ሰናይ ትምኒት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንምብራቓውያን ኣብያተ ክርስቲያን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 6 ጥሪ ኣብ ኢጣሊያ ከምኡ እውን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ኣቢያተ ክርስትያን ብዝተፈላለየ መዓልቲ ዝዝከር መዓልቲ ህጻናት ልኡካነ ወንጌል ምዃኑን ኣስተብሂሎም፡ "ንዅሎም እቶም ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ንኣስፍሆተ ወንጌል ዝጽልዩ ቈልዑን መንእሰያትን ነቶም ኣዝዮም ጽጉማት መዛኑኦም ንምሕጋዝ ቈራጽነት ዝገበሩ" ኣመስጊኖም ምስ ኣብቅዑ ሓሳቦም ናብቶም ብዓውደ ኣዋርሕ ዩሊዩስ ዕለት 7 ጥሪ በዓል ልደት ዜብዕሉ ማሕበረሰብ ምብራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣቕኒዖም፡ ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም፡ ነቶም ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝነበሩ ምእመናን ሮማን ነቶም ካብ እተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝመጹ ነጋድያን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ኣብ መንጎ እቶም ኣብኡ እተኣከቡ እተፈላለዩ ጕጅለታት ካብ ላምፐዱዛን ንኣባላት "ኣብ መንጎና" እተሰምየ ምንቅስቓስ መንእሰያትን ከምኡ እውን ተሳተፍቲ ናይቲ ባህላውን ታሪኻውን ኣብ ክብርታት ኣስተርእዮ ዝጸንዐ ምርኢት ንምቕራብ ካብ ዝተፈላለያ ክተማታት ኢጣሊያ ብፍላይ ድማ ካብ ዞባ ሲቺሊያ ዝመጹ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ከምኡ’ውን ናይ’ቲ ዕለት 6 ጥሪ ብጀካ ኣብ ሮማ፡ ኣብ ዋርሶን ኣብ ብዙሓት ከተማታት ፖላንድን ዝካየድ ኣብ ሰብኣ ሰገል ዘማእከለ ምርኢታ እውን ዘኪሮም፡ ንኹሎም ነቶም ኣብ ቕርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንዝተረኽብሉ ሎዕሊ 20 ሺሕ ግመቱ ምመናን ሰላምታኦም ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
