እልምኖ ኣለኹ" ብምባል ኣትሪሮም ቃል ምሕጽንታ ኣቕሪቦም።
ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ራዕዲ ጃምላዊ ቕትለት ድሕሪ ደጊም ኣብ ዝዀነ ይኹን ህዝቢ ምእንቲ ኸይወርድ" ከምኡውን "ኣብ ሓባራዊ ምክብባርን ሓባራዊ ጥቕምን እተመስረተ ሕብረተሰብ ምእንቲ ኺህነጽ" ንቑሓት ምእንቲ ኪዀኑ ናብ መላእ ማሕበረሰብ ዓለም ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ዝሓለፈ ሰሉስ ነቲ ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣብቲ @Pontifex ዝተሰምየ ኣብ X ማሕበራዊ ገጽ ነዚ ብምዝካር፡ "ቤተ-ክርስትያን ኣብታ “እዚ ዘለናዮ ዘመን” (Nostra Aetate ) ዘርእስታ ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተጠቂሱ ንዘሎ፡ ኣንጻር ኵሉ ዓይነት ጸረ-ሴማዊነት ዘቕረቦ ዘይነቓነቕ ኣቕዋም ብምዝኽኻር፡ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዓሌት፡ ቋንቋ፡ ዜግነት ወይ ሃይማኖት እተመስረተ ዝዀነ ይኹን ኣድልዎ ወይ መጥቃዕቲ ከም እትነጽግ ኣፍሊጦም።"
