ርክብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ምስ ኣባላት ተቕዋም ኤቁመናዊ ቦሰ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ኣብ ማእከል ቲዮሎጊያዊ ትምህርትና፡ መዓልታዊ ኤቍመናዊ መንፈስ ንነብር ኢና፡ ኣብ ትሕዝቶ እዋናዊ ዓለማዊ ብድሆታት ድማ፡ ነቲ ንዓለም ዝሕብር ምብትታን ንቃወም፡ ህያው ቤተ - ፈተነ ሓድነትን ሕብረትን ኢና” እንክብሉ ናይቲ ኤቍመናዊ ተቕዋም ቦዜ ላዕለዋይ ሓለቓ ኣባ ላውረንስ ኢዉኣምዲ ድሕሪ እቲ ምስ ቅዱስነቶም ዝተኻየደ ርክብ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፡ እቶም 28 ተመሃሮ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝውክሉ ካብ ልዕሊ ዕስራ ሃገራት ዝመጹ ከም ዝኾኑ ገሊጾም፡ "ዕላማ ናይቲ ተቐዋም ነቲ ክርስቶስ ዝጸለየሉ ሓድነት ዘንጸባርቕ፡ ነቲ እናተገማመዐ ዝኸይድ ዘሎ ሕብረተሰባት ብጥበብ ነቲ ምግምማዕ ክፈትሕዎ ዝኽእሉ ናይ መጻኢ መራሕቲ ምሕናጽ" እዩ እንክብሉ ኣባ ኢዉኣምዲ ገሊጾም፡ እዞም ካ ሃገረ ስብከት ኦዌሪ ዝመጹ ናይጀሪያዊ ካህን ነቲ ተቕዋም ዝመርሑ ናይ መጀመርያ ካቶሊክ ከም ዝኾኑን፡ ናይ እዚ ዓመት እዚ ዝካየድ ዘሎ ቅነ ጸሎት ንሓድነት ክርስትያን መርሕ ቃል 'ከምቲ ንሓንቲ ተስፋ ዝተጸዋዕክምዎ፡ ሓደ ሰብነት ሓደ መንፈስ ኣሎ” ( ኤፌ 4፡4) ብምጥቃስ ነቲ ቅድመ ፍርዲ ክፈጥሮ ዝኽእል ምግምማዕ ንኽንሰግሮ ዝዕድም እዩ” ኢሎም።
ካብቲ ኣብ 2026 መበል 80 ዓመት ዝኽሪ ዘብዕል ኤቍመናዊ ተቕዋም ነቶም ተመሃሮ መንእሰያት - ኣባላት ሰብ ውፉይ ህይወትን ዓለማውያንን - ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘካየድዎ ምብጽሕን ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦናን ዕላምኡ ድማ ብዛዕባ ዝተፈላለየ ክውንነት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ማለት ምስ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅዱስቲ መንበር - ኩርያ ሮማና፡ ኣብ ሮማ ምስ ዝርከባ ጳጳሳውያን መናብርተ ጥበብ፡ ካቶሊካውያን ምንቅስቓሳትን ማሕበራት ሰብ ውፉይ ህይወትን ብቐረባ ምልላይ” ዝብል እውን ምዃኑ ነቶም ተመሃሮ ኣብቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዘካየድዎ ርክብ ዝመርሑ ኣብቲ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘተባብዕ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕልዋይ ቤት ጽሕፈት በዓል መዚ የኔታ ኣንድረዝ ቾሮማንስኪ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፡ ኣስዒቦም ዕለት 25 ጥሪ፡ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ምልዋጥ ቅዱስ ጳውሎስ፡ እቶም መንእሰያት ኣብ ዝካየድ ናይ መዛዘሚ ስነ ስርዓት ቅነ ጸሎት ንሓድነት ክርስቲያን” ክሳተፉ ምዃኖ እውን ይሕብሩ።
