ድለ

2026.01.07 Concistoro Straordinario 2026.01.07 Concistoro Straordinario  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ 'ብፁዓን ካርዲናላት ኣባኻትኩም እውከል ኣለኹ!'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ምስ ጉጅለታት ዕማም ድሕሪ ምዕያይ ናይ መወዳእታ መደረ ኣቕሪቦም ነቲ ናይ መጀመርታ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት ዛዘሙ። ካብቶም ንእማሜ ዝቐውረቡ ኣርባዕተ ሓሳባት፣ ክልተ ኣርእስትታት ማለት ሲኖዶስን ሲኖዳውነን ኣብ ብርሃን “ናይ ወንጌል ሃሴት” (Evangelii gaudium) ብምምራጾም ኣመስገንዎም፦ "ስለቲ ምርጫኹም አመስግነኩም፣ እቶም ዝተረፉ ኣርእስትታት ግን ኣይክተርፉን ኢዮም። ገና ኽንፈትሖ ዘሎና ኣዝዩ ጭቡጥን ፍሉይን ጕዳያት ውን ኣሎ" በልዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ኣባኻትኩም ክውከል ከም ዘሎኒ ኮይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ፦ ነዚ ኣገልጋሊ እዚ ናብዚ ተልእኾ እዚ ዝጸዋዕኩምዎ ንስኻትኩም ኢኹም። ስለዚ ብሓባር ክንዓዪን ብሓባር ከነስተንተንን፣ መንፈስ ቅዱስ ካባና ዚደልዮ ነገር ክንደልን ኣገዳሲ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን።" ብምባል ቅድሱ ኣቦና  ኣብ መደምደምታ ናይቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን እተኻየደ ቐዳመይቲ መዓልቲ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት፣ ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ 170 ካርዲናላት ደገፍን ሓገዝን ክገብሮል ከም ብሓድሽ ተማሕጸንዎም።

ሲኖዳውነትን ወንጌላዊ ተልእኾን ኣብ ብርሃን “ናይ ወንጌል ሃሴት” (Evangelii gaudium ) “ብንጹር ብዙሓዊ ድምጺ" ተመሪጹ፣ ካብቲ ዝቐረበ እማሜታት ድማ ሥርዓተ ሊጡርጊያን ሓዋርያዊ ቅዋም “ስብኩ ወንጌለ” (Praedicate Evangelium) እውን ዘጠቓለለ ኣርእስትታት እውን ኣድሚጾም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ናይ ጕጅለታት ዘተ ብቐጥታ ኣይተኻፈሉን፣ የግዳስ ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤታቶም ተሳቲፎም ኢዪም፣ ኣብቲ እቶም ትሽዓተ ጸሓፍቲ ናይ ነፍስወከፍ ጉጅለተ ዕማም ጸብጻባቶም ኣብ ዘቕረቡሉ መደባት እውን ተሳተኢፎም፣ ኣብ ጸብጻባቶም ድማ ነተን ክልተ ኣርእስትታት ጥራይ ከም ዝመረጹ ድማ ምኽንያታቶም ገለጹ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ኸም ዝገለጽዎ ምስ ኣባላት ናይ ኩርያ ሮማና ምምኽኻር ዝቐለለ ከም ምዃኑ ውን ኣመልከቱ።

"ሓደ ኣርእስቲ ካብ ካልእ ክፍለ ኣይክእልን እዩ!"

ኣብ መደምደምታ እቲ ጉባኤ፣ ቅደስ ኣቦና ድሕሪ ብጽሞና ምክትታል ነጥብታት ምውሳድን፣ ነቶም ካርዲናላት "ስለቲ ኣብዚ ቐዳማይ ኣኼባ እተገብረ ዅሉ ዕዮ" ከምኡውን ስለቲ ዅሎም ጉጅለታት ዕማም ዝሃብዎ "ብብዙሓዊ ዝኾነ ድምጺ" ምርጫ ንምምስጋን እንደገና ሓሳባቶም ኣካፈሉ። "ሓደ ፍረ ነገር ካብ ካልእ ክፍለ ኣይክእልን ኢዩ" ብምባል እውን ኣጕልሑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ብሓባር ክንምርምሮ እንኽእል ብዙሕ ነገራት ኣሎ፣ እንተዀነ ግን ንገዛእ ርእሳ ጥራይ ዘይትጥምት፣ ማለት ሚስዮናዊት ዝኾነት፣ ናብ ካልኦት እትጥምት ቤተ-ክርስትያን ክንከውን ኢና እንደሊ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘካፈልዎ ሓሳባት፣ "ናይ ቤተ-ክርስትያን ምኽንያት ህላዌ፣ ንካርዲናላት ወይ ንጳጳሳት ወይ ንካህናት ኣይኰነን" የግዳስ "ወንጌል ንምስባኽ" ምዃኑ ኣረጋገጹሎም። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነቲ ኣብ ክልቲኡ ኣርእስትታት እተገብረ ምርጫ ምስጋና’ኦም ገለጹሎም።

ሲኖዶስን ሲኖዶሳትን፣ ነቲ ቤተክርስቲያን ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለም ከመይ ገይራ ሚስዮናዊት ክትከውን ከም እትኽእል ዝገልጽ ክኸውን እንከሎ፣ “ናይ ወንጌል ሃሴት” (Evangelii gaudium ) ከአ ንቤተ-ክርስትያን "ንክርስቶስ ኣብ ማእከል ዝገበረ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ከተካየድ" ጻውዒት የቕርበላ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም ድማ "እዚ ኢዩ ተልእኾና" በሉ።

"እቲ ዝተረፈ ኣርእስትታት ግን ኣይተረፈን" በሉ። "ገና ኽንፈትሖ ዘሎና ኣዝዩ ጭቡጥን ፍሉይን ጕዳያት ኣሎና።" ብተወሳኺውን ነፍሲ ወከፍ ካርዲናል ከም ክፍሊ እቲ ቐጻሊ "ናይ ዘተን ኣስተንትኖን መስርሕ" ገይሮም ምስ ቅዱስነቶም ወይ ምስ ካልኦት ብጾቶም ንምዝርራብ "ብሓቅን ናጽነት" ክፍጽምዎ ተስፋ ከም ዘለዎም እውን ገለጹ።

እዚ ጉዕዞ ውን ልክዕ ከምቲ ውጽኢቱ ኣገዳስነት ኣለዎ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ሓጺር ዘካፈልዎም ቃል ሰላምታ፣ "እዚ ጕዕዞ እዚ፣ ማዕረ ማዕረ እቲ ኣብ መደምደምታ ኣብ ሰደቓ ዚግበር ዕዮ ኣገዳሲ እዩ" ብምባል ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ እተዛረቦ ቃላት ጠቒሶም። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እዚ ናይ ሓባራዊ ተመክሮ ፍረ ናይ ጉባኤ ካርዲናላት ክኸውን ተስፋ ከም ዝገብሩ እውን ገለጹ።

እዚ ተመክሮ እዚ "ንቤተ-ክርስትያንን ንዓለምን ብሓባር ናይ ምዃን ባህጊ ንኽህልዎምን፣ ነቲ መንፈስ ቅዱስ ሎሚን ጽባሕን ንቤተ-ክርስትያን ዝደልዮ ሕብረት ንምድላይ፣ "ንገሌኻትኩም ኣዝዩ ነዊሕ" መስዋእቲ መገሻ ድኻም ዘለዎ ኣገዳስነት ኣፍልጦ ንምሃብ፣ እቲ ዘለዎ ተመክሮ እዩ።

እቲ ጉባኤ እነካየደሉ ግዜ "ኣዝዩ ሓጺር" እኳ እንተ ዀነ፣ "ንዓይ እውን ኣዝዩ ኣገዳሲ ግዜ" ኢዩ ክብሉ ኣመልከቱሎም። ብሓባር ምዕያይን ብሓባር ምምማይ፣ መንፈስ ቅዱስ ካብ ቤተ-ክርስትያን ዚደልዮ ነገር ሃሰስ ምባልን ኣድላዪ ምዃኑ ደጊሞም ኣጕልሑ።

“ኣብ ቤተክርስትያንና ህይወት ኣሎዶ?”

ኣብ መደምደምታ ቃለ ምዕዳኖም ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝሃብዎ ስብከት ዘካፈልዎ ሓሳባት ደጊሞም ኣዘኻኸሩ። ብፍላይ ድማ "ኣብ ቤተ-ክርስትያንና ህይወት ኣሎዶ?" ኢልና ንርእስና ንሕተታ ክብሉ ተላበው።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም "ከም ዘሎ እኣምን እየ" በሉ። "ኣብዘን ኣዋርሕ እዚኣተን ቅድሚ ሕጂ እኳ እንተ ዘይተመኮርክዎ ነይረ፣ ብዛዕባ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ማእለያ ዘይብሉ ባህ ዜብል ተመክሮታት ኣጋጢሙኒ እዩ። እቲ ሕቶ ግን ኣብ ቤተክርስትያንና ህይወት ኣሎዶ? ነቲ ዝውለድ ዘሎ ቦታ ኣሎዶ? ነቲ ናብ ጕዕዞ ዚመልሰና ኣምላኽ ነፍቅሮን ንሰብኮን ዲና?" ክብሉ ኣዘኻኸርዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ገና ገና ክንጕዓዞ ዘሎና ጕዕዞ ኣሎ፣ "ኵሉ ነገር ድሮ ተፈጺሙ ተወዲኡ ኢዩ፣ ከምቲ ዅሉ ግዜ እንገብሮ ዝነበርና ንግበር" ዝብል ሓሳብ ቅቡል ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ቤተ ክርስትያን ብሓባር ክትመላለስ ይሕግዛ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ካብቲ ስብከቶም ኻልእ ጥቕሲ ብምዝካር ውን፣ ንንጉስ ሄሮድስ ብምጥቃስ "ፍርሃት የዕውር" ወንጌል ከኣ "ሓራ የውጽኣና" ኢዩ፣ "መስተውዓልቲ" ግን ከኣ "ተባዓት ኣቓልቦ ዝገብሩን መሃዝትን" ከም ዚገብረናን ከምኡውን "ነቲ ድሮ እተወስደ እተፈልየ መገዲ" ኸም ዝኸፍተና ገለጹ።

ቅዱስ ኣቦና ወሲኮም ድማ እዚ ጉባኤ "ሓደ ኻብቲ ንሓድነት ቤተ-ክርስትያን ብሓቂ ክንርእዮ ዘኽእለና ብዙሕ መግለጺታት" እዩ። "መንፈስ ቅዱስ ህያውን ኣባና ኣሎ!" ድማ በሉ። "ኣብ ጃልባ ብሓባር ክንራኸብ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ!” ክብሉ ውን ቃለ ምዕዳኖም ዛዘሙ።

09 Jan 2026, 15:25