ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንጳጳሳት ሃገረ ፔሩ፡ ከም ሓዋርያት ንበሩ እንክብሉ ይላበዉ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ካብ ዕለት 26 – 31 ጥሪ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ፐሩ ጳጳሳት ዕለት 30 ጥሪ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ad instar Apostolorum - ከም ሓዋርያት “ብኣገባብ ሓዋርያት” ክነብሩ ኣተሓሳሲቦም፡ እዚ ምብጻሕ እዚ ምስ ዝኽሪ መበል 300 ዓመት ዝኽሪ ቅድስና ጳጳስ ቶሪብዮ ደ ሞግሮቨኾ ሓላዊ ናይ ላቲን ኣመሪካ ኤጲስቆጶሳት ዝተተሓሓዘ እውን ምዃኑ ብምዝካር፡ ነቶም ጳጳሳት ፐሩ ድማ “እዚ ቅዱስ ጳጳስ ኣብተን ሃገራት ዝዘርኦ ፍረ ወንጌላዊ ዘርኢ” ምዃኖም ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሓድነት ከም ሕመረት ተኣማንነት
ሕመረት ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘስምዕዎ መደረ ሓያል ጻውዒት ሓድነትን ሕብረትን ዝጠልብ ኮይኑ፡ “ሎሚ ተኣማንነት ኣዋጅ ቃል ኣምላኽ ምፍልላይን ውልቃዊ ህርፋንን ኩሉ ዓይነት ተነጽሎን እናሰዓረ በቲ ኣብ መንጎ ጓሶትን ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽን ብናይ ሓቅን ልባዊ ሕብረት እዩ ዝሓልፍ - ቢሎም - ኣብነት ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያንን ምስክርነት ቅዱስ ቶሪብዮን ብምዝካር ሓቀይና ሓድነት መዋቕራዊ ጥራይ ዘይኮነስ ብዕምቆት መንፈሳዊ ኮይኑ ኣብ ሓባራዊ እምነትን ተልእኾን ዝተሰረተ ምዃኑ ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ተኣማንነት ንወንጌል
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሎሚ ኣብ ፔሩ ንቤተ ክርስቲያን ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት ምልስ ቢሎም ብምዝካር፡ ነቲ ብሙሉእነቱን ውህድነቱን ዝተኣወጀ ወንጌል ዝተሓደሰ ተኣማንነት ከምዘድሊ ኣመላኺቶም፡ “ቅዱስ ቶሪብዮ ናይ ገዛእ ርእሱ ቃል ኣይኣወጀን፣ ኣብቲ እቲ ቃል ዘለዎ ናይ ምልዋጥ ሓይሊ ተኣሚኑ ዝተቐበሎ ቃል እዩ” ቢሎም፡ ሎሚ ቤተ ክርስቲያን “ክርስትያናዊ መንነት ከይሰኣነት ምስ ባህሊ ብምዝታይ ንጹርን ተባዕን ሓጐስን ቃል ብስራት ከተስፍሕ ትጽዋዕ፥ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ጉስነታዊ ቅርበትን ንተልእኾ ወንጌል ተወፋይነትን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣገዳስነት ጒስነታዊ ቅርበት ኣጉሊሖም፣ ጳጳሳት ኣገልግሎቶም ካብቲ ምእንቲ ወንጌል ክብሉ “ኩሉ ንዅሉ ሰብ ዝኾኑ” ሓዋርያትን ቅዱስ ጳውሎስን ናይ ኣገልግሎቶም ኣብነት ክገብሩ ተማሕጺኖም። ad instar Apostolorum - ከም ሓዋርያት “ብኣገባብ ሓዋርያት” ክነብሩ፡ ማለት ምስ ኩሎም ብሓላፍነት ዝተዋህቡና ቀረባ ብምዃን፡ ኣብኦም ተገዳስነት ምግባር፡ ኣብ ህይወቶምን ጉዕዞኦምን ምክፋል ማለት'ዩ። ብፍላይ ኣዚዮም ተኣፈፍትን ተቓላዕትን ዝኾኑ” እንክብሉ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ምስ ፐሩ ዘለዎም ውልቃዊ ምትእስሳር
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስዒቦም፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ውልቃዊ ተመክሮ ተወኪሶም፡ ነቲ ኣብ ፐሩ ዘሕለፍዎ ናይ ገዛእ ርእሶም ጉስነታዊ ህይወት ብምዝካር፡ እታ ሃገር “ኣብ ልበይ ፍሉይ ቦታ ኣለዋ - ቢሎም - “ኣብኡ ምሳኹም ሓጐስን ሽግርን ተኻፊለ፡ ካብ ገርሀይና እምነት ህዝብኹም ተማሂረ፡ ኣብ መንጎ ፈተናታት እውን እንተኾነ ተስፋ ምግባር እትፈልጥ ቤተ ክርስቲያን ሓይሊ ተመኪረ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
በረኸት ንመላእ ህዝቢ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መደረኦም፡ ንጳጳሳት፣ ካህናት፣ ኣባላት ሰብ ወፉይ ህይወትን ኩሎም ምእመናንን ፔሩ ንኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘምህረት ኣወኪፎም፣ ንኹሎም ብፍሉይ መንገዲ “ነቶም ኣዝዮም ሓይልን ምጽንናዕን ዘድልዮም” እንክብሉ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
