ከም ኣሕዋት ብትሕትና ኽንመላለስ፣ ንየሩሳሌም ዝቐረበ ጻውዒት
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ጳጳሳዊ ጭርሖኦም ዘሎ፣ ብዛዕባ ሓድነት ክርስቶስ ክምስክሩ ዝመረጽዎ ርእሰ ነገር፣ ንዅሎም ክርስትያን ምእመናን ብሓባር መንፈሳዊ ጕዕዞ ክገብሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ንክርስትያን ምእመናን ናብ የሩሳሌም ንምምላስን፣ ንመበቈል እምነትና ኣብ ግምት ብምእታው ናብቲ ኣብ 2033 ዝካየድ ኢዮቤል ድሕነት ገጾም ኣቢሎም ክጕዓዙ ጻውዒት ኣቕሪቦም።
ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብታ ብጥንቁ ኒቅያ እትስመ ዝነበረት ከተማ ኢዝኒክ ቱርኪ፣ መራሕቲ ብዙሓት ኣብያተ ክርስቲያናት፣ በቶም ፓትርያርክ ቍስጥንጥንያ በርተሎሜዎስ ዘቕረብዎ ጻውዒት መበል 1700 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ፋልማይ ኢቁመናዊ ጉባኤ ንምዝካር ብሓባር ጸልዮም።
እዚ ኣብ ጥቓ ጥንታዊ ፍርስራስ ባዚሊካ ቅዱስ ኒዮፊቶስ፣ ካብ ዞባ ማያት ዓብዪ ቐላይ ወጻኢ እተኻይደ ሓጺር ግን ከኣ ልቢ ዚትንክፍ ጽምብል እዩ ዝንበረ።
እዚ ኣኼባ መራሕቲ እተፈላለያ ክርስትያናዊ ማሕበረታት ንጸሎተ ሃይማኖት ዳግም ዝመስከሩሉ ኣጋጣሚ ኢዩ ዝንበረ፣ መብዛሕትኡ ስብከት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ገማግም ካልእ ቀላይ ማለት ኣብ ግማግም ባሕሪ ገሊላ እዩ ዝተኻየደ። እቲ ናዝሬታዊ በቲ ገምገም ባሕሪ እና ተዘዋወረ ንጴጥሮስን እንድርያስን ዚበሃሉ ኽልተ ገፈፍቲ ዓሳ ጸዊዑ ሓዋርያቱ ገበሮም ።
ይኹን እምበር እቲ ውቁብ ጽባቐ እቲ ቦታን ዕምቈት እቲ ንካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ፕሮተስታንትን ኣብ ጸሎት ዘሕበሮም ተግባራዊ ኣጋጣሚ ተደሚሩ፣ ነቲ ዜሳቒ ቝስሊ እቶም ኣብኡ ዘይነበሩ ሕዝብታት ንምዝናን እኹል ኣይነበረን።
በዚ ምኽንያት እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድሕሪ ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓታት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፣ ንገለ ኻብቶም ኣብ ኢዝኒክ ዝነበሩ መራሕቲ ኣብያተ ክርስትያን እንደገና ድሕሪ ምርካቦም ኣመስገንዎም፣ ምስተን ኣብኡ ክሳተፋ ዘይከኣላ ኣብያተ-ክርስትያን እውን ሓዊስካ ኣብ ኒቅያ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓድሽ ርክብን ኣጋጣሚታትን ክለዓል ድማ ተስፋ ከም ዝገብሩ ግለጹ።
ናይ ሮማ ጳጳስ ኣስዒቦም፣ እተን ካብ ሞትን ትንሳኤን ኢየሱስ ኣትሒዘን፣ ካብ ዕለተ ልደት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ የሩሳሌም ዝነበረ ፍጻሜ ንነጀው፣ እተን ዝሓለፋ ክልተ ሽሕ ዓመታት ብሓባር ክጽምብልወን ሓሳብ ኣቕረቡሎም።
እቲ ዝተክኦ ጴጥሮስ ነዚ ትሕትናን ትብዓትን ዕድመ እዚ ንዅላቶም ኣቕረበሎም ንክርስትያናት ካብ ኒቅያ ሓሊፎም ናብቲ መበቈል እምነት ናብቲ ዅሉ ዝጀመረሉ ቦታ ክምለሱ ጻውዒት ኣቕረበሎም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ቀዳምነት ወንጌላውነትን ኣዋጅ ከሪግማን ብምዝካር ኣብ መንጎ ክርስትያናት ዘሎ ምክፍፋል ንምስክርነቶም ዕንቅፋት ከም ዝዀነ ደጊሞም ኣጕልሑ።
ናብ የሩሳሌም ምምላስ ኪበሃል ከሎ ናብ መስዋእቲ ጎልጎታን ናብቲ ኣንስቲ ብበዓል ትንሳኤ ጥራያ ዝረኸባኦን መቓብርን ምምላስ ማለት እዩ።
እዚ ኸኣ ናብቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣእጋር ሃዋርያት ምስ ሓጸበ፣ እንጌራ ዝቘረሰሉ ናይ መወዳእታ ድራር ዘካየደሉ ቦታ ብምምላስ ማለት እዩ ዝንበረ። እዚ ድማ ናብ ስፍራ ጰንጠቈስጠ ምምላስ ማለት እዩ፣ እዚ ማለት ከኣ ተስፋ ዝቘረጹን ዝፈርሁን ሒደት ሰባት ናብ ስብከተ ወንጌል ገሶም ዘብሉሉ እዋን እዩ ዝንበረ።
ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ብሞት ጐይታኦም ተጨኒቖም እኳ እንተ ነበሩ፣ ኣብ ላዕለዋይ ደርቢ ደሓር ከኣ ኣብ ገምገም ባሕሪ ገሊላ እናዞሩ ተንሲኡ ኢዩ! ህያው ኢዩ! እናብ በሉ ክሰብኩ ተረኽቡ።
ኣብቲ ላዕለዋይ ደርቢ እንከለዉ፣ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ፣ ንሱ ድማ እቲ ኣብ መስቀል ዝሞተ ኢየሱስ እሞ ኸአ ዝተንሰአ ሰብ፣ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኺእውጁ ህይወቶም ከወፍዩ ድሉዋትን ደኺመ ዘይብሉ ሚስዮናውያንን ከም ዝኾኑ ገበሮም።
ስለዚ ናብ የሩሳሌም ምምላስ ኪበሃል ከሎ፣ እንደገና ኣብቲ ደርቢ ምእንቲ ኽንእከብን ነቲ ብሓቂ ኣገዳሲ ዝዀነ ኩነት ብሓባር ምእንቲ ኽንዝክርን ብሓባር ንግደት ከነጋይድን ማለት እዩ።
እዚ ማለት ኣድላዪ ዘይኰነ ነገር ማለት ነቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዘሎ ፖለቲካዊ ውድድርን ሓሳባትን ውጥናት ሃገራውነትን ምትሕንፋጽን ከምኡውን ብዙሕ ሰብኣዊ ልምድታትን ምፍልላያት ምምልካት ማለት እዩ።
እዚ ኸኣ ንማእከል መልእኽቲ ወንጌል እንደገና ብምፍጻም፣ ምክፍፋላትና ምስዓር ማለት እዩ ። እዚ እዩ ንቤተክርስትያን ንዓለምናን ዘድልየን ዘሎ።
"ኣብ ዙርያና ኣብ ውሽጥናን ኣብ ማእከልናን ሰላምን ሓድነትን ዕርቅን ክንደይ ዓብዪ ኣድላይነት ኣለዎ!" ቢሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እቶም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝኾኑ ናይ ሮማ ጳጳሳስ፣ ኣብ ቅድሚ ፓትርያርክ ቍስጥንጥንያ ተካኢ ቅዱስ እንድርያስ ዝኾነ መስኪሮም።
ስለዚ እቲ ኣብ ዓመተ 2033 ናብ የሩሳሌም ንምምላስ ዘቕረብዎ ጻውዒት፣ ነቲ ገፋፍ ዓሳ በዓል ገሊላ "ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ!" ብምባል እተዛረቦ ቓላት ንምድጋም፣ ከም ኣሕዋት ንሓድሕዶም ብሓባር ብምግልጋል ብትሕትና እንደገና ኽንእከብ ዝቐረበ ጻውዒት እዩ።
