2025.12.11 ር.ሊ.ጳ. ልዮን ንኣዳለውቲ ሽልማት ዛየድ፡ ቃላት ንበይኑ እኹል ኣይኮነስ፡ ስጉምቲ የድሊ! 2025.12.11 ር.ሊ.ጳ. ልዮን ንኣዳለውቲ ሽልማት ዛየድ፡ ቃላት ንበይኑ እኹል ኣይኮነስ፡ ስጉምቲ የድሊ!  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ንኣዳለውቲ ሽልማት ዛየድ፡ ቃላት ንበይኑ እኹል ኣይኮነስ፡ ስጉምቲ የድሊ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንኣዳለውቲ ሽልማት ዛየድ ንሰብኣዊ ሕውነት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ኣብዛ ብምግምማዕ እትልለ ዓለም ናይ ሕያውነትን ግብረ ሰናይን መሰኻኽር ምዃን ከምዘድሊ ኣጒሊሖም፣ ኣብ ርእሲኡ ድማ ሕውነት ንምዕዋት ጭቡጥ ስጉምትታት ክውሰድ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ኣዳለውቲ ሽልማት ዛይድ ንሰብኣዊ ሕውነት ዕለት 11 ታሕሳስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ “ክእለቶምን ራእዮምን ግብረ ገባዊ እምንቶኦምን ኣብ ክቡር ኣገልግሎት ሰብኣዊ ሕውነት ዘውዕሉ” ዝጥርንፍ ጉጅለ ብምህላዉ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ሓጎሶም ገሊጾም፡ ሽልማት ዛይድ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ምፍልላይ ዘራኽብ ድልድልን ሓቀይና ሰብኣዊ ሕውነት ንምህናጽን ዝሰርሑ ውልቀሰባት ወይ ትካላት ኣፍልጦ ዝህብ ናጻን ኣህጉራውን ሽልማት ኮይኑ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብውልቃዊ ተወፋይነት ዘገልግሉ ኣካላት ዝምራሕ ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን፡

ኣብቲ ኣኼባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ዓቢ ኢማም ኣሕመድ ኣልታየብን ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን ዝተደገፈ ሰነድ ሰብኣዊ ሕውነት ድሕሪ ምኽታሞም ዝተበገሰ ሽልማት ዛይድ ምዃኑ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብምዝኽካር፡ እቲ ሽልማት ሕድሪ ሸኽን ካልኦት መራሕቲን ዘጠቓለለ እዩ። ብጀካዚ፡ ሽልማት ዛይድ “ነፍሲ ወከፍ ሰብን ነፍሲ ወከፍ ሃይማኖትን ሕውነት ንምድንፋዕ ከም ዝተጸውዑ ዘጉልሕ” ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ፍራንቸስኮ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ትውፊታት ኣብ ህንጸት ሕውነት ኣበርክቶ ክገብሩ ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ከም ዘዘኻኸሩ ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ህሉው ኩነታት ዓለም ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ኩሉ ሰብ “ኩላትና ኣሕዋትን ኣሓትን ምዃንና ከዘኻኽሩና ሓቀይና ምስክርነት ሰብኣዊ ሕያውነትን ፍቕርን ክኸውን” ብድሆ ኣቕሪቦም። ግን፡ “ቃላት እኹል ኣይኰነን” ጭቡጥ ስጉምትታት እውን ክውሰድ ኣለዎ ምኽንያቱ ብዘይ ጭቡጥ ስጒምትታት እቲ ዝበለጸን ተስፋ ዝህብን ዕላማታትና ከይተረፈ “ክደክምን ክሃስስን” ስለ ዝክእል - ቢሎም -

ሽልማት ዛይድ “ሎሚ ከመይ ጌርና ንሰብኣዊ ሕውነት ከነስፍሕ ከም እንኽእል ዝጭበጥ ኣብነታት ብምቕራብ፡ ጭቡጥ ስጉምቲ ንዝወስዱ ውልቀሰባትን ትካላትን ኣፍልጦ ንምሃብን ንምኽባርን ይሕግዝ” ነቶም ኣዳለውቲ ጸሎቶም ብምርግጋጽን “ንሰናይ ሰብኣዊ ስድራቤት” ኣብ ዝገብርዎ ውፉይ ስራሕ ብምትብባዕን መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 Dec 2025, 17:17