ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ን20 ቆልዑ ምስጢረ ጥምቀት ሰሪዖም: ሕጂ ትርጉም ህይወት ኣለዎም!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ኣብ 1981 ብር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘበገስዎ ትውፊት ብምቕጻል ዕለት 11 ጥሪ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን በዓለ ጥምቀት ዘእግዚኣነ ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ን20 ናይ ሃገረ ቫቲካን ሰራሕተይናታት ቆልዑ ምስጢረ ጥምቀት ከም ዝሰርዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ መበል 45 ዓመታት ዘቑጽር ዘሎ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘበገስዎ ትውፊት ብምቕጻል ኣብ ቤተ ጸሎት ሲስቲና ን20 ደቂ ሰራሕተይናታት ቫቲካን ቅዱስቲ ቤተ ክርስቲያን ዕለት 11 ጥሪ በዓለ ጥምቀት ዘእግዚእነ ኣብ ዘብዓለትሉ ሰንበት ምስጢረ ጥምቀት ከም ዝሰረዑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ሓድሽ ምልክት ይቕረታ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት እግዚኣብሔር ናብ ምድሪ ብምውራድ “ንነፍሲ ወከፍና ብኽፉትን ትሑትን ልቢ ክራኸበና” ናብ ታሪኽ ከምዝኣተወ ኣስተንቲኖም። ምስ ክውንነትና ተራኺቡ ቃል ድሕነት ክገልጸልና ይደሊ እዚ ድማ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተፈጸመ እዩ፡ ስለዚህ ድሕነት ንሱ እዩ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ “ወልደ እግዚኣብሔር ስጋ ሰብ ብምልባስ ንዅሉ ዘገርም ተኽእሎ የቕርበልና፣ ሓድሽን ዘይተጸበናዮን፣ ዋላ ንነብያት እውን ከይተረፈ ግዜ ይምረቕ ቢሎም - ዮሓንስ መጥምቕ ነዚ ብኡንብኡ ኣለልዩ፡ “ኣነ እየ ብኣኻ ክጥምቀ ዘድልየኒ፡ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ?” እንክብል ንኢየሱስ ዝተዛረቦ ቃላት ጠቒሶም፡ በዚ ኸምዚ ኢየሱስ ንርእሱ ኣብ ዘይንሓስቦ ቦታ የቐምጥ፡ “ንሱ እቲ ኣብ መንጎ ሓጥኣን ቅዱስ እዩ፡ ብሓቂ ንሰብኣዊ ዘበለ ዅሉ ካብ ሰብኣውነትና ከይረሓቐ ምሉእ ብምሉእ ሰብኣውነትና ለቢሱ ኣብ መንጎና ኪነብር ደለየ . . . ኢየሱስ - ኹሉ ጽድቂ ክፍጽም” ብዮሃንስ ክጥመቕ ከም ዘለዎ ይገልጽ፡ እቲ ክፍጸም ዘለዎ ጽድቂ እንታይ እዩ? ጽድቂ እንታይ ማለት እዩ? ዝብል ሕቶ ዘቕረቡ ቅዱስነቶም፡ በቲ ኣብ ዮርዳኖስ ዝተጠመቐ ክርስቶስ ዝገበሮ “ሓድሽ ምልክት ሞትን ትንሣኤን ምሕረትን ሕብረትን” ጻድቃን ንኸውን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

“ምስ ኣምላኽ ህይወት ምድሓን ትረክብ”

እዞም 20 ሕጻናት በቲ ዝተቐበልዎ ምሥጢረ’ዚ፡ “እግዚኣብሔር ዘፍቀሮም፡ ክርስትያን፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ይኾኑ። ብጥምቀቶም ድማ እዞም ቆልዑ ሓደሽ ፍጥረት ይኾኑ።

“ከምቲ ካባኻትኩም፡ ወለዶም፡ ሕይወት ዝረኸቡ፡ ሕጂ’ውን ነቲ ናይ ምንባሮም ዝኾነ ትርጉም፡ ማለት እምነት ይቕበሉ” እንክብሉ ኣስተብሂሎም። ብተወሳኺ ሓደ ነገር ኣገዳሲ ምዃኑ ምስ እንፈልጥ፡ ነቶም እነፍቅሮም ሰባት ክንህቦ እንጽዕር፡ ንኣብነት ክዳውንትን መግብን ንህጻናት . . . ካብ ምግቢ ወይ ክዳውንቲ ንላዕሊ፡ ማለት ንህይወት ኣድላዪ ካብ ዝዀነ ኵሉ ድማ - እምነት ዝያዳ ኣገዳሲ እዩ። “ምኽንያቱ ምስ እግዚኣብሔር ህይወት ድሕነት ስለ እትረክብ . . . ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንደቆም እምነት ብዝልምኑ ወለዲ ኣቢሉ ርኡይን ዝጭበጥን ይኸውን። ኣብ መጻኢ፡ እቶም ሎሚ ኣብ ሕቕፎኹም ክብድ ዝብሉ እውን እንተኾነ ንሳቶም ዚድግፉኹም መዓልቲ እውን ከም እትመጽእ” ዝሕብር እዩ፡ እንክብሉ ቅዱስነቶም ነቶም ደቆም ዘጠመቑ ኣባያቲ ስድራ ኣተባቢዖም፣ እቲ ዘራኽበና ጥምቀት ንኣባይቲ ስድራ ሓይልን ጽንዓትን ክህቦም ድማ ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ጥምቀት ምሥጢራዊ ምልክት ነዚ ዝምስክር እዩ። እቲ ዝተቐደ ሰማይ ብመንፈስ ተሓጺብካ ካብ ሓጢኣት ምንጻሕ ዘመልክት እዩ፤ እቲ ጻዕዳ ክዳን እቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ዝህበና ሓድሽ ክዳን እዩ፤ እቲ ዝተወልዐ ሽምዓ ድማ ካብ ሽምዓ ፋሲካ ዝመጽእ ኮይኑ ብርሃን ናይቲ ዝተንስአ ጎይታ እዩ እንክብሉ ቅዱሰንቶም ብምዝኽካር። “ጐይታ ወትሩ ስጉምትኹም ከም ዘሰንይ ብምትእምማን፡ ኣብ ቅድሜኹም ዘሎ ዓመት ምሉእን ምሉእ ህይወትኩምን ብታሕጓስ እዚ ጉዕዞ እዚ” ክቕጽሉ ድማ ጸሎቶም ምዃኑ ብምርግጋጽ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 Jan 2026, 16:54