ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፡ ሓጎስ ልደት ንጉዕዞና የቐጽሎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ካልኣይ ሰንበት ዘልደት ዕለት 4 ጥሪ 2026 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን መሪሖም ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምድጋሞም፡ ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ወንጌል ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፣ ምእመናን ናብ ሕጻን ኢየሱስ ክቐርቡ ዓዲሞም፣ ዝኾነ ሓቀይና ኣምልኾ ንኣምላኽ ሓልዮት ንደቂ ሰባት ዝጠልብ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ካልኣይ ሰንበት በዓል ልደት ፍርቂ መዓልቲ ዕለት 4 ጥሪ 2026 ዓ.ም.  ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋዲያን ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር "ሓጎስ ልደት ጉዕዞና ክንቅጽል የተባብዓና - ቢሎም - ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተኣከቡ ምመናን ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ምንዮቶም ብምሕዳስ፡ ዕለት 6 ጥሪ ኣብ ዝቐርብ ክብረ በዓል ኣስተርእዮ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘሎ ቅዱስ ኣፍደገ ብምዕጻው ክዛዘም ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ስምዒት ምስጢር ልደት ባዕሉ "መሰረት ተስፋና ስጋዌ ኣምላኽ ምዃኑ የዘኻኽረና" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣

እቲ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ዝተወስደ ናይ ዕለቱ ምንባብ፡ “ቓል ስጋ ኰነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ” (ዮሃ 1፡14) ዝብል ቃል ብምዝካር፡ "ክርስትያናዊ ተስፋ ኣብ ትስፍው ትንበያ ወይ ሰብኣዊ ስሌት ዝተመርኮዘ ዘይኮነስ፡ ኣብ ህይወትና ክንጓዓዝ ከለና ፈጺምና በይንና ከይንኸውን፡ ኣብ ጉዕዞና ንምክፋል እግዚኣብሔር ዝወሰዶ ውሳነ እዩ" እንክብሉ ብኣጽንዖት ከም ዘዘኻኸሩ ኣፍሊጡ።

ተስፋና ኣብቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ዚገብሮ ዕዮ ዳግማይ ይዅላዕ

እዚ ናይ እግዚኣብሔር ስራሕ ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገሊጾም። "ብኢየሱስ" እግዚኣብሄር "ሓደ ካባና ኮይኑ፣ ምሳና ክሓድር መረጸ፣ ንዘልኣለም ድማ ኣምላኽ - ምሳና ክኸውን ፍቓደይና ኮነ። ተስፋና ብድኹም ስጋ ሰብ ብዝመጸ ኢየሱስ "ከም ብሓድሽ ይበርህ።” ኣብ ርእሲ እዚውን ንኣምላኽን ንሰባትን ዘቕንዐ "ክልተ ተወፋይነት" ድማ የቕርበልና።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ቓል ዝህልወና ተወፋይነት ኣምላኽ ስጋ ስለ ዝዀነ ንሰብኣዊ ድኽመትና ከም መዕረፊኡ ገይሩ ስለ ዝመረጾ "ካብ ረቂቕ ሰረተ - እምነት ዘይኰነስ ካብ ስጋ ኢየሱስ ጀሚርና ብዛዕባኡ ዘሎና ኣተሓሳስባ ዳግመ ግምት ክንገብር ንጽዋዕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

መንፈሳውነትናን መግለጺ እምነትናን ምምርማር

"ስለዚ መንፈሳውነትናን እምነትና እንገልጸሉ መገድታትን ብሓቂ ስጋ ኸም ዝለበሰ ንምርግጋጽ ወትሩ ኽንምርምር ኣሎና" እንክብሉ ተማሕጺኖም፡ እዚ ኸኣ ነቲ "ብኢየሱስ ዚረኽበና" ኣምላኽ ብግቡእ ከነስተንትነሉን ክንእውጅን ምጽላይን ከም ዚሓትት ኣብርሂሆም፡ "ንሱ ኣብ ልዕሌና ኣብ ፍጹም ሰማይ ዘሎ ርሑቕ ኣምላኽ ኣይኰነን የግዳስ ኣብ ጥቓና ዘሎን ኣብታ ተነቃፊ መሬትና ዚነብርን ኣብ ገጽ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዚርከብን ኣብ ኵነታት መዓልታዊ ህይወትናን ከኣ ገዛእ ርእሱ ዚገልጽን ኣምላኽ እዩ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓቀይና ኣምልኾ ንኣምላኽ ንደቂ ሰባት ሓልዮት ይጠልብ

ንኹሎም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘለና ተወፋይነት እውን ቅኑዕ ክኸውን ኣለዎ። "እግዚኣብሄር ሓደ ካባና ኮነ - በዚ መሰረት ነፍሲ ወከፍ ፍጡር ወዲ ሰብ ነጸብራቕ ናቱ ይኸውን፡ ምስሉን ጩራ ብርሃኑን ዝሓዘን እንክብሉ ኣዘኻኺሮም። እዚ ዘይግሃስ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣለሊና ኣብ ነንሕድሕድና ኣብ ሓድሕዳዊ ፍቕሪ ክንቀራረብ ይጽውዓና" እዚ ድማ "ንሕውነትን ሕብረትን ንምድንፋዕ ጭቡጥ ተወፋይነት ዝሓትት እዩ - በዚ ድማ ምትሕግጋዝን ምትሕልላይን "መዐቀኒ ኩሉ ሰብኣዊ ዝምድናታት" ክኸውን ዘኽእል እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ንመገድና ዝመርህ ሓጎስ ልደት

"እግዚኣብሔር ስጋ ኮይኑ እዩ፤{ ስለዚ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፡ "ብዘይ ሓልዮት ንደቅሰባት ሓቀይና ኣምልኾ ንኣምላኽ ክህሉ ብፍጹም ዘይከኣል እዩ" እንክብሉ ኣጠንቂቖም፡ ኣብ መደምደምታ፡ "ሓጎስ ልደት ኣብ ጉዕዞና ክንቅጽል የተባብዓና ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንኣምላኽን ንብጻይናን ከነገልግል ዝያዳ ድሉዋት ክንከውን ትደግፈና” እክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

04 Jan 2026, 13:47