ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብ መደም ኣምላኽ እመን፣ ንወንጌል ኣብ ኵሉ ቦታ ኣብጽሕ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ብዛዕባ ምጅማር ወንጌላዊ ኣገልግሎት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣስተምሂሮም፣ ነቶም ምእመናን ብፍርሂ ምጥርጣር ወይ ብሕማቕ ኵነታት ከይለመሱን ኣብ ግዜ ኣምላኽ ኪውከሉን ወንጌል ናብ ኵሉ መዳያት ህይወት ደቂ ሰብ ኬመሓላልፉን ተማሕጸኖም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብቲ ብዛዕባ ጸዋዕታ ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ዘዘንቱ ክፍሊ ወንጌል ዝተወስደ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ምርኩስ ብምግባር፣ ምእመናን ብዛዕባ ኽልተ ሕቶታት ኬስተንትኑ ዓደሙ፦ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስብከቱ መዓስ ከም ዝጀመረን፣ ነዚ ስብከት እዚ ኣበይ ክገብሮ ከም ዝመረጸን ድማ ሕቶ ኣቕረቡ።
ኣብ መደብ ኣምላኽ ምእማን
"ቅዱስ ወንጌል ከም ዘዘንትወልና ኢየሱስ 'ዮሃንስ ከም እተኣስረ ምስ ሰምዐ' ኢዩ ክሰብኽ ዝጀመረ"፣ ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኣብ መደብ ዘይንበረ" ከም ዘይኮነ ብምግላጽ፣ ምጥርጣርን ውጥረትን ዝመልኦ ምዃኑ ሓበሩ። ይኹን እምበር "ኣብዚ ጸልማት እዚ ኢየሱስ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኢያ" ዝብል ብስራት ናይ ብርሃን ክሰብኽ ጀመረ" ብምባል ኣጕልሑ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ኣስተንትኖኦም፣ እዚ ብቐጥታ ምስ ተመክሮ እቶም ሎሚ ዘለዉ ምእመናን ዝዛመድ ምዃኑ ገሊጾም። "ኣብ ህይወትና ብውልቂ ይኹን ከም ቤተ-ክርስትያን ውሽጣዊ ቓልሲ ወይ ዘይምቹእ ኵነታት ጌርና እንርእዮ ግድላት ወይ ግዜያት ምስ ዝርከብ፣ ወንጌል ክንሰብኽ ውሳነ እንገብረሉ ወይ ኵነታት ንምቕያር ግቡእ ግዜ ኸም ዘይኰነ ንኽንኣምን ክድርኸና ይኽእል እዩ" በሉ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ምጥርጣር ናብ ልምሰት ክመርሕ ከም ዚኽእል እውን ኣጠንቀቑ፦ "በዚ ኸምዚ ግና ብዘይ ተበግሶ ክንለምስ ወይ ካብ መጠን ንላዕሊ ብምጭናቕ ክንእሰር ንኽእል ኢና፣ ወንጌል ግና ክንኣምን ይጽውዓና እዩ።" ኣስዒቦም ድማ ቅዱስነቶም ምእመናን "ኣምላኽ ኵሉ ጊዜ ይዓዪ እዩ። ዋላ እውን ድሉዋት እንተ ዘይኮና ወይ እቲ ዅነታት ሕማቕ ኰይኑ ክስምዓና ኸሎ ነፍሲ ወከፍ ህሞት 'ግዜ ኣምላኽ' እዩ" ክብሉ ተላበዉ።
ዶብ ዘይብሉ ተልእኾ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣገልግሎቱ ዝጀመረሉ ቦታ ምልስ ብምባል፣ ነታ ብንግድን ባህልን ብብዙሕ ትውፊታት ሃይማኖት እተቐርጸት ኣብ ገሊላ እትርከብ ከተማ ቅፍርናሆም ዘለዋ ኣገዳስነት ኣጕልሑ።
ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣባኡ ምስ በጽሐ ተልእኾኡ ኣብ ጸቢብ ዶባት ጥራይ እተሓጽረ ኸም ዘይኰነ ኣርኣየ ። ገሊላ "እተፈላለየ መበቈልን ሃይማኖታዊ ባህልን ምትእስሳርን ዘለዎም ሰባት ዝንበሩሉ ዝነበሩ፣ እተፈላለየ ባህልታት ዘለዎ ዞባ" እዩ ዝንበረ፣ በዚ ኸምዚ ድማ "ንዅሉ እቲ ናብኡ ዝቐርብ ብዛዕባ ኣምላኽ ንምስባኽ፣ ዶባት ሃገሩ ሰጊሩ ዝምስከር" መሲሕ ከም ዝነበረ ኣመልከቱ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም "ንሱ ንዋላ ሓደ ሰብ እኳ ዘየገልል ኣምላኽ እዩ፣ ን'ንጹሓት' ጥራይ ዘይኰነስ፣ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ሕልኽላኻት ሰብኣዊ ዅነታትን ርክባትን ዚኣቱ ኣምላኽ" ኢዩ በሉ።
ንተለነጽሎ ምስዓር
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 በዚ ኣተሓሳስባ እዚ ክርስትያን ምእመናን፣ ነቲ ናይ ተነጽሎን ምግላልን ፈተና ኺቃወምዎ ጸውዒት ኣቕሪቦም። "ንወንጌል ኣብ ኵሉ ቦታታት ክስብክዎን ክነብርዎን ኣለዎም፣ ኣብ መንጎ ውልቀ-ሰባትን ባህልታትን ሃይማኖታትን ህዝብታትን ከም መባዅዕቲ ሕውነትን ሰላምን ኰይኖም ድማ የገልግሉ" በሉ።
ብሓጐስ ስዓብ
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ምእመናን ንጻውዒት ጐይታ ብልግሲ ምላሽ ኪህቡ ኣተባብዕዎም። "ልክዕ ከምቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ንሕና ውን ንዕድመ ጐይታ ብሓጐስ ክንቅበሎ ተጸዊዕና ኢና" በሉ፣ "ኣብ ህይወትና ዘሎ ዅሉ ኩነታትን ቦታታትን ብህላወኡን ብፍቕሩን ዝመልአ እዩ" ክብሉ ድማ ኣተባብዕዎም።
