ድለ

2026.01.18 Angelus

ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡራት ኢና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ንክርስትያን ምእመናን ንቑሓት ክዀኑን፣ ኣብቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ኬተኵሩን፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ክቡራት ምዃንና ፈጺሞም ከይዝንግዑን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ምእመናን ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ነቲ ዮሓንስ መጥምቕ ንኢየሱስ “እንሆ ገንሸል” ኣምላኽ እንክብል  መሲሕ ምዃኑ ኣፍልጦ ዝሃበሉ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ብምጥቃስ ኣስተምሃሩ። ዮሓንስ መጥምቕ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም መድሓኒ ገይሩ ኣፍልጦ ብምሃብ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ንመለኮታውነን ተልእኾን ኢየሱስ ንህዝቢ እስራኤል ኣወጀ። ዮሓንስ ተልእኾኡ ምስ ፈጸመ ድማ "ቅድመይ ዝነበረ ኢዩ እሞ፣ እቲ ብድሕረይ ዚመጽእ ንሱ ካባይ ይዓቢ"  ክብል መስከረሉ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን ክፍለ ግዜ ንመድብ፣ ምስቲ ዘፍቅረና ጐይታ ምእንቲ ኽንራኸብ ድማ ምሳኡ ግዜ ንውስደ፣ ክብሉ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ሰንበት ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ጸሎት መልአከ መልኣከ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም።

ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ እቶም ህዝቢ ኣጸቢቖም ዝፈትውዎ ሰብ ከም ዝነበረ መጠን፣ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሰበ-ስልጣን እውን ከይተረፈ ኸም ዚፈርሁን፣ ነዚ ዝና እዚ ንምምዝማዝ ኣዝዩ ቐሊል ከም ዘይከውን ይሓስቡ። ኣብ ክንዳኡስ እቲ ኣሳልጦን ህቡብነትን ዜምጽኦ ፈተናታት ኣይተሰናኸለን፣ ኣብ ክንዳኡስ ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ገለ ኣፍልጦ ክህብ ተረኽበ፣ ነዚ ድማ ኒየሱስ ዓቢይ ቦታ ኣብ ቕድሚኡ ብምሃብ ኢዩ ዝገብሮ።

"ዮሓንስ መገዲ ጐይታ ኼዳሉ ኸም እተላእከ ይፈልጥ ነበረ እሞ፣ ጐይታ ምስ መጸ ብሓጐስን ትሕትናን ንህላወ ኣምላኽ ኣፍልጦ ብሃበ፣ ካብ ቆላሕታ እቲ ሕዝቢ ከልግስ መረጸ” ክብሉ ቅዱስ ኣቦና ኣስተንተኑ።

ኣገዳሲ ምስክርነት

"ምስክርነት ዮሓንስ ሎሚ ንዓና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!” ብምባል ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣትሪሮም ተዛረቡ።

ቅዱስነቶም ኣስዕብ ኣቢሎም ሰባት ክሳብ ክንደይ ኢና ኣብ ከም ስምረትን ስምምዕን  ከምኡውን ምርኡውይ ኣብ ምዃኑ ዝኣመሰሉ ነገራት ሕጉሳት ክዀኑ ዝርከቡ ክብሉ ብምሕታት፣ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ስቓይን ምክፍፋልን የጋጥሞም ኢዩ፣ እዚ ድማ "ተነቃፊ ተስፋ ዕንቅፋት ዝኸውን ኣነባብራን ርክባትን ከም ዘምጽእ" ክንግንዘብ ኣሎና በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ "ከም ሓቁ እዃ ደኣስ እዞም  ከምዚ ዝኣመሰሉ ‘መተካእታ ሓጎስ’ ዝኹኑ ነገራት ኣየድልዪን እዮም" ብምባል ኣስተንተኑ። "ሓጐስናን ዕቤትናን ኣብ ሓላፊ ኣሳልጦ ወይ ዝና ኣብ ምሕሳብ እተመስረተ ኣይኰነን፣ የግዳስ በቲ ሰማያዊ ኣቦና ኸም እተፍቀርናን ከም ዝደልያን ኣብ ምፍላጥ እተመስረተ እዩ" በሉ።

እታ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመስከራ ፍቕሪ፣ እታ 'ሎሚ እውን ኣምላክ ምሳና ከም ዘሎ' ማለት 'ብተኣምራት ኬደንቐና' ዘይኰነስ 'ኣብ ቓልስና ምእንቲ ኺካፈልን ጾርና ኣብ ርእሱ ምእንቲ ኺስከምን' ምዃና እውን ገለጹ።

ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ዘሎና ክብሪ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ብምግባሩ ብዛዕባ መንነትናን ኣብ ቅድሚኡ ኽሳዕ ክንደይ ክቡራት ምዃንናን ንሓቂ ይገልጸልና እዩ ክብሉ ውን መስከሩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መደምደምታ ኣስተንትኖኦም ቅድሚ ምብጽሖም ክርስቲያን ምእመናን ካብቲ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ህላወ ጐይታ ኣቓልቦኦም ከየስግል፣ ከምኡውን "ግዜናን ጕልበትናን ኣብ ደጋዊ ትርኢት ጥራይ ከይነባኽን" ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ከምዚ ድማ በሉ፦ "ኣብ ክንዳኡስ ንቑሓት ምዃንን፣ ብንቕሓትን ትሕትናንን ከነፍቕር፣ ኣብ ቃላትና ቕኑዓት ክንከውን ብጥንቃቐ ኽንነብር ከምኡውን ዓሚቝ ኣእምሮን ልብን ከነማዕብል ካብ ዮሓንስ መጥምቕ ንመሃር" ክብሉ ተላበዉ።

ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ፣ "በቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ዕጉባት ንኹን፣ ብዝተኻእለ መጠን ድማ ገለ ግዜ ብምፍላይ፣ ብጽሞና ኣብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ኣብ ምባልን ንጸመድ – ብኻልእ ኣዘራርባ "ናብ ምድረ በዳ ንውጻእ" ምስ ጐይታ ክንራኸብን ምስኡ ንኽንጸንሕን ግዜ ንመድብ።"

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መደምደምታ ነታ ኣብነት ትሕትናን ጥበብን ዝዀነት ድንግል ማርያም ብምስዓብ፣ ኣብዚ መንፈስዊ ተጸምዶ እዚ ኽትሕግዘና ብምምሕጻን ኣስተንትኖኦም ዛዘሙ።

19 Jan 2026, 11:41