ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፡ “ኣምላኽ ንዓለም ካብ ርሑቕ ኣይጥምታን እዩ”
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ትሕቲ ድሙቕ ናይ ክረምቲ ጸሓይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንበዓለ ጥምቀት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኸብዕሉ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተኣከቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ሰላምታኦም ከም ዘቕረቡን፡ ድሕሪ በዓለ ኣስተርእዮ ስዒቡ ኣብ ዘሎ ዘንበት ዝኽበር በዓል ዘመነ ልደት ምዝዛሙ ዘመልክትን ንቤተ ክርስቲያን ናብ ስሩዕ ግዜን ናብ ሓድሽ ሊጡርጊያዊ ዓመትን ዘእቱ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ እዋን’ዚ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር “ጎይታ ብሓባር ክንስዕቦ፡ ቃሉ ክንሰምዕን ኣብ ልዕሊ ብጻይና ናይ ፍቕሪ ምልክት ክንከውን ይዕድመና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ጥምቀት ኢየሱስ ኣብ ማያት ዮርዳኖስ፡ ንነፍሲ ወከፍና “ክርስትያን ዝገብረና፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ዘውጽኣና፡ ብሓይሊ እቲ ሕይወት ዝህብ መንፈሱ ናብ ደቂ እግዚኣብሔር ዝልውጠና” መብጽዓታት ምስጢረ ጥምቀትና ከነሐድስ ዝዕድም እዩ . . . ኣብ ናይ ዕለቱ ዝተነበ ካብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 3, 13 – 17 ዝተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም፡ ኣብዚ ፍጻመ እዚ “ምሉእ ኣምላኽነት ኣብ ታሪኽ ህልው ይኸውን፡ ከምቲ ወልድ ናብ ማያት ዮርዳኖስ ዝወርድ፡ ከምኡ ድማ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊኡ ይወርድ፡ ብእኡ ኣቢሉ ድማ ከም ናይ ድሕነት ሓይሊ ንጽገው” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጥምቀት ንነፍሲ ወከፍና ናብ ቤተ ክርስቲያን የእትወና
ጳጳስ ሮማ ኣስዒቦም፡ “እግዚኣብሔር ንዓለም ካብ ርሑቕ፡ ሕይወትናን ቁስልናናን ተስፋናን ከይተንከፈ ዝጥምታ ኣይኮነን። ንሱ ብጥበብ ናይቲ ስጋ ዝኾነ ቃሉ ሒዙ ኣብ ማእከልና ይመጽእ፣ ናብ ዘገርም ውጥን ፍቕሪ ንኹሉ ደቂ ሰባት ይስሕበብ። ንዮሓንስ መጥምቕ ኣዝዩ ዘገረሞ ጐይታ ባዕሉ “ከም ኩሎም ሓጥኣን ደረት ኣልቦ ምሕረት ኣምላኽ ምእንቲ ክገልጽ” ክጥመቕ ምምራጹ እዩ እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ ምስጢረ ጥምቀት ንነፍሲ ወከፍና ናብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን የላልየና፣ "ብናይ ነፍሲ ወከፍ ህዝብን ባህልን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝቖመ፣ ብመንፈሱ ዳግማይ ዝተወልደ ህዝቢ እግዚኣብሄር ንኸውን።”
ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ። ምእመናን “ነዚ ዝተቐበልናዮ ዓቢ ህያብ” ክዝክርዎን፣ “ብሓጎስን ብሓቅን ክምስክርዎ” ቃል ክኣትዉ ኣተባቢዖም፡ ንግሆ እቲ ኣቐዲሞም ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ንዕስራ ሓደስቲ ዝተወልዱ ህጻናት፣ ሎሚ “ሓደስቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ እምነት” ዝገብሮም ምስጢረ ጥምቀት ከም ዝሰርዑ ዘኪሮም፡
“እዚ ቀዳማይ ካብ ቅዱሳት ምስጢራት ንዘልኣለም ዘሰንየና ቅዱስ ምልክት እዩ። ኣብ ህሞት ጸልማት ጥምቀት ብርሃን እዩ፤ ኣብ ናይ ሕይወት ግርጭታት ዕርቂ እዩ፤ ኣብ ግዜ ሞት ድማ ኣፍደገ ሰማይ እዩ”
ቢሎም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዛዚሞም መሪሖም ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝደገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
