ድለ

2026.01.12 ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ናይ ሪፓብሊካዊት ሳን ማሪኖ ምስሌነ 2026.01.12 ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ናይ ሪፓብሊካዊት ሳን ማሪኖ ምስሌነ   (@VATICAN MEDIA)

ክሌኣዊ ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ናይ ሪፓብሊካዊት ሳን ማሪኖ ምስሌነ

ር..ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 12 ጥሪ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ረፓብሊካዊት ሳን ማሪኖ ምስሌነ ማተዮ ሮሲን ሎረንዞ ቡልይን ኣሰነይቶምን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን፡ ምስሌነ ማተዮ ሮሲን ሎረንዞ ቡልይን ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ርክባት ምስ ሃገራትን ኣህጉርውያን ትካላት ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጻሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ኣብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ዝተኻየደ ዳሕረዋይ ክሌኣዊ ዘተ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ካልኦት ኣገደስቲ ዓለም ሓቆፍ ዝኾኑ ጉዳያትን ኣብ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ዝምድና ዝግበር ምትሕብባርን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኣገዳስነት ናይ ሓባር ዘተ ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ከም እተመያየጡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ኣብቲ ክሌኣዊ ዘተ "እቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሳን ማሪኖን ዘሎ ብሉጽ ክልተኣዊ ዝምድናታት፡ ከምኡ'ውን ቤተክርስትያን ኣብ ሕብረተሰብ ሳን ማሪኖ እትገብሮ ኣበርክቶ" ከም ዝጎለሐን፡ "ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ኣህጉራዊ ቅልውላዋት ብፍላይ ድማ ኣብ ዩክሬን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ኣብ ምትሕብባር ኣብ ብዝሓ ጎናዊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ፡ ኣብ ኣገዳስነት ዘተ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ምድንፋዕን እዚ እውን ኣብ ምርግጋጽ ሰላም ዘለዎ ዓቢይ ኣበርክቶ ከም እተሰመረሉ ኣፍሊጡ።

13 Jan 2026, 16:30