ድለ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን፡ "ንናይ ኣጽዋር ኢንዱስትሪ ኣይፋል" ዝብል ናይ ሰላም ኢደ - ጥበብ ክረጋገጽ ኣለዎ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 6 ጥሪ ብምኽንያት ናይ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. መዛዘሚ ዝፈጸምዎ ስነ ስርዓት ምዕጻው ቅዱስ ኣፍደገ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽንያት በዓለ ኣስተርዮ ድሕሪ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ዘተረኽብሉ ጉባኤ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፡ ትርጉም ኣስተርእዮ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንኹሎም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ሰላምታኦም ድሕሪ ምቕራብ፡ ኣብዚ ቅዱስ ወቕቲ ሓያሎ በዓላት ኣብዒልና ኢና። ናይ ሎሚ ክብረ በዓል ኣስተርእዮ ስሙ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ጽንኩር እዋን’ውን ሓጐስ ዝከኣል ምዃኑ ዘረጋግጸልና እዩ። ከም እትፈልጥዎ “epiphany - ” ዝብል ቃል “ኣስተርእዮ” ማለት እዩ፣ ሓጐስና ድማ ብሓቂ ካብቲ ድሕሪ ሕጂ ዘይተሓብአ ምስጢር ዝመጽእ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ግልጸት እግዚኣብሔር

ሕይወት እግዚኣብሔር ኣብ ብዙሕ ግዜን ብዝተፈላለየ መንገድን ተገሊጹ እዩ፣ ብውዱእ ንጹርነት ድማ ኣብ ኢየሱስ፣ ስለዚ ሕጂ ከመይ ጌርና ተስፋ ከም እንገብር ፈሊጥና ኣሎና፣ ዋላ ኣብ ማእከል ብዙሕ ጸበባታት ኣናሃሎና። “ኣምላኽ የድሕን - ድሕነት እዩ” ካልእ ትርጉም የብሉን፣ [ብዘይካ ናይ ኢየሱስ] ካልእ ስም የብሉን። እቲ ሓራ ዘውጽኣናን ዘድሕነናን ጥራይ እዩ ካብ እግዚኣብሔር ክመጽእ ዝኽእል ናይ እግዚኣብሔር ግልጸት እዩ።

ኣብ ቅድሚ ሕጻን ቤት - ልሄም ከም ሰብኣ ሰገል ተምበርኪኽካ ነቲ ኽብሪ ኣምላኽ ዝንጸባርቐሉ ሓቀይና ሰብኣውነት ከም ዝረኸብና ምምስካር ማለት እዩ። ኣብ ኢየሱስ እቲ ናይ ሓቂ ህይወት ይርአ እቲ ንርእሱ ዘይህሉ ግናኸ ክፉትን ሕብረት ዘለዎን "ከምቲ ኣብ ሰማይ ከምኡ ኣብ ምድሪ ዘሎ" ክንብል ዚምህረና ህያው ሰብ እዩ ዚርአ (ማቴ 6 10)። እወ መለኮታዊ ህይወት ኣብ ጥቓና እዩ ዘሎ፣ ኣብቲ ናይ ፍርሂ ማእሰር ዚፈትሕን ሰላም ንኽንረክብ ዜኽእለናን ንጡፍ ናጽነቱ ምእንቲ ኽንኣቱ እዩ ዚግለጽ። እዚ ተኽእሎን ዕድመን እዩ፣ ምኽንያቱ ሕብረት ደረት ኪግበረሉ ኣይክእልን እዩ። ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ንደሊ?

ከም ሰብኣ ሰገል ንኢየሱስ እነቕርበሉ ህያባት

ኣብ ጸብጻብ ወንጌል፡ ከምኡ’ውን ኣብ ትርኢታት ልደት፡ እቶም ሰብኣ ሰገል ንህጻን ኢየሱስ ሓያሎ ክቡራት ህያባት የቕርቡሉ፡ ወርቂ፡ ዕጣንን ከርበን (ማቴ. 2፡11)። ንህጻን ዝጠቕሙ ዘይመስሉ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፡ እንተኾነ ግን ኣብ መወዳእታ ዓመት ኢዮቤል ኣብ መወዳእታ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ኣብ ዝበጻሕናሉ እዋን ግን ብዙሕ ክንሓስበሉ ዝድርኸና ድሌት ይገልጹ። እቲ ዝዓበየ ህያብ ኩሉ ምሃብ እዩ። ነታ ብኢየሱስ ዝተጠመተት ድኻ መበለት፡ እተን ዝርካባ ኽልተ ለብጦን፡ ኩሉ ዝነበራ ኣብ መእከቢ መባእ ቤተ መቕደስ ዘውደቐት ንዘክር ( ሉቃ 21፡1-4)። ብዛዕባ ንብረት እቶም ካብ ምብራቕ ዝመጹ ሰብኣ ሰገል ዝኾነ ነገር ኣይንፈልጥን ኢና፣ እንተኾነ ግን ምኻዶምን ሓደጋ ምብዳሆምን ህያባቶምን ባዕሉ ኩሉ፣ ብሓቂ ኩሉ ንሕና ዘለናዮን ዝወነንናዮን ነቲ ዘይግመት ሃብትና ዝኾነ ኢየሱስ ምቕራብ ከምዘድልዮ ይሕብር። ኢዮቤል ብወገኑ፡ ነቲ ኣብ ነጻነት ዝተመስረተ ፍትሒ፡ ነቲ መበቆላዊ ትእዛዛት ኢዮቤል፡ ንውህደት ሰላማዊ መነባብሮ፡ ዳግማይ ምምቕራሕ መሬትን ጸጋታቱን፡ ከምኡ’ውን ምምላስ “ሓደ ሰብ ዘለዎን እንታይ ምዃኑን” ናብቲ ካብ ናትና ዝዓቢ መደብ ኣምላኽ ምምላስን ኣዘኻኺሩና ኣሎ።

ኢየሱስ ሓድሽ ታሪኽ ይፈጥር

ክቡራት ኣዕሩኽ፡ ኢየሱስ ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ሓድሽ ታሪኽ ክፈጥር ኢሉ ካብ ሰማይ ዝወረደ ስለ ዝኾነ፡ እቲ እንእውጆ ተስፋ ኣብ ክውንነት ዝተሰረተ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ህያባት ሰብኣ ሰገል እምበኣር ነፍሲ ወከፍና እንታይ ክንካፈል ከም እንኽእል፡ ድሕሪ ደጊም ንርእስና ክንዕቅቦ ዘይንኽእል እንታይ ደኣ ንኻልኦት ክንህቦም ከም ዘለና ንርኢ፡ ምእንቲ ህላወ ኢየሱስ ኣብ ማእከልና ክዓቢ። መንግስቱ ይዓቢ፡ ቃላቱ ኣባና ይፍጸም፡ ጓኖትን ጸላእትን ኣሕዋትን ኣሓትን ይኹኑ። ኣብ ክንዲ ዘይምዕሩይነት ፍትሓውነት ይሃሉ፣ ናይ ኲናት ኢንዱስትሪ ብናይ ሰላም መጋበርያ ይትካእ። ከም ኣለምቲ ተስፋ ብኻልእ መንገዲ ናብ መጻኢ ብሓባር ንጉዓዝ (ማቴ 2፡12) እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዛዚሞም መሪሖም ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ከም ዝደገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 Jan 2026, 23:02