ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ናይ ሰላም ዓመት ንምህናጽ ካብ ሎሚ ምጅማር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 1 ጥሪ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ድሕሪ ዘቕረብዎ ቀዳማይ ናይ 2026 ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ኣስታት 40,000 ምእመናን "ልብና ኣጽዋር ኣፍቲሕናን ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ዓመጻ ብምርሓቕን ዓመት ሰላም ኪሃንጹ" ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንኹሎም ምመናን “ሰላምን ኩሉ ሰናይን”  ተመንዮም፡ ኣብ ዝሓለፈ 58 ዓመታት ማለት ብድሌት ጳጳስ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ 1968 ዕለት 1 ጥሪ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሰላም ዝበዓለሉ ዕለት ክኸውን ከም ዝገበሩን ሎሚ ድማ መበል 58 ዓመት የቑጽር ምህላዉ ኣዘኻኺሮም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን በዚ ምኽንያት ዘመሓላለፍዎ ናይ 2026 ዓ.ም. መልእኽቲ ሰላም እታ ር.ሊ.ጳጳሳት ኮይኖም ምስ ተሓረዩ ንህዝቢ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ሰላምታ “ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን” ብዝብል ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዘቕረበሎም ሰላምታ መርሕ ቃል ዝገበረ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እዚ ሰላም እዚ "ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ኣጽዋር ዘይብሉን ኣጽዋር ዘፍትሕን እዩ፣ እዚ ኸኣ ጎይታ በቲ ቅድመ ኩነት ዘይብሉ ፍቕሩ ኣቢሉ ንሓላፍነትና ብሕድሪ ዝሃበና ጸጋ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ጻውዒት ናብ ሓድሽ ዓመት ሰላም

ቅዱስ ኣቦና በዚ ሓላፍነት እዚ ንዅሉ ሰብ፡ ብጸጋ ክርስቶስ፡ ሎሚ “ኣጽዋር ልብና ብምፍታሕ፡ ካብ ኩሉ ዓይነት ዓመጽ ብምቑጣብ፡ ዓመት ሰላም ክንሃንጽ” ተማሕጺኖም፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብዙሓት ሰባትን ትካላትን ድሮ ዓመጽ ንምውጋድ ገዛእ ርእሶም ከም ዝውፈዩን ንህንጸት ሰላም ማእለያ ዘይብሉ ተበግሶታት ከም ዝፈጠሩን ኣስተብሂሎም፡ ዕለት 31 ታሕሳስ ምሸት ኣብ ካታንያ ኣባላት ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ዘካየድዎ ናይ ሰላም ጉዕዞ ኣጒሊሖም፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ካብ ሪችላንድ ኒውጀርሲ ኣሜሪካ ንዝመጹ ተማሃሮን መምህራንን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ዝኽሪ መበል 800 ዓመት ምውላድ ኣብ ሰማያዊ ቤት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኣስተብሂሎም፡ “ጐይታ ይባርኸኩምን ይሓልወኩምን፤ ገጹ የብርሃልኩምን ጸጋ የውርደልኩምን፤ የዕንቱ ናባኹም ኣቕኒዑ ሰላም ይሃበኩም” ብዝብላ ብናይ ማሕበር ፍራንቸስካውያን ኣሃው ኣቦ ዝኾነ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ቃላት ኣቢሎም ብራኬ ሂቦም ቅድሚ ምፍናዎም፡ ማርያም ወላዲተ እግዚኣብሔር “ኣብ ሓድሽ ዓመት ኣብ ጉዕዞና ክትመርሓና” ምንዮቶም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 Jan 2026, 15:46