2026.01.09 ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላትን እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ “ቅንኣት ንውግእን” ዘለዎም ስግኣት ይገልጹ 2026.01.09 ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላትን እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ “ቅንኣት ንውግእን” ዘለዎም ስግኣት ይገልጹ  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላትን እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ “ቅንኣት ንውግእን” ዘለዎም ስግኣት ይገልጹ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቅድስት መንበር ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት፡ ሰናይ ምንዮን ንምልውዋጥ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ንስነመጎት ስልጣንን ኲናትን ቦታ ስለ ዝህብ ሰብኣዊ መሰላትን ናጽነትን ኣብ ጸቕጢ ይርከብ ኣሎ እንክብሉ ከም ዘጠንቀቑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኲናት ከም ሓድሽ ዘመን ኣምጸኦ ኣገባብ ናብ ምዃን ተመሊሱ ከም ዘሎን ሰላም ብፍትሒ ዘይኮነስ ብሓይሊ ይድለ ምህላዉ፡ ኣብ ቅድስቲ መንበር ተፈላጥነት ዘለዎም ናይ ዝተፈላለሃ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ናይ ሓድሽ ዓመት ሰናይ ምንዮን ንምልውዋጥ ዕለት 9 ጥሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣስተብሂሎም፡ ትሕትናን ዘተን ዳግማይ ተወፋይነት ንብዝሓ ጎናውነት ምትእስሳርን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ ዘተ ዘይተመስረተ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ንስነመጎት ስልጣን ቦታ ስለዝህብ፣ መሰረታት ኣህጉራዊ ሓባራዊ ህይወት ብቐጻሊ እናተዳኸመ ይኸይድ ኣሎ እንክብሉ ኣጠንቂቖም፡ "ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተቐመጠ መትከል፡ ኣህዛብ ዶባት ካልኦት ንምጥሓስ ሓይሊ ከይጥቀሙ ዝኽልክል ዝነበረ መትከል፡ ምሉእ ብምሉእ ተዳኺሙ እዩ። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ንባዕሉ ንልዕልና ሕጊ ብኸቢድ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ” ምዃኑ ብኣጽንዖት ከም ዘጠንቀቑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቫቲካን ወሰንቲ ህሞታት

ኣዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓድሽ ዓመት ር.ሊ.ጳ. ምስቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ተፈላጥነት ዘለዎም ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ዝክየድ ርክብ፡ ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ቅድስቲ መንበር ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ህሞታት ተባሂሉ ዝግለጽ ኮይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ "ኩነታት ዓለም ዝድህስስ" ኣብ መጀመርታ ሓድሽ ዓመት ንልኡካነ መንግስታት ሃገራት ዘስምዕዎ መደረ፡ ጻውዒት ሓላፍነትን ርእሰ ምግታእን ምሕዳስን ዘቕርብ ንኣህጉራዊ ህይወት ብግብረ ገባዊ መትክል ዘንብብ - ንረብሓታት ዘይኮነስ ንሕልና ዝጽውዕ - ኮይኑ፡ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ፡ ኣብ ትዕግስቲ ዝጸንዐ ንዝተቓልዑ ሰባት ምክልኻል፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሓቂ ሱር ዝሰደደ ንሰላም ተወፋይነት ማለት ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ዶባት፡ ሕጊ፡ ከምኡ’ውን ምምላስ “ሰላም ብኣጽዋር!”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝተመስረተ መትከል ምድኻሙ፣ ኣህዛብ ዶባት ካልኦት ንምጥሓስ ሓይሊ ከይጥቀሙ ዝእዝዝ ቃል ዝኣተዉሉ መትከል ምድኻሙ ኣመልኪቶም።

"እቲ መትከል . . . ምሉእ ብምሉእ ተዳኺሙ'ዩ" ሰላም "ብኣጽዋር ከም ቅድመ ኩነት ናይ ገዛእ ርእስኻ ልዕልና ንምርግጋጽ" እናተደለየ ይመጽእ ከምዘሎ ኣጠንቂቖም፡ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ "ነቲ መሰረት ኩሉ ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወት ዝኾነ ልዕልና ሕጊ ብኸቢድ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ።" ቅዱስነቶም ነዚ ኣተሓሳስባ እዚ ድማ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ብፍላይ ድማ ናብታ ብዛዕባ ትዕቢትን ስልጣንን ምትላልን ውሕስነት ዘስተንትነላ De Civitate Dei - ከተማ ኣምላኽ ብዝብል ኣርእስቲ ዝጸሓፋ መጽሓፉ ይውከሱ።

እቶም ኲናት ዘካይዱ እውን እንተኾነ ኣብ መወዳእታ ሰላም ከም ዝምነዩ - ገና ሰላም ከም ናይ ሓባር ሰናይ ዘይኮነስ ሰላም ከም ዋንነት ከም ዝደልዩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኪሮም። ንቕዱስ ኣጎስጢኖስ ብምጥቃስ "ስለዚ ሰላም ክህልዎም ኣይደልዩን እዮም፡ እንታይ ደኣ እቲ ዝምነይዎ ናይ ገዛእ ርእሶም ውልቃዊ ረብሓ መሰረት ዝገበረ ሰላም ጥራይ እዮም ዝደልዩ" እንክብሉ ብምግላጽ፡ ልክዕ እዚ ዝተዛበዐ ኣተሓሳስባ እዚ እዩ፡ ኣብ መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን ንደቂ ሰባት ናብ ሓደጋ ዘእተወ እንክብሉ ሊቃነ ጳጳሳት ኣመልኪቶም። ካብቲ መዓት፡ ቅድሚ ሰማንያ ዓመት ብዝሓ - ጎናውነት ምትሕግጋዝ ማእከል ገይሩ "ንምሕላው ሰላም፡ ምክልኻል መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ምድንፋዕ ዘላቒ ልምዓትን" ዝተመስረተ ሕቡራት ሃገራት ከም እተወልደ የዘኻኽሩ።

ሰብኣዊ ሕጊ “ኩሉ ግዜ ክስዕር ኣለዎ”

ካብ መትከላት ሕጊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ጭቡጥ ወጻኢታት ኲናት ተሰጋጊሮም - ናብ "ኣገዳስነት ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ ብፍላይ ኣቓልቦ ገይሮም፡ ምኽባር ሰብኣዊ ሕጊ ኣብ “ተራ ኩነታትን ወተሃደራዊ ወይ ስነ ሜላዊ ረብሓታትን” ክምርኮዝ ኣይክእልን እዩ። የግዳስ፡ ሰብኣዊ ሕጊ “መንግስታት ዝኣተውኦ ቃል ኪዳን እዩ” እንክብሉ፡ “ኩሉ ግዜ ኣብ ልዕሊ ህርፋን ተዋጋእቲ ክስዕር ኣለዎ” . . . ኣብ ልዕሊ “ኣባይቲ ሕክምና፣ መሰረተ ልምዓት ጸዓት፣ ንመዓልታዊ ህይወት ኣገደስቲ ዝኾኑ ኣባይትን ቦታታትን” ዝፍጸም መጥቃዕቲ ከቢድ ጥሕሰት ምዃኑ ኣስሚሮም፣ ቅድስቲ መንበር “ዝኾነ ዓይነት ወተሃደራዊ ስርሒታት ሰላማውያን ሰባትን ዘጥቅዕ ተግባር” ከም ትዅንን ደጊሞም ብምርግጋጽ። እቲ ግብረ ገባዊ መዐቀኒ፡ ሓለፋ ዘይኰነስ ክብሪ ምዃኑ ኣጽኒዖም: “ምሕላው መትከል ዘይግሃስ ክብሪ ሰብን ክቡር ክብሪ ህይወትን ወትሩ ካብ ዝኾነ ተራ ሃገራዊ ረብሓ ንላዕሊ ይቑጸር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ጻውዒት ሰላም  

ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ግብረ ገባዊ ቅርጺ መሰረት ገይሮም፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝረኣዩ ፍሉያት ቅልውላዋት ብምምልካት፡ ብዛዕባ እቲ “ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ስቓይ ሰላማውያን ሰባትን ዘኪሮም፣ “ህጹጽ ተኹሲ ደው ምባል ብህጹጽ ከምዘድሊ” ደጊሞም ጻውዒት ብምቕራብ፡ “ናብ ሰላም ዝመርሕ መገድታት ብቕንዕና ብምድላይ ዝተደፋፍአ” ዘተ ክካየድ ጽማ ከም እተላበዉ ዝሓብረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅድስቲ መንበር “ሰላምን ስኒትን ዘስፍሕ ዝኾነ ይኹን ተበግሶ ንምድጋፍ” ድልውነታ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ኣብ ቅድስቲ መሬት፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ስምምዕ ደው ምባል ተዂሲ እኳ እንተተገብረ፡ ሰላማውያን ሰባት “ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው” ይጻወሩ ከምዘለዉ ኣስተብሂሎም፡ ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ ፍልስጤማውያን “መጻኢ ነባሪ ሰላምን ፍትሕን” ንምርግጋጽ ዝዓለመ ተበግሶታት ኣቓልቦ ከምዘድሊ ኣረጋጊጊጾም፣ እቲ ናይ ክልተ ሃገራት ፍታሕ ባህጊ ፍልስጤማውያንን እስራኤላውያንን ንምምላእ ቅዋማዊ ኣረኣእያ ኮይኑ ከምዝቕጽል ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ኣብ ልዕሊ እቶም “ኣብ መሬቶም ብሰላም ናይ ምንባር መሰል” ዘለዎም ፍልስጤማውያን ሰላማውያን ሰባትን ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽ ምውሳኹ ዘሕድረሎም ጓሂ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“ኣብ ባሕሪ ካሪብያንን ኣብ ገማግም ባሕሪ ፓስፊክ ኣመሪካን ዘሎ ወጥሪ እናወሰኸ ብምምጽኡ” ስክፍታኦም ገሊጾም፣ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክርከብ ዘቕረብዎ ጻውዒት ብምሕዳስ፡ ብተወሳኺ ነቲ ኣብ ቬንዙዌላ ዘጋጠመ ቅልውላው “ብመንጽር ናይ ቀረባ እዋን ምዕባለታት” ብምምልካት፣ ድሌት ህዝብ ክኽበርን ሰብኣውን በርገሳውን መሰላት ክሕሎን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ቅድስና ዝተኣወጀሎም ቬንዙዌላውያን ቅዱሳን - ኾሰ ግረጎሪዮ ሄርናንደዝን እናቴ ካርመን ረንዲለስን - ኣብ “ፍትሒ፡ ሓቂ፡ ናጽነትን ሕውነትን” ዝተመስረተ ሕብረተሰብ ንምህናጽ ኣስተንፍሶ ምዃኖም ድማ ብምምልካት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃይቲ ዝካየድ ዘሎ ዓመጽን ዘይምርግጋእን እውን እናሓሰቡ፡ ጭቡጥ ኣህጉራዊ ደገፍ ክግበር ሓቲቶም። ብተመሳሳሊ ናብ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ኣፍሪካ ብምቕናዕ፤ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን፤ ኣብ ምብራቕ እስያ ዝረአ ዘሎ ወጥሪ፤ ከምኡ’ውን ብሰንኪ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ዘጋጠመ ርእደ መሬት ዝገደደ ሰብኣዊ ቅልውላው ሚያንማርን፡ እናሓሰቡ “ሰላምን ንኹሉ ዝሓቁፍን ዘተ” ክህሉን ከምኡ’ውን ሰብኣዊ ሓገዝ ክህሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኒዩክልየሳዊ ሓደጋን ስነ - ምግባራዊ ምሕደራ ንሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ

ኣብ ሱር ናይ ብዙሓት እዚ ቅልውላዋት፡ ሰላም ብሓልይ ጥራይ እዩ ዝከኣል ዝብል ቀጻሊ እምነት ኮይኑ ዘሎ ኣመላኽኽታ ምዃኑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ገሊጾም፡ ይኹን እምበር ሰላም ቀጻሊ ህንጸትን ንቕሓትን ዝጠልብ ምዃኑ ኣጠንቂቖም - ብፍላይ ኣብቶም ዝለዓለ ሓይሊ ዘለዎም - ቢሎም - ኣገዳስነት ህጹጽነት ምቁጽጻር ኑክልየሳዊ ኣጽዋር እናሓሰቡ፡ ሓድሽ ስነ ሜላዊ ውዕል ምንካይ ኣጽዋር፡ ብኣመሪካን ፈደረሽን ሩስያን ዕለት 8 ሚያዝያ 2010 ኣብ ፕራግ ዝተኸተመ ውዕል ምጉዳል ኒዩክልየሳዊ ኣጽዋር  ኣብ ወርሒ ለካቲት ከብቅዕ ምዃኑ ዘኪሮም፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝቖጻጸሮ ኣጽዋር ሓዊሱ እናተራቐ ዝኸይድ ዘሎ ኣጽዋር እውን ብምጥቃስ ናብ ቅድድም ኣጽዋር ከይእቶ ኣጠንቂቖም፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ምስ ናጽነትን ሰብኣዊ ሓላፍነትን ዝሕሉ ናይ መቆጻጸር ቅርጻታት ተደሚሩ "ግቡእን ስነ - ምግባራውን ምሕደራ ይሓትት" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስደተይናይናታት፡ እሱራትን ናይ ኢዮቤል ቅርጻዊ መንፈስን

ር.ሊ.ጳ. ክኽበርን ክሕሎን ዘተሓሳሰብዎ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ነቶም መብዛሕቲኡ ግዜ ከም ሰብ ዘይኮነስ ከም ጸገም ዝረኣዩ ክፍሊ ሕብረተሰብ እናሓሰቡ፡ "ኩሉ ስደተይና ሰብኣዊ ፍጡር እዩ፡ ኣብ ኩሉ ኩነታት ክኽበር ዘለዎ ዘይምንዛዕ መሰላት" ኣለዎም። ኩሉ ስደት ኣይምረጽን እዩ። ብዙሓት “ካብ ዓመጽን ኣሳዶን ኣድልዎን ግጭትን ዋላ እውን ካብ ሳዕቤናት ለውጢ ከባቢ ኣየርን” ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ዝስደዱ ምዃኖም ብምምልካት፡ መበል ሰብዓን ሓሙሽተን ዓመት ዝኽሪ ዓለም ለኸ ውድብ ስደተይናታት (IOM) ኣብ ዘኽበረሉ እዋን፡ ኣንጻር ገበንን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባትን ዝግበር ጻዕርታት “ክብሪ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ንምድኻም” ምስምስ ክኸውን ከምዘይብሉ ኣጠንቂቖም።

ብዛዕባ እሱራት እውን እንክዛረቡ፣ “ናብቲ ዝፈጸምዎ ገበን ፈጺሞም ክወርዱ ኣይክእሉን እዮም፡ መግለጺኦም ገበን ክኸውን የብሉን ቢሎም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ዘቕረብዎ ናይ ምሕረት ጻውዒት ጭቡጥ ምላሽ ንዝሃቡ መንግስታት ኣመስጊኖም፣ መንፈስ ኢዮቤል ንናይ ፍትሒ ስርዓታት “ብቐዋምን መዋቕርን” ከነቓቕሕ፣ ሰብኣዊ ኩነታትን ተመጣጣኒ መቕጻዕትን ከረጋግጽ ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም። ልዕሊ ኩሉ እዚ ድማ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ንኹሉ ተስፋ ይቕሬታን ምሕዳስን ዘጥፍእ” ስጉምቲ ዝበልዎ ናይ ሞት ፍርዲ ምድምሳስ ዘጠቓልል ምዃኑ ኣስሚሮም፡ “ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብፖለቲካዊ ምኽንያት ዝተኣስሩ ሰባት” እውን ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅልውላው ቋንቋን ምንካይ ናጽነትን

ካልእ ፍረ ነገር ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘቕረብዎ መደረ ብዛዕባ ቛንቋ ዝምልከት ኮይኑ፡ ቋንቋ መስድዕን ንምቁጽጻርን መጋበርያ ይኸውን ኣሎ እንክብሉ ኣጠንቂቖም፡ "ትርጉም ቃላት እንደገና ምርካብ ምናልባት ሓደ ካብቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ቐንዲ ብድሆታት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከመይሲ ቃላት ምስ ክውንነት ዘለዎም ምትእስሳር ምስ ዘጥፍእ ክውንነት ንባዕሉ "ዘካትዕን ኣብ መወዳእታኡ ድማ መልእኽቲ ከመሓላልፍ ዘይክእል እዩ ዝኸውን . . . ቅዱስ ኣጉስጢኖስ ብዘይ ሓባራዊ ቛንቋ ብሓባር ኪነብሩ እተገደዱ ኽልተ ሰባት "ዓባስ እንስሳታት . . . ካብዞም ክልተ ውልቀ - ሰባት ንላዕሊ ንሓድሕዶም ብቐሊሉ ይረዳድኡ" ከም ዝበሎ፡ እወ "ሰብ ምስ ካብ ጓና ንላዕሊ ምስ ከልቡ ክዛረብ ይቐሎ።" ይኹን እምበር እቲ ሎሚ ዘሎ ናይ ቋንቋ ትርጉም ብሃንደበት ዝመጸ ጥራይ ከም ዘይኰነ ኣጠንቀቖም። "ቋንቋ ንተጻረርቲ ንምትላል ወይ ንምውቃዕን ንምጕዳእን ምጥቃም ካብ ግዜ ናብ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ" እንክብሉ፡ ኣብ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ፖለቲካ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከምኡውን ኣብ ኣህጉራዊ ርክባት ሓቀይና ዘተ ምእንቲ ክቕጽል፡ ቋንቋ "ፍሉይን ንጹርን ክውንነት ብዘየማትእ መገዲ ንምግላጽ" ዘገልግል ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እዚ ናይ ቋንቋ ድኽመት መብዛሕትኡ ግዜ "ብስም ናይ ምግላጽ ናጽነት" ምስምስ እዩ ዝቐርብ። እንተዀነ "ተጠንቂቕና ምስ እንምርምሮ ግን ከምኡ ኣይኮነን ዝኸውን" ምኽንያቱ ናጽነት ብልክዕ ቋንቋ ኣብ ሓቂ ምስ ዝምስረት ኢዩ ዝዕቀብ። "ብፍላይ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ሓቂ ናይ ምግላጽ ናጽነት ዘለዎ ቦታ ብቕልጡፍ እናነከየ ይኸይድ ምህላዉ ምርኣይ ኣዝዩ ዘሕዝን ኢዩ" እንክብሉ ድማ ከም ዘጠንቀቑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናጽነት ሕልናን ሃይማኖታዊ ናጽነትን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ቋንቋ ናብቲ ኣብ እዋናዊ ሕብረተሰባት ንከቢድ ሓደጋ ዝቃላዕ ዘሎ መሰላት ማለት ብዛዕባ ናይ ሕልናን ሃይማኖትን ናጽነት ብምቕናዕ፡ “ብሕልና ምእጋድ፡ ዓመጽ ዘይኰነስ፡ ንርእስኻ እሙን ምዃን ዘርኢ ተግባር እዩ . . . ሕልናዊ ተቓውሞ ንክብሪ መከላኸሊ ኸም ዝዀነ ብምሕባር፡ ናጻ ሕብረተሰብ “ናይ ብዙሕነት ሕልና ዝሕሉ እምበር ሓደ ዓይነትነት ኣረኣእያ ኣይጽዕንን” ዝብል ሓቂ ዘንጸባርቕ እዩ፣ ምልካዊ ዝንባለታት ይኽልክልን ስነ - ምግባራዊ ዘተ የዕብን። ናይ ሃይማኖት ናጽነት እውን ኣብ ሓደጋ ከምዝርከብ ቅዱስነቶም ብምምልካት፡ በነዲክቶስ መበል 16 ብምጥቃስ፡ ናይ ሃይማኖት ናጽነት ናይ ኩሉ ዓይነት ናጽነት መሰረት ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ኣብ መላእ ዓለም ግህሰት እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎን “ስሳን ኣርባዕተን ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ዓለም” ብኸቢድ ግህሰት ናይዚ መሰል እዚ ከምዝሳቐን ድማ ብምሕባር፡ ቅድስቲ መንበር ክብሪ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ክሕሎ ከም እትሓቶ፡ “ኹሎም ካልኦት ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት ክኽበሩ ትሓትት . . . ኣብ መበል ስሳ ዓመት ዝኽሪ Nostra Aetate - ዘለናዮ ዘመ ዘርእስቱ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፡ “ንኹሉ ዓይነት ጸረ - ሴማውነት ብፍጹም ክንጸግ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣገዳስነት ዘተ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውያንን ክርስቲያንን ዓሚቝ ናይ ሓባር መበቆልን ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ ስደት ክርስትያን ኣብዚ እዋን’ዚ ካብቶም ዝሰፍሑ ቅልውላዋት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎን ብምምልካት፡ እዚ ድማ “ኣብ መላእ ዓለም ንልዕሊ 380 ሚልዮን ኣመንቲ” ዝምልከት ኮይኑ፡ ልዑል ወይ ጽንኩር ደረጃ ኣድልዎን ዓመጽን ዝተቓልዑ ምዃኖም ኣዘኻኺሮም፡ ኣብ ባንግላድሽ፡ ሰሔልን ናይጀርያን ግዳያት ዓመጽን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ደማስቆ ኣብ ልዕሊ ሰበኻ ቅዱስ ኤልያስ ብዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉን ከምኡ’ውን ኣብ ካቦ ደልጋዶ ሞዛምቢክ ግዳያት ዓመጽ ጅሃዳውያን ይዝክሩ።

ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ሓዊሱ ኣብ ዝበዝሑ ክርስትያናዊ ሕብረተሰባት ከይተረፈ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ሰላሕታዊ ኣድልዎ ከም ዝፍጸም ኣመልኪቶም፣ ክርስትያን ወንጌል ካብ ምእዋጅ ክግደቡ ይኽእሉ - ብፍላይ ድማ “ንክብሪ ናይቶም ዝደኸሙ፣ ዝተጸንሱ፣ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ክጣበቑ እንከለዉ፣ ወይ ንስድራቤት ከስፍሑ እከለዉ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መሰል ህይወት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 መሰል ሕይወት መሰረት ናይ ኩሉ ካልእ መሰል ምዃኑ ደጊሞም ብምርግጋጽ፡ እዋናዊ ማዕቀፍ ሰብኣዊ መሰላት፡ መሰላት ካብ ክውንነትን ሓቅን ምስ ዝፍለይ ህያውነቱ ከጥፍእ ከም ዝኽእል ኣጠንቀቖም።" ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ብዛዕባ መሰረታውያን ናጽነታት - ሓሳብካ ምግላጽ፡ ናይ ሕልና፡ ሃይማኖት ናጽነት፡ ህይወት ከይተረፈ - "ብስም ካልኦት ሓደስቲ መሰላት ዝበሃሉ" ተገዲቦም፡ ንሓይልን ጭቆናን ቦታ ብምፍጣር፡ ጭቡጥ 'ሓጺር ዑደት' ሰብኣዊ መሰላት ንርኢ ኣለና" . . . እቲ ንደቂ ሰባት ምፍቃርን ንህይወት ንምግልጋልን እትመሃረሉ ፍሉይ ሓለፋ ዘለዎ ስድራ ቤት ምዃኑ ብምምልካት፡ ብዛዕባ ክልተ ህጹጽ ብድሆታት እንክዛረቡ፡ ቤተ ክርስቲያን “መበገሲ ህይወት ዝኽሕዱ ወይ ዝምዝምዙ” ተግባራት ከምኡ’ውን ንሰባት ነዞም ተግባራት እዚ ንኽስዕቡ ዘተባብዑ ውጥናት ብፍጹም ከም እትነጽጎ ደጊሞም ብምርግጋጽ።  ጸጋታት ህዝቢ፡ “ህይወት ንምዕፋን” ዘይኮነስ፡ ንኣዴታትን ኣባይቲ ስድራን ክድግፍ ኣለዎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ዘርኢ ሰላምን ትብዓት ይቕረ ምባልን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ህልው ኵነታት ዓለም ኣጸጋሚ እውን እንተኾነ፡ ሰላም “ከቢድ ግን ከኣ ክውንነታዊ ሰናይ” ኰይኑ ከም ዝቕጽል ኣጽኒዖም ብምሕባር፡ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ንሰላም “ሸቶ ሰናይ ረብሓና” እንክብሉ ከም ዝገልጾ ድማ ዘኪሮም፡ እዚ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ምድራዊት ከተማ እውን ከይተረፈ ንከተማ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዘስተማቕር ምዃኑ ኣቢርሆም፡ ሰላም ንምፍጣር “ትሕትናን ትብዓትን፡ ብሓቂ ንምንባር ትሕትናን ይቕረ ንምባል ትብዓትን ከም ዝሓትት ገሊጾም፡ እዞም ሰናይ ባህርያት እዚኣቶም፡ ኣብ በዓል ልደት ማለት ሓቂ ትሑት ስጋ ምስ ኰነ ኣብ በዓል ትንሳኤ ድማ እቲ እተፈርደ ጻድቕ ይቕረ ክብልን ከም ትንሳኤ መጠን ህይወት ህህብን እንከሎ እዩ ዚግለጽ ምስ በሉ ኣስዒቦም - ቅድሚ ሰላሳ ዓመት ኣብ ቦዝንያን ሄርዘጎቪናን ዝተኻየደ ኲናት ከብቅዕ ዝገበረ ስምምዓት ዳይተን፤ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ መንጎ ኣርመንያን ኣዘርባጃንን ዝተኸተመ ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላም፤ ከምኡ’ውን ሰበስልጣን ቬትናም ምስ ቅድስቲ መንበር ዝምድና ንምምሕያሽ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ብምጥቃስ፡ ከምዚኣቶም ስኣመሰሉ ስምምዓት ክተባብዑን ክለምዑን ዘለዎም “ዘርኢ ሰላም” እያቶም - ቢሎም - ናብቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ መበል 800 ዓመት ዝኽሪ ኣብ ሰማያዊ ቤት ውልደት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ “ናይ ሰላምን ዘተን ሰብ” ብምጥማት ናይቲ ቅዱስ ናይ ትሕትናን ሓቅን ምስክርነት ብምጽዋዕ፡ ኣብ መጀመርታ ሓድሽ ዓመት “ትሑትን ፈቃር ሰላምን ልቢ” ንኹሉ ብምምናይ መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 Jan 2026, 17:04