ር.ሊ.ጳ. ኣብ በዓለ ኣስተርእዮ፦ ምስ እግዚኣብሔር ኩሉ ይቕየር ዝኾነ ዓመጽ ንመገዱ ኣይዕብልሎን እዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ብርግጽ ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ቅዱስ መጽሓፍ ኣምላኽ ንርእሱ ከም ዝግለጽ ኣብ ዝዛረበሉ እዋን፡ ነቲ ከም ሓጐስን ምውዕዋዕን፡ ተቓውሞን ተኣዛዝነትን፡ ፍርሕን ናፍቖትን ዝኣመሰሉ ተነጻጻሪ ግብረ - መልሲታት ከይሓበአ የረጋግጸልና። ሎሚ'ውን ኣብ ቅድሚኡ ዝኾነ ነገር ከም ዝነበሮን ከም ቀደሙን ከም ዘይተርፍ እናፈለጥና በዓለ ኣስተርዮ ዘእግዚነ ነብዕል። እዚ ኸኣ ብቐዳምነት ተስፋ እዩ ዜመልክት ከመይሲ ኣምላኽ ርእሱ ይገልጸልና ዘይልወጥ ድማ ከም ዘየልቦን ህላወኡ ነቲ ሰባት መወዳእታ ዘይብሉ “ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ሓድሽ ነገር የለን” (መክ 1፡9) ዝብልዎ ዓይነት ጓሂ ዝመልኦ ዕግበት መወዳእታ ይገብረሉ። ንህሉውን መጻእን ዝውስን ሓድሽ ነገር ይጅምር፣ ከምቲ ነቢይ ኢሳያስ: “ብርሃንካ መጺኡ፣ ክብሪ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ ልዕሌኻ ተንሲኡ” (ኢሳ 60፡1) እንክብል ዘበሰሮ።
ኵሉ ዝረኣየት ኢየሩሳሌም
ብዙሕ ሓድሽ ጅማሮ ዝረኣየት ከተማ ኢየሩሳሌም ኣብ ሽግር ምህላዋ ዘገርም እዩ። ኣብ ውሽጢ እታ ኸተማ፡ እቶም ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዜጽንዑን ኵሉ መልሲ ዝረኸቡ ዝመስሎምን፡ ሕቶታት ናይ ምሕታት ክእለትን ናይ ሃረርታ ስምዒት ናይ ምምዕባልን ክእለት ዝሰኣኑ ይመስሉ። ብርግጽ እታ ከተማ ነቶም ብተስፋ ተደሪኾም ካብ ርሑቕ ናብኣ ዝመጹ ትፈርሕ፤ እታ ከተማ በቲ ኣብ ክንድኡ ዓቢ ሓጐስ ከምጽእ ዝግበኦ ብፍርሒ ኣብ ሓደጋ ዝወደቐት ትመስል። እዚ ግብረ መልሲ ከም ቤተ ክርስቲያን እውን ዝፈታተነና እዩ።
እቲ ሎሚ ዝተዓጸው ቅዱስ ኣፍደገ ናይዚ ባዚሊካ፡ ማእለያ ዘይብሎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን፡ ነጋድያን ተስፋ፡ ዝተሳገርዎ ናይ ተስፋ ማዕጾ ኩሉ ግዜ ክፉት ናብ ዝኾነት ከተማ ሓዳስ ኢየሩሳሌም ገጾም ክጓዓዙ ተመኲይራ እያ (ራእ 21 ፡25)። እዞም ሰብኡትን ኣንስትን መን እዮም ነይሮም፣ እንታይከ ደሪኽዎም፧ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ኢዮቤል፡ ምናልባት ካብቲ ክንርድኦ እንኽእል ኣዝዩ ዝበረኸ መንፈሳውነት ድልያ ብዕቱብ ከነስተንትነሉ ይዕድመና። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ድርኵዂት ቤተ - ክርስትያን ሰጊሮም እዮም። እንታይ እዮም ረኺቦም? ኣብ ልቦምን ሕቶኦምን ስምዒቶምን እንታይ እዩ ነይሩ? እወ ሰብኣ ሰገል ሎሚ እውን ኣለዉ። ብፍላይ ኣብ ከም ናትና ዝኣመሰለት ሽግር ዝመልኣ ዓለም ብብዙሕ መገድታት ባህ ዘየብልን ሓደገይናን ክኸውን ዝኽእል ምስ ጕዕዞኦም እተተሓሓዘ ሓደጋታት ብምቕባል ወጺኦም ክደልይዎ ኣድላዪ ምዃኑ ዝስምዖም ሰባት ኢዮም።
እግዚኣብሔር ከም ጣዖታት ብሩርን ወርቅን ኣብ ኢድና ዝውነን ኣይኮነን
ጥንታውያን ብዛዕባ homo viator - ናይ ጉዕዞ ሰብ ይዛረቡ ነይሮም እዮም፡ ኵሉ ህይወትና ጕዕዞ እዩ። ወንጌል ንቤተክርስትያን ነዚ ተርእዮ እዚ ኸይትፈርሆ የግዳስ ከተማስወሉን ናብቲ ዚድግፈና ኣምላኽ ከተተኵርን ይብድሃ። እግዚኣብሔር ከም ጣዖታት ብሩርን ወርቅን ኣብ ኢድና ስለ ዘይውነን ዘይርጉእነት ኣይሕድረልና። ኣብ ክንዳኡስ ከምቲ ማርያም ኣብ ሕቝፋ ዝሓቘፈቶ ጠቢባን ከኣ ዜምልኽዎ ሕጻን ህያውን ህይወት ዚህብን እዩ። ከም ካቴድራልን ቤተ ክርስትያንን መካነ ንግደታትን ዝኣመሰሉ ናይ ኢዮቤል ናይ ነጋድያን መዕረፊ ዝዀና ቅዱስ ቦታታት ነቲ ጨና ህይወት ክዝርግሖ ኣለዎ፡ እዚ ድማ ካልእ ዓለም ከም ዝጀመረት ዘይርሳዕ ምርዳእ ኢዩ። ንርእስና ንሕተት፡ ኣብ ቤተክርስትያንና ህይወት ኣሎዶ? ሓድሽ ነገር ዚውለደሉ ቦታ ኣሎዶ? ነቲ ኣብ ጕዕዞ ዚመርሓና ኣምላኽ ነፍቅሮ ዲና? ሄሮድስ ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል ብዛዕባ ዝፋኑ ይፈርህ በቲ ኻብ ቍጽጽሩ ወጻኢ ዀይኑ ብዚስምዖ ነገራት ድማ ይጭነቕ ከም ዝነበረ ይነግረና። ንድሌቶም ብምቍጽጻር ድሌት ሰብኣ ሰገል ኪጥቀም ይፍትን። ክሕሱ ድሉው እዩ ዝዀነ ይኹን ነገር ክገብር ድማ ድሉው እዩ። ፍርሂ ብሓቂ የዐውረና እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ሓጐስ ወንጌል ሓራ የውጽኣና። ትኲራት - ጥንቁቓት ይገብረና፣ ኣስተውዓልቲ ይገብረና እወ ግን ከኣ ተባዓት ቈላሕታ ዝመልኣ ከምኡውን መሃዝቲ ይገብረና። ካብቲ ካልኦት ኣቐዲሞም እተጓዕዝሉ እተፈልየ መገዲ ክንጓዓዝ ይገብረና።
ሰብኣ ሰገል ንኢየሩሳሌም ዘቕርብዎ ቀሊልን ግን ከኣ ኣገዳስን ሕቶ
ሰብኣ ሰገል ንየሩሳሌም "እቲ እተወልደ ኣበይ ኣሎ?" ዚብል ቀሊልን ኣገዳስን ሕቶ ኣቕረቡላ (ማቴ 2 2)። እቶም ብኣፍ ደገ ቤተ-ክርስትያን ዚሓልፉ እተወልደ መሲሕ፡ ተስፋ ዝዕምብበሉ ሕብረተሰብ ከም ዝእከብን ታሪኽ ህይወት ከም ዝቕይርን ክግንዘቡ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ! ኢዮቤል ከም ብሓድሽ ክንጅምር ከም እንኽእል የዘኻኽረና፡ ብሓቂ ገና ኣብ መጀመርታ ከም ዘለና ጐይታ ድማ ህላወኡ ኣብ መንጎና ከም ኣምላኽ ምሳና ዀይኑ ኺዓቢ ኸም ዚደሊ የዘኻኽረና። እወ ኣምላኽ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ንነብያቱ ዜነቓቕሖም መደባት ስለ ዘለዎ ነቲ ሕጂ ዘሎ ስርዓት ኣብ ሕቶ ኣእትይዎ እዩ። ኣምላኽ ካብ ኣረጊትን ሓድሽን ጊልያነት ኬድሕነና ቘሪጹ እዩ። ንኣሽቱን ዓበይትን ድኻታትን ሃብታማትን ሰብኡትን ኣንስትን ቅዱሳንን ሓጥኣንን ኣብ ግብርታት ምሕረትን ኣብ ተኣምራት ፍትሑን የሳትፎም። ጐይታ ብህድኣት ዝፍጽም እኳ እንተኾነ መንግስቱ ኣብ ኵሉ ኽፍልታት ዓለም ከም ዚበቍል ገይሩ እዩ።
ኣስተረእዮ ካብ ዕላማ ሄሮድሳያውያን ከርሕቕና ኣለዎ
ክንደይ ኣስተርእዮታት ተዋሂቡና ኽንደይ ካልእ ክወሃበና ይኽእል! እንተዀነ ግን ካብ ዕላማ ሄሮድያውያን ካብቲ ወትሩ ናብ መጥቃዕቲ ንምቕያር ድሉው ዝዀነ ፍርሂ ኼርሕቑና ኣለዎም። "ካብ ዘመን ዮሃንስ መጥምቕ ጀሚሩ ኽሳዕ ሎሚ መንግስተ ሰማያት ትግፋዕ ኣላ። ገፋዕቲ ድማ ይዘርፍዋ ኣለዉ” (ማቴ 11 12)። እዚ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ተመዝጊቡ ዘሎ ምስጢራዊ መግለጺ፡ ኢየሱስ ብዛዕባ እቲ ሰባት ነቲ ኣምላኽ ንዅሉ ሰብ ዘዳለዎ ሓድሽ ነገር ዚጻረርዎ ሕሉፍ ሓሊፎም ዘይከኣሎም እውን እንተኾነ ከፍጥፍዎ ዝፍጽምዎ ዓመጽ ክንሓስብ ይገብረና። ሰላም ምፍቃርን ምድላይን ኪበሃል እንከሎ ነቲ ቕዱስን ከም ንእሽቶን ተነቃፊን ቈልዓ ዀይኑ እተወልደ ምዕቃብ ማለት እዩ። ኣብ ከባቢና ዘሎ ቄናን ቍጠባ ካብ ኵሉ ነገር ረብሓ ኺረክብ እዩ ዚጽዕር። ዕዳጋ ነቲ ደቂ ሰብ ንምድላይን ንጕዕዞን እንደገና ንምጅማርን ዘለዎም ባህጊ ብኸመይ ናብ ተራ ንግዲ ክቕይሮ ከም ዝኽእል ንርኢ ኢና። ንገዛእ ርእስና፦ ኢዮቤል ካብቲ ንዅሉ ነገር ናብ ፍርያት ንሰባት ከኣ ናብ ዓማዊል ዚቕይር ዓይነት ስሉጥነት ክንሃድም ምሂሩና ድዩ? ቢልና ንሕተት፡ ድሕሪ እዚ ዓመት ኢዮቤል እዚ ኣብ በጻሒ፡ ኣብ ጓና ደላዪ፡ ኣብ ጓና ጎረቤት፡ ኣብቶም ዝተፈለዩ ብጾት ተጓዓዝቲ ብዝበለጸ ነጋዲያን ምዃኖም ከነለልዮም ንኽእል ዲና?
ኢየሱስ ንሰባት ዝኸፈቶ መገዲ ምስዓብ
ኢየሱስ ምስ ኵሎም ሰባት እተራኸበሉ መገዲ ነቲ ንሱ ጥራይ ኬንብቦ ዚኽእል ምስጢራት ልቢ ኣኽቢርና ኽንርእዮ ይምህረና። ምስኡ ሓቢርና ነቲ ናይ ግዜ ትእምርትታት ክንቅበሎ ንመሃር ኢና (Gaudium et Spes - ፍስሓን ተስፋን፡ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ፍቕዲ 4)። ነዚ ክሸጠናልና ዝኽእል ሰብ የሎን። እቲ ሰብኣ ሰገል ዜፍቅርዎ ውሉድ ብዋጋ ዘይሽነን ማእለያ ዘይብሉን ሰናይ እዩ። ናይ ኣስተርእዮ ህያብ እዩ። እዚ ኣብ ክቡር ቦታ ዘይኰነስ ኣብ ትሑት ቦታ እዩ ዚፍጸም። “ኣቲ ቤት-ልሄም ምድሪ ይሁዳ፡ ንህዝበይ እስራኤል ዚሕሉ ሹም ካባኺ ኺወጽእ እዩ እሞ፡ ካብ ሹማምቲ ይሁዳ ከቶ ኣይትንእስን ኢኺ” (ማቴ. 2፡ 6)። ክንደይ ከተማታትን ክንደይ ማሕበረሰባትን፥ "ዝነኣስኩም ኣይኮንኩምን" ዝብል ቃል ናተን ገይረን ክሰምዖኦ የድልየን፡ እወ ጐይታ ገና የገርመና እዩ! ንገዛእ ርእሱ ይገልጽን ክንረኽቦን ይፈቅድ። መገድታቱ መገድታትና ኣይኰነን ዓመጸይናታት እውን ኪቈጻጸርዎ ኣይክእሉን ሓይልታት ዓለም እውን ኪዓግትዎ ኣይክእሉን እዮም ። እዚ ዓብዪ ሓጐስ እዚ ናይቶም ካብ ቤተ መንግስትን ቤተ መቕደስን ሓዲጎም ናብ ቤት - ልሄም ዝኸዱ ሰብኣ ሰገል እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ጥራይ እዮም ነቲ ኰዀብ እንደገና ዚርእይዎ!
ነጋድያን ተስፋ ምዃን ዘደንቕ እዩ
በዚ ድማ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ተስፋ ነጋድያን ምዃን ድንቂ እዩ። ብሓባር ነጋድያን ኮይንና ክንቅጽል ግሩም እዩ! ተኣማንነት ኣምላኽ እናገረመና ይቕጽል ኣሎ። ኣብያተ ክርስትያናትና ናብ ሓወልቲ እንተዘይኣውሪድና፡ ማሕበረሰባትና ኣባይቲ እንተኾኑ፡ ብሓባር ደው ኢልና ንላግጽን ምትላልን ናይቶም ኣብ ስልጣን ዘለዉ እንተደኣ ተቓዊምና፡ ሽዑ ወለዶ ሓድሽ ወጋሕታ ክንከውን ኢና። ማርያም ኮኾብ ንግሆ ወትሩ ኣብ ቅድሜና ክትከይድ እያ! ኣብ ወዳ ብናይ ሓያላት ምትላላት ዘይኮነስ ብፍቕሪ ስጋ ዝኾነ ኣምላኽ ዝተቐየረ ፍሉይ ሰብኣውነት ከነስተንትንን ከነገልግልን ኢና እንብሉ ቅዱሰንቶም ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
