ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኢራንን ሶርያን ትዕግስቲ ዝመልኦ ዘተን ክካየድ ይጽውዑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኢራንን ሶርያን ትዕግስቲ ዝመልኦ ዘተን ክካየድ ይጽውዑ 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ኢራንን ሶርያን ትዕግስቲ ዝመልኦ ዘተን ክካየድ ይጽውዑ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 11 ጥሪ ፍርቂ ሰንበት በዓለ ጥምቀት ዘእግዚኣነ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋዲያን መሪሖም ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕቆ ቃል ሰላምታ፡ ኣብታ ተቓውሞታት እተአንግድ ዘላ ሃገረ ኢራንን ኣብ ሶርያ ሰራዊት መንግስት ምስ ሓይልታት ኩርዳውያን ውግእ ኣብ ዘካይዱላ ዘላ ክተማ ኣለፖ ሰላም ክወርድ ተማሕጺኖም ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ንጹሃን ዩክራይናውያን ዘውረደቶ መጥቃዕቲ ከም ዝኾነኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዕለት 11 ጥሪ ድሕሪ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከባ ኢራንን ሶርያን ኣማእኪሎም፡ "ቀጻሊ ወጥሪ ሞት ብዙሓት ሰባት የስዕብ ኣሎ - ቢሎም - ሰላምን ዘተን ክግበር ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ካብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚራ፡ ኢራን ኣንጻር እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ስርዓት ሓድሽ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ዝካየደላ ኮይና፡ እዚ ናይ ተቓውሞ ኣድማ ናብ ብዙሓት ዞብታት እታ ሃገር ዝተዘርገሐ ኮይኑ፡ ብሓይልታት ጸጥታ ይብተንን ይዕፈንን ከም ዘሎን፡ ኣብ ሶርያ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ኣለፖ ኣብ መንጎ ሰራዊትን ሓይልታት ኩርዳውያንን ሰፊሕ ውግእ ከም እተኻየደ ክሕበር እንከሎ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ እዘን ክልተ ሃገራት ኣማእኪሎም ድማ “ናይ መላእ ሕብረተሰብ ሓባራዊ ረብሓ ንምድላይ ዘተን ሰላምን ብትዕግስቲ ክለምዕ፡” ተስፋ ከም ዘለዎምን ከም ዝጽልዩን ኣረጋጊጾም፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ደብዳብ ሩስያ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ዩክሬን ዘጋጠሞ ጸገም ብምዝካር፡ እዚ መጥቃዕትታት "ብፍላይ ከቢድ ኮይኑ፡ ብቐንዱ ንመሰረተ ልምዓት ጸዓት ዒላማ ዝገበረ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ቁሪ እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ንሰላማዊ ህዝቢ ኣዝዩ ከቢድ መጥቓዕቲ እዩ” እንክብሉ ጓሂኦም ገሊጾም፡  “ስለቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ እጽሊ፡ ዓመጽ ደው ክብልን ሰላም ንምርግጋጽ ዝያዳ ጻዕሪ ክግበርን ጻውዒተይ አሐድስ” እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 Jan 2026, 17:00