ድለ

ር. ሊ. ጳ. ፦ "ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ሕጂ እውን መሪሕ ኰዀብ ጕዕዞ ቤተክርስቲያን ኢዩ!"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከምኡውን ሰነዳቱ ሓድሽ ተኸታታሊ ትምህርተ ክርስቶስ ብምጅማር "ጽባቐን ኣገዳስነትን እዚ ናይ ቤተ-ክርስትያን ፍጻመ እንደገና ንምፍላጥ ክቡር ዕድል" ብምባል ጸውዖም፣ "ሥልጣነ ኣስተምህሮ ሎሚ እውን መሪሕ ኰዀብ ጕዕዞ ቤተ-ክርስትያን እዩ" ብምባል ውን ኣጕልሑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሎሚ ንግሆ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ እተሰምየ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዘካየድዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ደድሕሪ ዓመት ኢዮቤል ኣብ ምስጢራት ህይወት ኢየሱስ ዘተኰረ ትምህርቲ ብምዝዛም፣ ሎሚ ሓድሽ ተኸታታሊ ትምህርተ ክርስቶስ ብምጅማር፣ ንካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እተወፈየን ንሰነዳቱ እንደገና ምንባብን ምስትንታትን ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጾም።

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቕርበልኩም።

 

ዝኸበርኩም አኅዋትን ኣሓትን፣ ብሩኽ መዓልቲ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም!

ድሕሪ ዓመት ኢዮቤል ኣብ ምስጢራት ህይወት ኢየሱስ ዘተኰርናሉ እዋን ብምዝዛም፣ ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እተወፈየ ሓድሽ ተኸታታሊ ትምህርታት ብዛዕባ መልእኽቱን ሰነዳቱን እንደገና ምንባብን ክንጅምር ኢና። ጽባቐን ኣገዳስነትን ናይዚ ጉባኤ ቤተ-ክርስትያን እንደገና ንምፍላጥ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ ክኾነና ድማ እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማይ ኣብ መወዳእታ ዓመተ ኢዮቤል 2000 ዓ.ም. ከምዚ ዝስዕብ በሉ፦ "ነቲ ዋዕላ ኣብ መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን፣ ንቤተ-ክርስትያን እተዋህበ ዓብዪ ጸጋ ከም ምንባሩ ኽሕብር ግዴታ ዘሎኒ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ" ክብሉ መስከሩ። (Apostolic Letter Novo millennio ineunte, 57)

ኣብ ዓመተ 2025 ምስ ዝኽሪ ጉባኤ ኒቅያ ሓቢርና፣ መበል 70 ዓመት ዝኽሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘኪርና። ካብዚ ፍጻመ እዚ ዝፈልየና ግዜ ነዊሕ እኳ እንተ ዘይኰነ፣ ናይቲ ግዜ እቲ ወለዶ ጳጳሳትን ሊቃውንቲ ሥነ መለኮትን ምእመናንን፣ ምሳና ኸም ዘየለው እውን ሓቂ እዩ። ስለዚ ትንቢቱ ኸይሃስስን ንምስትውዓሉን ኣብ ግብሪ ንምውዓሉን መገድታትን ሜላታትን ምድላይ ክንቅጽል ጻውዒት ክንሰምዕ ከሎና፣ እንደገና ኣጸቢቕና ኽንፈልጦ ኣገዳሲ እዩ፣ ነዚ ድማ በቲ እተረግረና "ብወረ ከም እንሰምዖ" ወይ ትንተናታት ክንገብረሉ ዘይኰነስ፣ ሰነዳቱ እንደገና ብምንባብን ብዛዕብን ንትሕዝቶኡ ብምስትንታንን ክንገብሮ ኢና። እወ ሎሚ እውን እንተ ዀነ ኣብ ጕዕዞ ቤተ-ክርስትያን ዝመርሕ ኰዀብ ሥልጣነ ኣስተምህሮት ቤተክርስትያን ኢዩ። ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ዘስተምሃርዎ "ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ ሰነዳት ጉባኤ ቫቲካን እዋናውነቱ ኣየጥፍአን። ብርግጽ ትምህርትታቱ ብፍላይ ምስ እዚ ሓድሽ ኵነታት ቤተ-ክርስትያንን ህሉው ዓለምለኻዊ ሕብረተሰብን ኣገዳስነት ኣለዎ" በሉ። (ቀዳማይ መልእኽቲ ኣብ መወዳእታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምስ ኣባላት ጉባኤ ካርዲናላት 20 ሚያዝያ 2005) ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23፣ ብዕለት 11 ጥቅምቲ 1962 ነቲ ዋዕላ ምስ ከፈትዎ ንመላእ ቤተክርስቲያን ከም ወጋሕታ ብርሃን መዓልቲ ምዃኑ ኣመልከቱ። ዕዮ ናይቶም ኣብ ኵለን ኣህጉራት ካብ ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያን እተኣከቡ ብዙሓት ኣቦታት ንሓድሽ ዘመን ቤተ-ክርስትያን መገዲ ጸረገ። ድሕሪ እቲ ኣብ መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን ዝነበረ ሃብታም ቅዱስ መጽሓፋውን ሥነ መለኮታውን ሊጡርጊያውን ኣስተንትኖት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፣ ንገጽ ኣምላኽ ከም ኣቦ ብምስትንታን፣ ብክርስቶስ ደቁ ኽንከውን ዝጽውዓና ከም ምዃኑ ከም ብሓድሽ ኣተጋገጸ። ናብ ቤተክርስትያን ብብርሃን ክርስቶስ ብምጥማት ድማ ከም ብርሃን ኣህዛብ ከም ምስጢር ሕብረትን፣ ምስጢር ሓድነትን ኣብ መንጎ ኣምላኽን ህዝቡን ገይሩ ኣቕረባ። ምስጢር ድሕነትን ንንጡፍን ጥንቁቕን ተሳትፎ ናይ መላእ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ማእከል ብምምጻእ ድማ ኣገዳሲ ሥርዓተ ሊጡርጊያዊ ተሓድሶ ኣበገሰ። ብተመሳሳሊ መንገዲ ንዓለም ክፉት ንኽንከውንን ነቲ ኣብ ዘመናዊ መዋእል ዘሎ ለውጥታትን ብድሆታትን ኣብ ዘተን ሓባራዊ ሓላፍነትን ክንቅበል ሓጊዙና ኢዩ፣ ከም ቤተ-ክርስትያን መጠን ንደቅሰብ ኣእዳዋ ክትከፍት ተስፋን ጭንቀትን ህዝብታት ከተቃልሕ ከምኡውን ዝያዳ ፍትሓውን ሕውነታውን ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽ ክትተሓባበር እትደሊ ቤተ-ክርስትያን ኰይና ንዓለም ክንቅበል ሓጊዙና ኢዩ።

ሳላ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቤተ-ክርስትያን "እትብሎ ነገር ኣለዋ፣ እትህቦ መልእኽቲ፣ እትገብሮ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኣለዋ" (ር.ሊ.ጳ. ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ፣ ዓዋዲት መልእኽቲ “እንቲኣሁ ቤተክርስቲያን” 65) ብኢቁመናዊ ጕዕዞ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዚግበር ምይይጥን ምስ ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባት ብዘተ ንሓቂ ኽትደሊ ትጽዕር ቤተክርስቲያን ክትከውን ኣኽኣላ።

እዚ መንፈስ እዚ፣ እዚ ውሽጣዊ ዝንባለ እዚ ንመንፈሳዊ ህይወትናን ንጕስነታዊ ተግባር ቤተ-ክርስትያንን መለለዪ ክኸውን ኣለዎ፣ ምኽንያቱ ገና ብኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ናይ ቤተ-ክርስትያን ተሓድሶ ክንገብር ስለ ዘይከኣልና፣ ኣብዚ ዘመና ብድሆታት እናሃለወና ክንሱ ንቑሓት ተርጐምቲ ምልክታት ዘመንን ሕጉሳት ሰበኽቲ ወንጌልን ክንከውን ተጸዊዕና ኢና።  ናይ ፍትሕን ሰላምን ምስክርነት ክንህብ እውን ንጽዋዕ ኣሎና። ኣብ መጀመርያ እቲ ጉባኤ ኣቡነ ኣልቢኖ ሉቺያኒ ናይ መጻኢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ቀዳማይ ጳጳስ ቪቶሪዮ ቬኔቶ ብትንቢታዊ መንገዲ ከምዚ ክብሉ ጸሓፉ፦ "ከም ወትሩ ብዙሕ ውድባት ወይ ሜላታት ወይ መዋቕር ዘይኰነስ ዓሚቝን ዝሰፍሐን ቅድስና የድሊ ኣሎ። ... ምናልባት እቲ ብሉጽን ብዙሕን ፍረ ጉባኤ ድሕሪ ዘመናት ክርአ ከምኡ ውን ግጭታትን ኣሉታዊ ዅነታትን ብጻዕሪ ብምስዓር ክበስል ይኽእል ኢዩ።"[1] እምበኣር ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ዝገለጽዎ፣ ነቲ ዋዕላ እንደገና ምምርማት "ንኣምላኽ ቀዳምነት ክንህብ ይሕግዘና፣ ናብቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ንሓንቲ ቤተ-ክርስትያን ንጐይታኣን ንዅሎም ዜፍቅሮም ሰብኡትን ኣንስትን እትጽልን እተፍቅርን ቤተ-ክርስትያን ንምዃን" (ስብከት ኣብ መበል ስሳ ዓመት ምጅማር ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፣ ዕለት 11 ጥቅምቲ 2022)።

ዝኸበርኩም አኅዋትን ኣሓትን፣ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ መወዳእታ እቲ ጉባኤ ንኣቦታት ጉባኤ እተዛረብዎ ቓላት፣ ሎሚ ንዓና መምርሒ መሰረታዊ ስርዓት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ። ካብ ኣኼባታት እቲ ጉባኤ ወጺኦም ብስራት ወንጌል ንምብጻሕ ናብ ደቂ ሰብ ዝኸዱሉ ግዜ ከም ዝኣኸለ ኣረጋገጹሎም፣ ዝሓለፈን ህሉውን መጻእን እተሓጽረሉ ናይ ጸጋ እዋን ከም ዘሕለፉ ብምግንዛብ "እቲ ዝሓለፈ ኣብዚ ቦታ እዚ ተኣኪብና ቤተክርስትያን ክርስቶስ ምስ ትውፊታታ፣ ታሪኻ፣ ምስ ዝሓለፉ ጉባኤታታ፣ ምስ ሊቃውንታ፣ ምስ ቅዱሳናን ቅዱሳታት ኣላትና፤ እዚ ሕጂ ዘሎናዮ፣ ሕጂ ናብዛ ዘላ ዓለም ምስ መከራኣን ስቓያኣን ሓጢኣታን ብዘደንቕ ዓወታታታን ስነ-ምግባራዊ ስርዓታቱን ውርዝውናኣን ክንጕዓዝ፣ ንሓድሕድና ንሰናበት ኣለና። ኣብ መወዳእታ ድማ መጻኢ ኣብዚ ግዜና ህጹጽ ጻውዒት ህዝብታት ዓለም የቕርብ፣ ዝያዳ ፍትሒ ኣብ ዘለዎም ድሌት ሰላም፣ ብፍላጥ ኮነ ብዘይፍላጥ ጽምኢ ልዑል ዝኾነ ህይወት፣ ብልክዕ እዛ ቤተ-ክርስትያን ክርስቶስ ክትህቦም እትኽእልን ክትህቦም እትደልዮን ህይወት እዩ" ክብሉ ዛዘሙ። (ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ መልእኽቲ ናብ ኣበው ጉባኤ ቫቲካን፣ ዕለት 8 ታሕሳስ 1965)።

እዚ ድማ ንዓና እውን ሎሚ ሓቂ ኢዩ። ናብ ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ክንቀርብን ትንቢታውን እዋናውን ኣገዳስነቱ እንደገና ክንፈልጥ ከሎና፣ ነቲ ሃብታም ልምዲ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ሓንጐፋይ ኢልና ኢና እንቕበሎ፣ ኣብ ሓደ እዋን ከኣ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ንርእስና ንሓትት፣ ወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ንምምጻእ ናብ ዓለም ብምኻድ ድማ ንሓጐስና ነሐድሶ፣ ከመይሲ መንግስቲ ኣምላኽ፣  መንግስቲ ፍቕርን ፍትሕን ሰላምን እያ።

 

[1] A. Luciani – John Paul I, Note sul Concilio, in Opera omnia, vol. II, Vittorio Veneto 1959-1962. Discorsi, scritti, articoli, Padua 1988, 451-453.

07 Jan 2026, 14:44