ድለ

2026.01.14 Clipeo in mosaico per la Basilica di San Paolo 2026.01.14 Clipeo in mosaico per la Basilica di San Paolo  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ዝስቀል እተዳለወ ስእሊ ሞዛይኮም ተቐቢሎም

ብመሰረት ልማዳዊ ባህሊ ቅድስቲ መንበር ብምስዓብ፣ እቲ ናይ ሃገረ ቫቲካን ማእከል ሞዛይካዊ ስርሓት፣ ነቲ ኣብ ስግር መናድቕ ከረማ ሮማ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ክስቀል እተዳለወ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ስእሊ ዛዚሙ፣ ነቲ ዕዮ ድማ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀቅድሚ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቕሪቡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቫቲካን ተቕዋም ሞዛይካዊ ስርሓት ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮ መበል 14 እተወፈየ ናይ ስእሊ ሞዛይክ ሜዳልያ ከም እተዛዘመ ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንበር ዝሃለፈ ረቡዕ ኣብ ዘውጾ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እቲ ንነፍሲ ወከፍ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝግበር ጥንታዊ ልምዲ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ዝምረጹ ልዕሊ ሸሞንተ ወርሒ ጸኒሑ፣ እቲ ተቐአም ነቲ ኣብ ስግር መናድቕ ከተማ ሮማ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ እተዳለወ ስእሊ ሞዛይክ ዛዚምዎ ይርከብ ኣሎ፣ እዚ ድማ ሊቀ ኻህናት እቲ ብዚሊካ ብፁዕ ካርዲናል ጄምስ ማይክል ሃርቪ ብዘቕረቦ መሕትት መሰረት ተሰሪሑ ይርከብ ኣሎ።

እቲ 137 ሰንቲ ሜተር ዝንውሓቱ ሞዛይካዊ ስርሓት፣ ኣብ ቤተ-ዕዮ ቅዱስ ጴጥሮስ ተስሪሑ ቀሪቡ ይርከብ።

እቲ ዓቢይ መዳልያ (ብነኣሽቱ ቝርጽራጻት ሰራሚክን ዕንቐይትን እተሰርሐ) በቲ ጥንታዊ መስርሕ እተገብረ ሞዛይክ እዩ ዚተዳልዩ ዝርከብ ዘሎ፣ በቲ ልማዳዊ ናይ መጣበቒ ዘይቲ ድማ ከም ትውፊት ሃገረ ቫቲካን እዩ ተሰሪሑ ዘሎ።

እቲ ዕዮ ኣብቲ ስነጥበባዊ ሮዶልፎ ፓፓ ዘዳለዎ ንድፊ እተመርኰሰ እዩ፣ እዚ ኸኣ ምስቲ ሞዛይክ እተሰርሓሉ ከቢብ ዕንጸይቲ ብመጣበቂ ዘይቲ ተተሓሒዙ፣ ከም ስርሓት ሞዛይክ ናብ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ስግር መናድቕ ሮማ ክውሰድ ኢዩ።

እቲ ዕዮ ኣብ ጥቓ ስእሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ የማናይ ክፋል እቲ ባዚሊካ ኣብ ዝርከብ ስፍራኡ 13 ሜትሮ ብራኸ ኣብ ዘለዎ ክስቀል እዩ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን እቲ እተቐብአ ንድፊ ምስ ብምሉኡ እቲ ተኸታታሊ ስእልታት ጳጳሳት ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቤተ-ዕዮ ቅዱስ ጴጥሮስ ኪዕቀብ እዩ።

16 Jan 2026, 10:24