ር. ሊ. ጳ.፦ ሰንበት ቃል ኣምላኽን፡ መዓልቲ ደዌን፡ መዓልቲ ክርስትያናዊ ሓድነትን የብዕሉ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰንበት ኣብ ዕለተ ቃል ኣምላኽን፡ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ለምጽን ከምኡውን ኣብ መዛዘሚ ሰንበት ቅድነ ጸሎት ምእንቲ ክርስትያናዊ ሓድነት ሓዊስካ ሓያሎ ኣገደስቲ ዕለታት ዘኪሮም ቃለ ምሕጽንታ ኣመሓላሊፎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ዝረኽቡ ምእመናንን መንፈሳውያን በጻሕትን ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ሰላምታን ምሕጽንታን፣ "እዛ ሰንበት ሳልሰይቲ ሰንበት፣ ኣብ ዘመነ ተራ ዕለታት እትርከብ፣ ሰንበት ቃል ኣምላኽ እያ" ብምባል እውን ኣዘኻኺሮም።
ኣስዕብ ኣቢሎም እውን "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ኣብ መላእ ቤተ-ክርስትያን ዓሚቝ ፍልጠት ቅዱስ መጽሓፍ ንምድንፋዕን፣ ንቓል ኣምላኽ ኣብ ሥርዓተ ኣልኾን ኣብ ህይወት ማሕበረሰብናን ዝያዳ ቈላሕታ ንምሃብ መስረትዋ" በሉ።
"ንዅሎም እቶም ብእምነትን ብፍቕርን ነዚ መሰረታዊ ተልእኾ እዚ ዝተወፈዩ ሰባት ድማ አመስፍኖምን ኣተባብዖምን ኣሎኹ" በሉ።
ዓለምለኻዊ መዓልቲ ለምጺ
ብዛዕባ እቲ ኣብ ንፍስወከፍ ዓመት ኣብ ዕለት 25 ጥሪ ዚኽበር ዓለምለኻዊ መዓልቲ ለምጺ ብምምምልካት ድማ፣ ነቶም ብሕማም ለምጺ ዝሳቐዩ ዘለዎም ሰባት ንምዝካርን፣ ብዛዕባ እቲ ሕማም ኣፍልጦ ንምሃብን ከምኡውን ምስ ለምጺ እተተሓሓዘ ሕንፍሽፍሽን ኣድልዎን ደው ንምባል ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም በዚ ሕማም እዚ እተጠቕዑ ውልቀ-ሰባት ጥቡቕ ርክብ ከም ዘለዎም ገሊጾም፣ ነቶም ዚከናኸንዎም ሰባት ድማ ኣተባብዕዎም።
"ንዅሎም እቶም በዚ ሕማም እዚ እተጠቕዑ ሰባት ዘሎኒ ጥቡቕ ቅርበት እገልጽ። ንማሕበር ኣዕሩኽ ራውል ፎለሮ ኢጣልያን፣ ንኵሎም እቶም ሕማም ለምጺ ዝሓዞም ሰባት ዝከናኸኑን ክብሮም ንምሕላው ኪጽዕሩ አተባብዖም ኣለኹ" በሉ።
ንክርስትያናዊ ሓድነት ዚኸውን ሰሙን ጸሎት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ትማሊ ሰንበት እተዛዘመ፣ ካብ ዕለት 18 ክሳዕ 25 ጥሪ ዝተኻየደ ቅነ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስትና ኣመልኪቶም ድማ "ከምቲ ናብ ሓደ ተስፋ እተጸዋዕኩም፣ ሓደ ሰብነትን ሓደ መንፈስን ኣሎ" ዝብል ኣርእስቲ ከም ዝነበሮ ኣመልኪቶም ቃል ምሕጽንታ ኣካፊሎም።
ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ድማ ምስ ተወከልቲ ካልኦት ኣብያተ ክርስትያናት፣ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ስግር መድቕ ሮማ ተረኺቦም ጸሎት ዘሰርኽ ኣዕሪጎም፣ ንዅሎም ተሳተፍቲ እንተላይ ነቶም ብመራኸቢ ብዙሓን ዝከታተሉ ሰባት እውን ዘለዎም ምስጋና ገለጹ።
