ድለ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን፡ ዓለም ብስሕለት ኣስያፍ ዘይኮነስ ብይቕሬታ፡ ንኹሉ ሰብ ብምቕባል እያ እትድሕን!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሓድሽ ዓመት ዕለት 1 ጥሪ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ኣብዛ ዓመት "ናጻን ተሰከምቲ ሓርነትን ክንኸውን፡ ይቕረ ዝተባህለን ይቕረ ዝብልን"፡ ንመንፈስ ሕውነት "ብዘይ ስሌትን ብዘይ ፍርሕን" ክፉታት ክንከውን የተባብዑና። ከምኡ'ውን፡ ኢዮቤል ተስፋ ኣብ ዝዛዘመሉ ዘሎ እዋን፡ ናብቲ ናይ ልደት ትርኢት "ብእምነት፡ ከም ብሉጽ ናይ ዘይተዓጥቀን ዕጥቂ ዘፍትሕን ሰላም ቦታ" ክንቀርቦ ዓዲሞም፡ ቅዱስነቶም ኣብዚ ዘዕረገው ቀዳማይ መስዋዕተ ቅዳሴ 2026 ዓ.ም. ማርያም 'ዘይተዓጥቀን ዕጥቂ ዘፍትሕን' ወጅሂ እግዚኣብሔር ከምዝገለጸት የዘኻኽሩና።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እግዚኣብሄር ይባርኸኩምን ይሓልወኩምን። እግዚኣብሄር ገጹ የብርሃልኩምን ጸጋ የውርደልኩምን። እግዚኣብሄር ገጹ ይቐልዓልኩም ሰላም የብጽሓልኩም” ዝብል ኣብ ናይ ዕለት ቀዳማይ ምንባብ ብዝተነብረ ቃል ኣቢሎም ሰላምታ ብምቕራብ ዕለት 1 ጥሪ 2026 ዓ.ም. ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ዓመትን መበል 58 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላምን ብዓቢዩ ድማ ቅድስተ ማርያም ኣደ ኣምላኽ እተብዕለሉ ዕለት 5500 ምእመናን ዝተሳተፍሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ዝለገስዎ ስብከት ኣበጊሶም፡ እዚ በረኸት፡ ነቶም ኣብ ምስሪ ካብ ባርነት ገና ሓራ ዝወጹ፡ “ዳግማይ ልደት”፡ “ንመጻኢ ዝወስድ ክፉት መንገዲ” ንዝተዳለወሉ ህዝቢ እስራኤል ከም ዝቐረበ ይዛረብ። በዚ መንገዲ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ እዚ ሓሳብ እዚ ድማ “ሳላ ልግሲ እግዚኣብሔር፣ ምሕረቱን ምላሽ ሓርነትናን፣ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ መጀመርታ ሓድሽ ሕይወት ክኸውን ከም ዝኽእል” የዘኻኽረና እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ በዚ ኸምዚ ድማ እዚ ዝተጀመረ ሓድሽ ዓመት፡ “ክርከብ ዘለዎ ክፉት ጉዕዞ ገይርና ክንርእዮ ይግብኣና እንክብሉ ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምሉእ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ስብከት

ማርያምን ‘ዘይተዓጥቀ’ ኣምላኽን

ናይ ዕለቱ (ዕለት 1 ጥሪ) ሊጡርጊያ ክልተ ጽንብል ማለት ቅድስቲ ማርያም ኣደ ኣምላኽን ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰላምን ዘኽብር ምዃኑ ቅዱስነቶም ብምዝኽኻር፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ በዓላት ዘሎ ስጡም ዝምድና እንከስተንትኑ፡ ብምትሕብባር ማርያም፡ ኣምላኽ ኣብ መንጎና “ዕርቃኑን መከላኸሊ ዘይብሉን”፡ “ሓድሽ ኣብ ዝተወልደ ዕሸል” ኮይኑ ከም ዝመጸ ኣብሪሆም፡ ነዚ ዝገበረ ድማ፡ ዓለም ብዓመጻ ከም እትድሕን ዘይኰነስ "ብዘይ ስሌትን ብዘይ ፍርህን ንዅሉ ሰብ ንምርዳእን ይቕረ ንምባልን ሓራ ንምውጻእን ንምቕባልን ደኺመ ከይበለ ብምጽዓር" ንምምሃር እዩ . . . “ኣብ መለኮታዊ ኣደነት ማርያም”፡ ክልተ ‘ዘይተዓጥቁ ክውንነታት’ ኣብ ሓደ ይመጹ፡ “እቲ ብስጋ ንኽውለድ ኩሉ መለኮታውነቱ ሓለፋታቱ ዝኽሕድ እግዚኣብሔር፡ ከምኡ’ውን ናይ ሓደ ሰብኣዊ ስጋ ብምትእምማንን ብምልኣትን ፍቓድ እግዚኣብሔር ዝሓቁፍ” እንክብሉ ቅዱስነቶም ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

2025 ኢዮቤል፡ ዝተዋህበን እትቕበሎን ትይቕረታ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ዕለት 6 ጥሪ ዝዛዘም ዓመተ ኢዮቤል 2025 ብምስትንታን፡ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፡ ኣብ ምዕጻዊ ኢዮቤል 2000፥

"እዚ ዓብይ ኢዮቤል ንኣመንቲ ክንደይ ዘተፍልዩ ኣጋጣሚታት ኣቕሪቡሎም! ኣብቲ እትቕበሎን ዝተዋህበን ይቕሬታ ዝንበር ተመክሮ፡ ኣብ ዝኽሪ ሰማእታት፡ ኣብ ምስማዕ ኣውያት ድኻታት ዓለም . . .  ንሕና'ውን ነቲ ዘድሕን ህላወ እግዚኣብሄር ኣብ ታሪኽ ርኢናዮ ኢና። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ንሕና እውን ነቲ ንገጽ ምድሪ ዘሐድስ ፍቕሩ ብኣካል ተመኪርናዮ እና" ዝበልዎ ጠቒሶም ስብከቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 Jan 2026, 15:41