ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንመንእሰያት፦ ንሕልምን ንውጥንን ጽቡቕ ንምግባርን ገና ግዜ ኣሎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ መንእሰያት ኣብ ሊባኖስ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ኣብ ሓቀይና ፍቕሪ ዝሰረተ ዕርክነት ከማዕብሉን "መስርሕ ታሪኽ ንምቕያር" ዘድሊ ኒሕ ክሕልዉን፡ ተስፋ ከይቆርጹ ይላበዉ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ነቶም አንሰያት “ሰላምታ ትንሳኤ ክርስቶስ” ምሳኻትኩም ይኹን“ ኣሳላሙ alaikum - ሰላም ምሳኹም ይኹን ቢሎም፡ እቲ ኩሎም ዝስምዖ ውዕዉዕ ኒሕ፡ “ንፍቕራዊ ምቅርራብ እግዚኣብሔር ዝገልጽ ኮይኑ፡ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ሓደ ዘራኽበና፡ ኣብኡ ዘሎና እምነትን ኣብ ነንሕድሕድና ዘሎና ሕብረትን ክንካፈል ዝድርኸና እዩ። ብፍላይ ድማ ነቶም ካብ ሶርያን ዒራቕን ዝመጹ መንእሰያት ከምኡ’ውን ንኹሎም ኣብ ወጻኢ ካብ ምንባር ዝተመልሱ ሊባኖሳውያን እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሕጂ ውን ግዜ ኣሎ

ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ካብ ኣንጦንዮስን ማርያምን ኤሊን ጆኤልን ዝሃብዎ ምስክርነት ምልስ ቢሎም ብምዝካር - ናቶም ዛንታታት “ኣብ ማእከል መከራ ትብዓት፡ ኣብ ቅድሚ ተስፋ ምቑራጽ ተስፋ፡ ኣብ ግዜ ውግእ ውሽጣዊ ሰላም” ዝገልጽ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ታሪኽ ሊባኖስ ብኽቡርን ከቢድን ህሞታት ዝተመልአ እዩ። ኣብዚ ዝሓልፍ ታሪኽ ቅዱሰንቶም ነቶም መንእሰያት፡ ተስፋ ከይስእኑ ኣተባቢዖም። "ምናልባት ብውግኣት ዝተበታተነት ብማሕበራዊ በደል ዝዓነወት ዓለም ምውራስኩም ትጣዓሱ ትኾኑ። ምስ እዚ ኩሉ ግን ኣብ ውሽጥኹም ተስፋ ኣሎ - ሰላም ንሕና ዓበይቲ ዘጥፋእናዮ ህያብ ብምባል ጓሂኦም ገሊጾም፡ "ገና ግዜ ኣሎ ክትውጥኑን፡ ክትሓልሙን ሰናይ ንኽትገብሩ!’ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ “ህሉውን መጻእን ምዃኖም፡ መስርሕ ታሪኽ ክቕይሩ ዝኽእሉ ንሳቶም ምዃኖም ኣዘኻኺሮም፡ ክፍኣት ጸረ መርዚ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ መልሱ ፍቕሪ እዩ። እቲ ኣብ ምኽፈቲ እቲ ርክብ ዝተሰምዑ ምስክርነታት “ብዕርቅን ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝን ናይ ዝመጽእ ሓድሽ መጻኢ ትንቢት እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ክርስቶስ ከም መሰረት ሰላም

ዓዲ እዞም መንእሰያት ዝኾነት ሊባኖስ ዳግማይ ክትዕምብብ ምዃና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስሚሮም፡ ኣብነት ኦም ቄድሮስ ማለት ሃገራዊ ኣርማ ሊባኖስ ብምሕሳብ፡ ከምቲ ንህዝቢ ሊባኖስ ተመሳሳሊ ዝኾነ፡ ሓይሊ እታ ኦም ኣብ ሱራ ምዃኑ  ኣስተብሂሎም፡ ነቶም መንእሰያት “ብውልቃዊ ረብሓታቶም ከይተመዝመዙ ካብ ሰናይ ሱር ንሕብረተሰብ ንምግልጋል ውፉያት ዝገብር ድራኸ ክረኽቡ” ኣተሓሳሲቦም፡

እታ ሃገር ዘድልያ ምንጪ ተስፋ ክኾኑ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ እቶም ክልተ መንእሰያት ዝሓተትዎ ሕቶታት ንመጻኢ ዚኸውን መገዲ ንምድላው ከም ዚሕግዝ ሓቢሮም፡ እታ ቐዳመይቲ ሕቶ ኣብቲ ንሰላም ዝግበር ቃል ኪዳን ጸኒዕካ እትረግጸሉ ድልዱል መሰረት ምርካብ ዘጠቓልል ኢዩ፡ እዚ ድማ ጽኑዕ ተወፋይነት እዚ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት  ውዕል ወይ ስነ ምግባራዊ ስርዓት ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ዝተንስአ ክርስቶስ እዩ እቲ መሰረት ክኸውን ዘለዎ፡ ይኹን እምበር ሰላም ሓቀይና ክኸውን ዝኽእል ውጽኢት ናይ ወገን ሸቶታት እንተ ዘይኰይኑ ጥራይ ኢዩ። ሓቂ እዩ "ይቕረ ምባል ናብቲ መሰረት ሰላም ዝዀነ ፍትሒ እዩ ዚመርሕ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓቀይና ዕርክነት ናይ ግዜ ገደብ የብሉን

ካልኣይ ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ንውልቃዊ ረብሓና ካብ ኣብ ካልኦት ምትእምማንን ምሕላይን ቀዳምነት ከይህልዎ ምፍቃድ ከምዘድሊ ገሊጾም። “ኢጎነትና (ኣንነትና) ኣብ ማእከል ዕርክነት ወይ ፍቕራዊ ዝምድና እንተኾይኑ ፍረ ክፈሪ ኣይክእልን” እንክብሉ ኣጠንቂቖም፡ ሓቀይና ፍቕሪ ግዝያዊ ዘይኮነስ፡ ናይ ግዜ ገደብ ክህልዎ የብሉን - ምስ በሉ - ሓቀይና ዕርክነት፡ “ንስኻ” ኣብ ቅድሚ “ኣነ” ምስ ዝቕመጥ እዩ። “እዚ ንኻልኦት ኣኽብሮትን ተቐባልን ኣገባብ ምጥማት፡ ሕብረተሰብ ብሓፈሻን ንኹሉ ሰብኣውነትን ክፉት ዝኾነ ዝዓበየ “ንሕና” ክንሃንጽ የኽእለና” እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ ጽኑዕ ዕርክነት ኣብ ናይ ሓባር ምትእምማንን ኣብ ሕመረት ነፍሲ ወከፍ ጻዋዕታ ስድራቤትን ሃይማኖታዊ ህይወትን ዝኾነ “ንዘልኣለም” ዝህነጽ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተስፋ ዘይምቝራጽ

ፍቕሪ እቲ ዝዓበየ መግለጺ ህላወ ኣምላኽ ኣብ ዓለም እዩ። ፍቕሪ “ንኹሉ ልቢ ስለ ዝዛረብ ኵላዊ ቋንቋ እዩ፡ ምግባረ ሰናይ ሓሳብ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ሕይወት ኢየሱስን ቅዱሳንን ዝግለጽ ኣብ ብድሆታት ሕይወትና ዘሰንዩና ዛንታ ምዃኑ ገሊጾም - ኣብዚ ኣደባባይ ዘለዉ ብዙሓት መንእሰያት፡ እንኮላይ እቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዉ፡ ብበደልን ሕማቕ ኣብነታትን ተስፋ ምቑራጽ ዝኣበዩ እሞ ሕሰቡ፡ እዚኣቶም ንመንግስተ ሰማያትን ፍትሕን ንምድላይ ሓድሽ መገድታት ንምፍጣር ይሰርሑ ኣለዉ . . . ቀጺሎም ቅዱስ ኣቦና ነቶም መንእሰያት ኣብነታት ቅዱሳን ፒየር ጆርጆ ፍራሳቲ፡ ካርሎ ኣኩቲስ፡ ከምኡ’ውን ብዙሓት ቅዱሳን ሊባኖስ ከም በዓል ቅዱስ ራፍቃ፡ ብጹእ ያቁብ ኤል - ሓዳድን ቅዱስ ቻርቤልን ኣዘኻኺሮም፡ ኣብዛ ኵለንተና ብዝሰርቕ ነገራት ዝተዋሕጠት ዓለም፡ መንእሰያት “መዓልታዊ ግዜ ወሲድኩም ኣዒንትኹም ዓሚትኩም ንኣምላኽ ጥራይ ክትጥምቱ አተባብዓኩም፡ እግዚኣብሔር ዋላ እኳ ዘጽቀጠ እንተመሰለ ነቶም ኣብ ስቕታ ዝደልይዎ ከም ዝዛረቦምን ዝርከበሎም ኣስሚሮም፡ ኣብ መዛዘሚ ቅዱስነቶም ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ጸሎት ሰላም (ጎይታ መሳርሒ ሰላምካ ግበረኒ) ኣብ ልቦምን ኣእምሮኦምን ምስ ዝሕዝዋ ክርስትያናዊ ኒሕ ኣብ ውሽጦም ህያው ንኽኸውን ክትሕግዙ ኢኹም” እንክብሉ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

03 Dec 2025, 09:12