ድለ

2025.05.26 PAPA LEONE XIV IN BASILICA - GIUBILEO AFRICA 2025.05.26 PAPA LEONE XIV IN BASILICA - GIUBILEO AFRICA 

ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብ እዋን ቅልውላው ከይተረፈ ቤተ-ክርስትያን ኣፍሪቃ ህያው ኢያ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ጳጳሳት ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እቶም ኣብ ዞባኦም ዘለዉ ጓሶት ነፍሳት ዘጋጥሞም ዓበይቲ ብድሆታት ኣፍልጦ ሂቦምሉ፣ "ነቲ ንሕብረተሰብ ዘዳኽም እከይ፣" እንተላይ ኣብ እዋን ቀቢላውነትን፡ ኣብ መንጎ ዓሌታት ዝካየድ ግጭታትን ውግኣትን፡ ምክፍፋል ስድራቤትን "ወንጌል ንዕርቅን ህድኣት ልብን ይጽውዕ" ብምባል ኣጕልሑ።

ኣባ ተወለ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ብዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን እተኸተመን ናብ ጳጳሳት ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቶም፣ "ከም ጓሶት ነፍሳት መጠን፣ ኣብ ጕስነታዊ ኣገልግሎትኩም ብፍላይ ብጽዑቕ መገዲ ዝቀርቡ ህጹጻት ጕዳያት የጋጥሙኩም ኢዮም" ክብሉ ኣመልከቱሎም።

እቲ ናብ መበል 13 ሓፈሻዊ ኣኼባ ማሕበር ኢጲስቆጶሳውያን ጉባኤታት ዞባ ማእከላይ ኣፍሪቃ (ACERAC) ንሃገራት ካመሮን፡ ጋቦን፡ ኤኳቶሪያል ጒኒ፡ ሪፓብሊካዊት ማዕከላይ ኣፍሪቃ፡ ሪፓብሊካዊት ኮንጎን ከምኡ ውን ጫድ ዘጠቓለለ ማሕበር እተላእከ መልእኽቲ፣ ኣብ መእተዊ እቲ ኣኼባ ብብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ጁሰፔ ላተርዛ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ቻድ ተነቢቡ።

እዚ ካብ ዕለት 25 ጥሪ ክሳብ ዕለት 1 ለካቲት ኣብ ጫድ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ፣ "ብድሆታት ቤተ-ክርስትያንን ስድራቤት ኣምላኽን ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ድሕሪ 30 ዓመት ሲኖዶስ ጳጳሳት ዘውጽኦ ሓዋርያዊ ማዕዳን “ኣብ ኣፍሪቃ ዘላ ቤተክርስቲያን” (Ecclesia in Africa) ዘርእስቱ ሰነድ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ።

ኣብቲ ናብ ኣቦ መንበር ምሕበር ኢጲስቆፖሳውያን ጉባኤታት ዞባ ማእከላይ ኣፍሪቃ (ACERAC) ብፁዕ ኣቡነ ማርቲን ዋይንጌ ባኒ በዓል ጫድ እተላእከ መልእኽቲ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መንፈሳዊ ቅርበቶም ገለሱሎም፣ ነቶም ጳጳሳት ድማ፣ ኣብ ኣገልግሎት እቶም ብሕድሪ እተዋህብዎም ማሕበረሰባት መዓልታዊ ዝዓይዩሉ ቅንኣት "ምሉእ ብምሉእ ከም ዝፈልጥዎ" ኣረጋገጹሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዘለዎም ምስጋና ፈጺሞም ኣየቋረጹን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መልእኽቶም፣ "ምስቶም ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወት ቤተክርስትያን መሰኻኽር ክርስቶስ ብምዃንኩም ሓጎስኩምን ሓላፍነትኩምን ዝካፈሉ ካህናትን ተሓባበርቶም ዲያቆናትን ሰብ ውፉይ ህይወት ሰብኡትን ምእመናን ምእመናንን ምእመናትን ብምዝካር ምእንትኦም ክጽልዩ ኸለዉ "ካብ ምስጋና ኣየቋርጽን" ኢየ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በቲ ስሩዕ ኣኼባታቶም ተደሪኾም ዝገበርዎ ጻዕርታት፦ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ኣብ ኣልባብ ክርስትያን ምእመናን ንምውሳኽ፣ ምስ ካልኦት ሃይማኖታውያን ማሕበረሰባትን ምስ ሲቪላዊ ሰበ-ስልጣንን ርክብ ንምምዕባል፣ ወንጌል ኣብ ባህልን ማሕበራዊ ሥርዓታትን ከም ዝሰፍን ንምግባር፤ ህይወት ደቂ ሰብ ንምዕቃብ፤ ሰላምን ፍትሕን ንምድንፋዕ፤ ነቶም ግዳያት ግጭት ዝዀኑ ተኣፈፍቲ ሰባት ንምክንኻን፣ ንፍጥረት ንምዕቃብ  ንምጥቃም ብምጥቃስ ሞሳኦም ገለጹሎም።

ክፉት ሓድነቶምን ሕውነቶምን ነቲ ሓባራዊ ተጸምዶ ሓንቲ ቤተ-ክርስትያን ክርስቶስ ብርታዐን ሓይልን ከም ዝህቦ ገለጹ።

ቤተ ክርስትያን ኣብ ኣፍሪቃ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ቤተክርስቲያን ብፍሉይ መገዲ ኣብ 2026 መበል 31 ዓመት ሰነድ “ቤተ ክርስትያን ኣብ ኣፍሪቃ”  ከም እተኽብር ኣዘኻኺሮም፣ እዚ ድማ "ጐይታ ነቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ህዝቡ ከም ዝበጽሖም ዘምልክት እዩ። እወ እዛ ኣህጉር እዚኣ ሎሚ ምልክታት ግዜን ምቹእ ህሞት መዓልቲ ድሕነትን ኣፍሪቃ ተባሂላ ትጽዋዕ ኣላ" ክብሉ እውን ኣመልከቱሎም።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፣ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው "ቤተ-ክርስትያን ኣፍሪቃ ብሓቂ ህያውን ድልዱልን ንጡፍን ክውንነት እያ" ብምባል መስከሩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ብምቕጻል፣ እቲ ሰነድ ድሕሪ ሰላሳ ሓደን ዓመት እውን ምሉእ ብምሉእ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ገሊጾም።

ንወንጌል ናብ ዓለማውነት ኣይትቐይርዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም፣ ንምእመናን ኣብ ምግልጋል ኣዘውቲሩ ዘጋጥሞም ጸገማት ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ሓደ ኣገዳሲ መዳይ ባህሊ እምነት ምዃኑ ኣስተንተኑ። "እዚ ኺበሃል ከሎ ንወንጌል ምስ ዓለም ምትዕርራይ ማለት ኣይኰነን፣ ኣብ ክንዳኡስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ባህሊ፣ ነቲ ዘይሓልፍ ቃል፣ ህይወት ዝህብን ንህላወ ደቂ ሰብ ዜገልግልን ቃል ንምእዋጅ፣ ዚግባእ ሥርዓት ምርካብ ማለት እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ "ነቲ ንሕብረተሰብ ዘዳኽም ከም ቀቢላውነትን፡ ኣብ መንጎ ዓሌታት ዘሎ ግጭታትን ውግኣትን፡ ምክፍፋል ስድራቤትን ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ጸገማት እናኣጋጠሞ ክንሱ፣ ወንጌል ግና ዕርቅን ህድኣት ልብን ዝሓትት ኢዩ" በሉ።

ብቕልውላዋት ምንዋጽ

እቲ ሲኖዶዊ ጕዕዞ ቤተ-ክርስትያን ጓሶት ነፍሳት ነቶም ብሕድሪ እተዋህብዎም ሰባት ብመንፈስ ናይ ምስማዕን ብርሕራሐን ለውሃትን ክቐርቡ ከም ዝጽውዖም ደጊሞም ክገልጹ እንከለዉ፣ "ድምጺ እቶም ኣብ ህይወት ሃገሮምን ቤተ-ክርስትያንን ብንጥፈት ምእንቲ ኽሳተፉ ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ዘእተዉ ብዙሓት መንእሰያት ንስማዕ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ንጳጳሳት "ማሕበረሰባት በቲ ናይ ስደተይናታትን እተመዛበሉን ቅልውላው ይናወጹ ኣለዉ" ብምባል ሓዘኖም ብምግላጽ፣ "ንኼሕውዮምን እንጌራ ምጽንናዕ ምእንቲ ኺህቦምን ኣብ ልዕሊ ስቓይ ዝመልኦ ኵነታቶም ዝርከብ ክርስቶስ ይኹኖም" በሉ።

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ንዕዮኦም ናብ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኰዀብ ወንጌላውነት ብሕድሪ ብምውፋይ ንዓታቶምን ንዅሎም እቶም ንቤተ-ክርስትያን ብእተፈላለየ መገድታት ዘገልግሉ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ኣካፈልዎም።

30 Jan 2026, 14:51