ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ጎይታ እንተጸዊዑካ ኣይትፍራሕ፤ ኣብኡ እዩ ልብታት ሰላም ዝረክብ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ክቡራት መንእሰያት እንታይ ትደልዩ ኣለኹም? ስለምንታይ ኣብቲ ዋዕላ ትርከቡ?" እዚ ሕቶታት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብቲ SEEK - 2026 - ድለ - 2026 እተሰምየ (ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ካቶሊካውያን መንእሰያት ብጸሎትን ብኣምልኾን ብምስጢራትን ብዜነቓቕሑ ሰባካይን ኣቢሎም ምስ ክርስቶስ ንኺራኸቡ ዚእከቡሉ ሓሙሽተ መዓልቲ ዝጸንሕ ተመክሮ ኮይኑ፡ ኣብቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ነገር ከተተኵሩ ኣብ ሓቀይና ማሕበረሰብ ከምኡውን ኣብ እምነት ንኽትዓብዩን ንኽትልወጡ ዘተባብዕ ኣጋጣሚ እዩ) ዋዕላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም ኣቕሪቦም፡ እዚ ተበግሶ እዚ ዕለት 1 ጥሪ ዝጀመረን ዕለት 5 ጥሪ ዝዛዘምን ብሓንሳብ ኣብ ኮሎምበስ ኦሃዮ ፎርት ዎርዝ ቴክሳስን ደንቨር ኮሎራዶን ዝካየድ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካቶሊካውያን ዘራኽብ ኮይኑ፡ ብጸሎት፡ ኣምልኾ፡ ዋዕላታትን ጽምብልን ዝልለ እዩ።
እተን ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እተዛረበን ቃላት መሰረት ዝገበረ ሕቶ ቅዱስነቶም ንልቢ እቶም ኣብቲ ዋዕላ ዝሳተፉ ዝትንክፍ ኮይኑ፡ እቲ ኢየሱስ ዘቕረቦ ሕቶ ክሳብ ሎሚ እውን ዝብድህ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እቶም ተጋባእያን ነቲ ንቕድሚት ክንስጉም ዝድርኽና ሕቶታት ከስተንትንዎን ዓዲሞም፥
እቲ ናይቲ ሕቶ መልሲ ኣብ ሓደ ሰብ እዩ ዘሎ። ሓቀይና ሰላምን ሓጎስን ዘምጽኣልናን ንነፍሲ ወከፍ ዓሚቕ ድሌታትና ምልኣት ዝህብ ጎይታ ኢየሱስ ጥራይ እዩ! ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ወንጌላዊ ቅንኣት
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ፡ ነቲ ጐይታ ዘዳለወሉ ዘበለ ኩሉ ኽፉት ክኸውን” ዓዲሞም፡ እቲ ዝካየድ መደብ ንመጀመሪያ ግዜ ምስ ክርስቶስ ንምርኻብ ወይ ምስኡ ዘሎና ርክብ ንምድልዳል ኣጋጣሚ ኪኸውን ከም ዚኽእል ኣጕሊሖም፡ ይኹን እምበር ንዕኡ ምስ ፈለጥናዮ ኵሉ ነገር ከም ዚቕየር ንጹር እዩ ልክዕ ከም ደቀ መዛሙርቲ ድማ "ነቲ ዝደለናዮ ረኺብናዮ!" ክንብል ንኽእል፣ እዚ ሓቀይና ርክብ እዚ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ወንጌላዊ ቅንኣት የሕድር፥
ወንጌላዊ ቅንኣት - ወንጌል ናብ ኩሉ ናይ ምብጻሕ ቅንኣት ምስ ክርስቶስ ካብ ምርኻብ እዩ ዚውለድ። እዚ ርክብ እዚ ነቲ ዝተዓደልናዮ ኣብኡ ጥራይ ዝርከብ ምልኣት ፍቕርን ሓቅን ንኻሎት ንኸነካፍሎ ይድርኸና! ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ነብስኻ ክትምራሕ ምፍቃድ
ስለዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ይብሉ፡ እቲ ምስ ጐይታ ናይ ሓቂ ምርኻብ ዘለዎ ሓጐስ ከነካፍሎን ንመንእሰያት ኣብዘን ዕርክነትን ኣምልኾ ቅዱስ ቍርባንን ዝካየደለን መዓልትታት ከኣ ኢየሱስ ካብኣታቶም እንታይ ከም ዚጽበ - ጸዋዕታ ቃል ኪዳን፡ ክህነት ወይ ከኣ ሰብ ውፉይ ህይወት ድዩ ቢሎም ንምሕታት ከይፈርሁ ተማሕጺኖም፡ ጐይታ ይጽውዓካ ከም ዘሎ እንተ ተሰሚዑካ ኣይትፍራህ። ከም ብሓድሽ ነቲ ዓሚቝ ምናልባት እውን ስዉር ባህግታት ልብኻን ናብ ናይ ሓቂ ምልኣት ዚመርሓካ መገድን ዚፈልጥ ንሱ ጥራይ ምዃኑ ከዘኻኽረኩም ድማ እፈቱ። ብኣእኡ ክትምርሑን ንሱ ክመርሓኩምን ድማ ፍቓደይናታት ኩኑ! እንክብሉ ነቲ ዕለት 1 ጥሪ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስቲ ማርያም ኣደ ኣምላኽ ዝተጀመረ ጉባኤ ብኣኣ ኣቢልና ናብ ኢየሱስ ክንበጽሕ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዚድለ ዝነበረ ሰላም ክንረክብ ናብ ፍቕሩ ምእንቲ ኽንበጽሕ! እንክብሉ ንቕድስቲ ድንግል ማርያም ከም ዘወከፉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
