ድለ

2026.01.29 ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ጳጳሳት ፔሩ 2026.01.29 ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ጳጳሳት ፔሩ  (@Vatican Media)

ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ጳጳሳት ፔሩ

ዕለት 29 ጥሪ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ነቶም ንሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ቅድስቲ መንበር ዝኣተዉ ናይ ሃገረ ፐሩ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ጳጳሳት፡ ዕለት 30 ጥሪ ቅድሚ ዘካየድዎ ወግዓዊ ርክብ፡ እቶም ጳጳሳት ፔሩ ከይተጸበይዎ ኣብ መኣዲ ምሳሕ ቅዱስነቶም ከም ዝሓበሩን እዚ ድማ ምልክት ቅርበትን ሓድነትን ዘረጋግጽ ምዃኑ ኣቡናት ፐሩ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ይሕብሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 29 ጥሪ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ነቶም ንሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ቅድስቲ መንበር ንዝኣተዉ ናይ ሃገረ ፐሩ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ጳጳሳት ዕለት 30 ጥሪ ቅድሚ ዘካየድዎ ወግዓዊ ርክብ፡ እቶም ጳጳሳት ፔሩ ከይተጸበይዎ ሓቢሮም ኣብ መዓዲ ምሳሕ ምርኻቦም “ንጉስነታዊ ተልእኾ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፔሩ ዘደልድል ናይ ቅርበትን ሕብረትን ምልክት” እዩ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቶም 46 ናይ ሃገረ ፐሩ ጳጳሳት ኣብዚ ካብ ዕለት 26 ክሳብ 31 ጥሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዝተፈላለያ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ሓለፍቲ ርክባት ከም ዘካየዱን ዕለት 30 ጥሪ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና እውን ከም እተራኸቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጸሎት ንመጻኢ ፔሩ

“እዚ ምብጻሕ ንኹላትና ከሐይልን ንኻልኦት ብዝበለጸ ከነገልግል ብእምነት ከንኽንተባባዕን ምእንቲ ሰላምን ንመጻኢ ፔሩን ክንጽሊ” ዘተባብዓና እዩ እንክብሉ ናይ ሃገረ ፐሩ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ናይ ሰበኻ ሉሪን ጳጳስ ካርሎስ ጋርስያ ካማደር ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፡ "መጻኢ መራሕትና ንሃገር ዘገልግሉ፡ ናይ ሓባር ረብሓ ዝደልዩ፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ንምግምማዕን ንምጉዳልን ዘይኮነስ ንምጥርናፍ ዝጽዕሩ ሕያዎት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ክኾኑ ንጽሊ" እንክብሉ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም።

ቅድስቲ ሮዛ ዘሊማ

ጉባኤ ጳጳሳት ፐሩ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ቅብኢ ቅንስልን ምስሊ ቅድስቲ ሮዛ ዘ ሊማን ከም ዝለገሱን፣ እዚ ድማ ቀዳም ዕለት 31 ጥሪ ኣብ ቫቲካን ኣብ ናይ ኣታኽልቲ ቦታ ክባረኽን ክቕመጥን ከም ዝኾነ እውን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ናይ ሃገረ ፐሩ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኣብ ወርሒ ግንቦት 2017 ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2009 ድማ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ተራኺቦም ከም ዝነበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 Jan 2026, 15:47