2026.01.14 Udienza Generale 2026.01.14 Udienza Generale  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ፦ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምስ ክርስቶስ ዕርክነት ክንምስርት ይዕድመና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመርዎ ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከምኡውን ሰነዳቱ ዝገለጽ ሓድሽ ተኸታታሊ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል፣ ብዛዕባ እቲ ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝኾነ ዶግማዊ ቅዋም “ቃል ኣምላኽ” (Dei Verbum) ብምጥቃስ ብዛዕባ መለኮታዊ ግልጸት ኣስተምሂሮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሎሚ ንግሆ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ እተሰምየ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዘካየድዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ብዛዕባ መለኮታዊ ግልጸት ኣስተምሂሮም፣ ነዚ ድማ ኣብቲ ብኻልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እተኣወጀ ሰነድ ሓዋርያዊ ቅዋም “ቃል ኣምላኽ” መሰረት ብምግባር ኢዩ ዝንበረ።

 

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቕርበልኩም።

 

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ብሩኽ መዓልቲ!

ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝምልከት ተኸታታሊ ትምህርተ ክርስቶስ ጀሚርና ኢና ዘሎና። ሎሚ ነቲ ብዛዕባ መለኮታዊ ግልጸት ዝዛረብ ዶግማቲክ ቅዋም  ቃል ኣምላኽ (Dei Verbum) ዝተሰምየ ሰነድ ብዝያዳ ኽንምርምሮ ኢና። ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ሠናይን ኣገዳስን ሰነድ እዚ ጉባኤ እዚ እዩ ዝነበረ፣ ናብዚ ሰነድ እዚ ንምእታው ከኣ ነቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እተዛረቦ ቓላት ምዝካር ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ፦ "ጊልያ ጐይታኡ ዚገብሮ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፣ ደጊም ባሮት ኣይብለኩምን እየ። ኣነ ግና ካብ ኣቦይ ዝሰማዕክዎ ዂሉ ኣፍሊጠኩም ኣለኹ እሞ፣ ኣዕሩኽይ ኢኹም እብለኩም ኣለኹ" (ዮሓ 15፡15)። እዚ መሰረታዊ ነጥቢ ናይ እምነት ክርስትና እዩ፣ ነዚ ድማ እዚ “ቃል ኣምላኽ” እተሰምየ ሰነድ የዘኻኽረና፦ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነቲ ሰብ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ኣጸቢቑ ኢዩ ዘሓደሶ፣ እዚ ድማ ካብኡ ንደሓር ናይ ዕርክነት ርክብ ከም ዝህልዎም ይገብ።  ስለዚ እቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዜድሊ እንኮ ኩንነት ፍቕሪ ይኸውን ማለት ኢዩ።

ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ብዛዕባ እቲ ራብዓይ ወንጌል እንክገልጽ፣ ብዛዕባ ጸጋ ዘሎና ርድኢት ኣትሪሩ ይዛረብ፣ እዚ ሓቂ እዚ ድማ ጥራይ እዩ ብወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ኣዕሩኽ ኣምላኽ ክገብረና ዚኽእል (Commentary on the Gospel of John, Homily 86)። እወ ሓደ ጥንታዊ ብዝሂል ከም ዘመልክተልና "Amicitia aut pares invenit, aut facit"፣ "ዕርክነት ኣብ መንጎ ማዕርነት እዩ ዚውለድ፣ ወይ ውን ማዕረ ይገብሮም" ዝብል ነበረ።  ንሕና ግና ማዕረ ኣምላኽ ኣይኮናን እንተ ኾነ ግን ኣምላኽ ባዕሉ ብወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ንዓዑ ከም እንመስል ይገብረና።

በዚ ምኽንያት እዚ፣ ከምቲ ኣብ ኵሉ ቅዱሳት መጽሕፍቲ ከም እንረኽቦ፣ ማለት ኣብ ኪዳናት እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ደቂ ሰብን ዘሎ ርክብ ወትሩ ዘይሚዛናዊ ዝዀነ ናይ ርሕቀት ህሞት ኣሎ፣ ንሱ ኣምላኽ እዩ፣ ንሕና ድማ ፍጡራቱ ኢና። ይኹን እምበር ወልድ ሥጋ ሰብ ምስ መጸ እቲ ኪዳን ናብ ናይ መወዳእታ ዕላማኡ ተኸፍተ፣ ብኢየሱስ ኣቢሉ ኣምላኽ ደቁ ይገብረና፣ በቲ ተነቃፊ ሰብነትና እኳ እንተ ዀነ፣ ንዕኡ ኽንመስል ግን ይጽውዓና ኢዩ። እምበኣር ከምቲ ተመን ንሄዋን ዘሰሓሓታ፣ ነዚ ድማ ብኣበሳን ብሓጢኣትን ኣይኰንናን እንበጽሖ (ዘፍ 3፡5) የግዳስ ምስቲ ሰብ ዝኾነ ወልድ ብዘለና ርክብ ኢና ንበጽሖ።

እተን ዝዘከርናየን ቃላት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ – "ኣዕሩኽይ እብለኩም ኣለኹ" ዝበሎ – ኣብቲ ሓዋርያዊ ቅዋም “ቃል እግዚአብሔር” (Dei Verbum) ክደጋገም ኢና እንረኽቦ - "እምበኣር በዚ ግልጸት እዚ፣ እቲ ዘይርአ ኣምላኽ (ቈላ 1፡15 1ጢሞ 1፡17 ርአ)፣ ካብ ብዝሒ ፍቕሩ ተላዒሉ ንሰባት ከም ኣዕሩኹ ገይሩ ይዛረቦም (ዘጸ 33፡11፣ ዮሃ 15፡14-15)፣ ኣብ ማእከሎም ድማ ይነብር (ባሩ 3፡38 ርአ) በዚ ኸምዚ ድማ ምሳኡ ሕብረት ክህልዎም ይዕድሞምን ናባኡ ይወስዶምን" (ቍ.2)።  ኣምላኽ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ድሮ ምስቶም ቀዳሞት ወለድና ይዋሳእን ይዘራረብን ነበረ (Dei Verbum 3)፣ እዚ ዝርርብ እዚ ብሓጢኣት ምስ ተቛረጸ ኸኣ፣ ፈጣሪ ምስ ፍጡራቱ ካብ ምርኻብን ምሳታቶም ኪዳን ካብ ምእታውን ኣየቋረጸን። ኣብ ክርስትና ግልጸት ማለት፣ ኣምላኽ ምእንቲ ክረኽበና ኢሉ፣ ኣምላኽ ብወዱ ኣቢሉ ሰብ ምስ ኰነ፣ እቲ እተቛረጸ ዝርርብ ብንጹር ተመልሰ፣ እቲ ኪዳን ድማ ሓድሽን ዘለኣለማውን ኮነ፣ ካብ ፍቕሩ ክፈልየና ዚኽእል ድማ ዋላ ሓደኳ የልቦን። ስለዚ ግልጸት ኣምላኽ ናይ ዕርክነት ባህርይ ኣለዎ፣ ከምቲ ኣብ ተመክሮ ሰብኣዊ ዕርክነት ዘሎ ድማ፣ ንስቕታ ኣይጻወሮን እዩ፣ የግዳስ ብምልውዋጥ ቃላት ሓቂ እዩ ዝዓቢ።

ሓዋርያዊ ቅዋም “ቃል ኣማላኽ” (Dei Verbum) እተሰምየ ሰነድ እውን ነዚ ኢዩ ዘዘኻኽረና፦ ኣምላኽ ይዛረበና እዩ። ነቲ ኣብ መንጎ ቃላትን ዘረባን ዘሎ ፍልልይ ኣፍልጦ ምሃብ ከአ ኣገዳሲ እዩ፣ ዘረባ ላዕሊ ላዕሊ ጥራይ ስለዝኸውን፣ ኣብ መንጎ ሰባት ሕብረት ኣየምጽእን ኢዩ፣ ቃል ግና ኣብ ሓቀኛ ርክባት ንሓበሬታን ዜናን ንምልውዋጥ ጥራይ ዘይኰነስ፣ መንነትና ንምግላጽ እውን የገልግል እዩ። ቃል ምስ ካልኦት ርክብ ዚፈጥር ገላጺ ስፍሓት ኣለዎ። በዚ ኸምዚ ኣምላኽ ምሳና ክዛረብ እንከሎ ምስኡ ዕርክነት ክንምስርት ዝዕድመናን መሻርኽቱ ክንከውንን ከም ዝጽውዓና ንኽገልጸልና እዩ።

ካብዚ ኣረኣእያ እዚ፣ እቲ መለኮታዊ ቃል ናብ ኣእምሮናን ልብናን ምእንቲ ሰርሲሩ ክኣቱ፣ እቲ ቐዳማይ ክንገብሮ ዘሎና ምስማዕ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ንኣምላኽ ክንዛረቦ ኣሎና፣ ማለት ነቲ ንሱ ድሮ ዝፈልጦ ኽንነግሮ ዘይኰነስ፣ እኳ ደአ ንገዛእ ርእስና ርእስና ምእንቲ ኽንገልጸላ እዩ።

ስለዚ ንሕና እቶም ምስ ጐይታ ዕርክነት ከነማዕብልን ክንነብርን እተጸዋዕና ጸሎት ክንገብር የድሊ። እዚ ብቐዳምነት ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴን ማሕበራዊ ጸሎትን እዩ ዚፍጸም፣ ኣብኡ ድማ ካብ ቃል ኣምላኽ እንታይ ከም እንሰምዕ ከም ዘሎና እንውስን ንሕና ኣይኮናን፣ የግዳስ ብቤተ-ክርስትያን ኣቢሉ ዝዛረበና ንሱ ባዕሉ እዩ። ድሕሪኡ ድማ እዚ ኣብ ውልቃዊ ብጸሎት ይፍጸም፣ እዚ ድማ ኣብ ውሽጣዊ ልብን ኣእምሮን እዩ ዝፍጸም። ንጸሎትን ኣስተንትኖን ሰቂለ ህልናን እተወፈየ ግዜ ኣብ መዓልታውን ሰሙናውን ህይወት ሓደ ክርስቲያን ክጐድል የብሉን። ምስ ኣምላኽ ምስ እንዘራረብ ጥራይ ኢና ብዛዕባኡ ውን ክንዛረብ እንኽእል። 

ተመክሮና ኸም ዚሕብሮ ዕርክነት ብዘሕዝን መገዲ ክበታተን ወይ ከኣ ከብቅዕ ዝርከብ፣ ብተኸታታሊ መዓልታዊ ሸለልትነት ነቲ ርክብ ክሳዕ ዚጠፍእ ወይ ከም ዝበላሾ ብምግባር፣ ንዝርርብ ዕሽሽ ብምባል ከአ ክፈርሰሉ ኣብ ዝኽእል ደረጃ የብጽሖ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣዕሩኹ ክንከውን ካብ ጸውዓና፣ ነዚ ጻውዒት እዚ ዕሽሽ ክንብሎ የብልናን። ነዚ ርክብ እዚ ንሓንጐፋይ ኢልና ተቐቢልና ብጥንቃቐ ንከናኸኖ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ምህላውና ምድሓንና ከም ምዃኑ ክንግንዘብ ኢና።

14 Jan 2026, 10:59