ር. ሊ. ጳ. ኣብ ኮንቺስቶሮ፦ እቲ ዝስሕብ ቤተ ክርስቲያን ዘኮነትስ ክርስቶስ ኢዩ!
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ፣ ኣብ መኽፈቲ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት ኣብ ዘቕረብዎ መደረ፣ ናይቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር ካብ ዕለት 7-8 ጥሪ ዝተኻየደ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት ፍረ ነገር "ክሰምዕ እየ መጺአ" ዝብል ከም ከም ዃኑ ኣመልከቱ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድሕሪ በዓለ ኣስተርእዮ ናይ ላቲናዊ ሥርዓት፣ ምስ ካርዲናላት ኣብ ከተማ ሮማ ብምርኻቦም እተሰምኦም ሓጐስ ብምግላጽ፣ መንፈስ ቅዱስ ኣብዘን ክልተ ጽዑቓት ግን ከኣ ኣገደስቲ ናይ ምስትንታንን ምይይጥን መዓልትታት ክመርሖም ጸልዮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሓደ መዓልትን ፈረቓን ዝኣክል ብሓባር ዘሕልፍዎ ግዜ፣ ነቲ "ንቕድሚት እንስጉመሉ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መገዲ ዝሕብር" ምዃኑ ገሊጾም።
"ሓደ ጽሑፍ ኣብ ምድላው ክንበጽሕ ኣይኮናን፣ የግዳስ ንተልእኾ መላእ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ምግልጋል ዝሕግዘኒ ዘተ ክንቅጽል ብዝብል ዕላማ" ኢና ተጋቢእና ዘሎና በሉ።
ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስነቶም ዘቕረብዎ መደረ ንምንባብ!
ቅዱስ ኣቦና ኣብ መደረኦም ቀጺሎም፣ ጉባኤ ካርዲናላት "ብእተፈላለየ ድሕረ ባይታ ባህልታት ቤተ-ክርስትያንን፣ ማሕበራዊ ልምድታትን፣ ሥነ መዕበያውን ትምህርታውን መገድታትን፣ ጕስነታዊ ተመኵሮታትን፣ ብሕታዊ ባህርያትን ጠባያትን ከይተረፈ ዝሃብተመ" ኣዝዩ ሃብታም ዝኾነ ፍሉይነት ዝሓዘ ጕጅለ ምዃኑ ኣፍልጦ ሃቡሉ።
"ንቤተ-ክርስትያን ኣብ ምግልጋል ብሓባር ምእንቲ ኽንዓዪ፣ ንሓድሕድና ኽንፋለጥን ክንዘራረብን ተጸዊዕና ኢና" ውን በሉ። "ኣብ ሕብረት ክንዓቢ ተስፋ እገብር፣ በዚ ኸምዚ ድማ ናይ ጉባኤ ኣርኣያ ከነቕርብ ንኽእል ኢና" ክብሉ ውን ተላበዉ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘካፈልዎ ሓሳባት፣ ነቶም ተሳተፍቲ ኣገዳስነት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ውን ኣዘኻከርዎም፣ ብዛዕባ እቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ድማ ኣስተንተኑ።
"ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ፣ ነዚ ምንቅስቓስ እዚ ከም ስሕበት ዝመርሖ "ሓይሊ" ብምባል ዝገለጽዎ ነገር ተጠንቂቕና ኸነቕልበሉ እዕድመኩም ኣለኹ" ውን በሉ። "ብርግጽ እዚ ሓይሊ እዚ ካሪስ (ፍሉይ ፍቕሪ) እዩ፣ ኣጋፐ (ሓቀይና ፍቕሪ) ከአ እዩ፣ እዚ ድማ ኣምላኽ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ሥጋ ዝለበሰ ብመንፈስ ቅዱስ ድማ ንቤተክርስትያን እተዋህበ ንዅሉ ተግባራታ ይቕድስ" ክብሉ ውን ኣስመሩሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣስዒቦም፣ "ኣብ ርእሲ እዚውን ክርስቶስ እምበር ቤተ-ክርስትያን ኣይኰነትን እትስሕብ። ሓደ ክርስትያን ወይ ማሕበረሰብ ክርስትያን ዝስሕብ እንተ ዀይኑ ድማ፣ በቲ 'መትረብ' ኣቢሉ ካብ ልቢ መድሓኒ ዚፈስስ ህያውደም ልግሲ ስለ ዘውሕዝ እዩ።"
"ሓድነት ኪስሕብ ከሎ ምክፍፋል ግን ይበታተን እዩ" ክብሉ ውን ኣጠንቀቑ።
ቅዱስ ኣቦና ወሲኾም፣ ተጋባእቲ ካርዲናላት ኣብ ክልተ ኣርእስትታት ከም ዘስተንትኑ ኣዘኻኸርዎም፦ “ናይ ወንጌል ሃሴት” ማለት ብዛዕባ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ኣብዛ ሎሚ ዘላ ዓለምን፣ “ስብኩ ወንጌለ” ማለት ኣገልግሎት ቅድስቲ መንበር ብፍላይ ከኣ ንፍሉያት ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ዝምልከት፣ ሲኖዶስን ሲኖዳውነትን ከም መሳርሒን ኣገባብን ምትሕብባርን ከምኡውን ሊጡርጊያ ከም ምንጭን ጥርዝን ክርስትያናዊ ህይወትን ከም ምዃኑ ኢዩ ክብሉ ውን ኣመልከቱሎም።
ይኹን እምበር "ብምኽንያት ሕጽረት ግዜን ብሓቂ ዓሚቝ ትንተና ንምትብባዕን፣ ካብዚኣተን ብዛዕባ ክልተ ሓሳባት ጥራይ እዮም ብንጹር ክትመያየጡ እትኸሉ" ብምባል "ኣብ ዝቕጽል ሓደ ወይ ክልተ ዓመት ዘሎና መገዲ ምስ እንርኢ፣ ንነፍሲ ወከፍ ፍረ ነገር፣ ቅዱስ ኣቦናን ኩርያ ሮማናን ዝወስድዎ ስጕምቲ እንታይ ሓሳባትን ቀዳምነት ክወሃቦ ይኽእል?" ኣብ ዝብል ክዝትዩ ዓደምዎም።
ካርዲናላት "ንልብን ኣእምሮን መንፈስን ነፍሲ ወከፎም ኣቓልቦ ኺገብሩ፣ ንሓድሕዶም ጽን ክበሃሃሉን፣ ነቲ ቐንዲ ነጥቢ ጥራይ ብሓጺርን ብንጹርን ኪገልጹ" ክጽዕሩን እዚ ከም ዝጽበይዎምን ገለጹ።
ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፣ "ኣብ መጻኢ እዚ ንሓድሕድና ንምስማዕን፣ ምርሒት መንፈስ ቅዱስ ንምድላይን ብሓባር ንምምልላስን፣ ነቲ ብሕድሪ እተዋህበኒ ጴጥሮሳዊ ኣገልግሎት ዓብዪ ሓገዝ ኪኸውን እዩ" በሉ።
"ሕውነትን ልባዊ ዕርክነትን ሒዝና ብሓባር ምዕያይ እንመሃረሉ መገዲ እውን እንተ ዀነ፣ ንህሉውን ንመጻእን ዜተኵር ሓድሽ ነገር ኬምጽእ ይኽእል እዩ" ውን በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መደምደምታ፣ መንፈስ ቅዱስ ነዞም ካርዲናላት ኣብ ሓሳባቶም ክመርሖምን፣ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣደ ቤተክርስትያን ከተሰንዮም ውን ጸልዮም።
