2025.12.29 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንነጋድያን ተስፋ ካብ ስጳይና፡ ብኣብነት ቅዱሳን ንኢየሱስ ክስዕቡ የተሓሳስቡ 2025.12.29 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንነጋድያን ተስፋ ካብ ስጳይና፡ ብኣብነት ቅዱሳን ንኢየሱስ ክስዕቡ የተሓሳስቡ  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንነጋድያን ተስፋ ካብ ስጳይና፡ ብኣብነት ቅዱሳን ንኢየሱስ ክስዕቡ የተሓሳስቡ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ስጳይና ዞባ ኣክላላ ደ ሀናረስ ቁምስና ቅዱስ ቶማስ ደ ቪላኑወቫ ዝመጹ ነጋድያን ተስፋ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ኣብ ፍቕሪ ድኻታትን ዓሚቝ ውሽጣዊ ሕይወትን ዘይሕለል ኣገልግሎትን ሓዋርያዊ ቅንኣትን ናይቲ ቅምስናኦም ዝተወፈየሉ ቅዱስ ቶማስ ዘ ቪላኖቫ ምስክርነት ክስዕቡ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ቁምስና ቅዱስ ቶማስ ደ ቪላኑወቫ ዝመጹ ስጳይናውያን ነጋድያን ተስፋ ኣብ ሃገር ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፡ ኣብ ቅነ በዓል ልደት ዘካይድዎ ርክብ ምዃኑ ዝፈጥረሎም ሓጎስ ገሊጾም፡ ነቶም ስጳይናውያን ነጋድያን ተስፋ ንተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝገብርዎ ጸሎትን ልግሲ ዝመልኦ ደገፍን” ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብቲ እቲ ቁምስና ዝተወፈየሉ ቅዱስ - ቅዱስ ቶማስ ዘ ቪላኑወቫ ኣማእኪሎም፡ “ቅዱስ ቶማስ ዘቪላኒወቫ ኣብ ሕይወቱ ንተግባር ኣምላኽ ክፉት ምንባሩ” ገሊጾም፡ እዚ ድማ “ንናይ ዘመኑ ቤተ ክርስቲያንን ማሕበረሰብን ብዙሕ ሰናይ ክገብር” ከም ዘኽኣሎ ኣዘኻኺሮም፡ ከተማ ኣልካላ ደ ሀናረስ ህይወትን ሕድሪን ናይቲ ስጳይናዊ ኣጎስጢኖሳዊ መነኮስ ቅዱስ ንምዕቃብ ብኸመይ ከም እትሰርሕ ኣጉሊሒም፡ ገለ ካብቲ ፍሉይ ባህርያት ቅዱስ ቶማስ ኣማእኪሎም ከም ዘስተንተኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነባሪ ሕድሪ

ናይቲ ቅዱስ ሕይወትን ድርሳናትን “ዘየቋርጽ ምድላይ ቀጻሊ ጸሎት ማለት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምጽናሕ ቅዱስ ዕረፍት” ዘረጋግጽ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ እዚ ድማ ቅዱስ ቶማስ ቃል እግዚኣብሔር ክሰምዕ ዘኽኣሎ ዓሚቝ ውሽጣዊ ሕይወት ዝገልጽ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡ ብጀካዚ፡ ብዘይሕለል ስራሕ ዝፍለጥ እውን ምንባሩ ገሊጾም፣ እዚ ድማ “ኣብዛ ንዅሉ ነገር ብዝያዳ ብቕልጡፍን ብቐሊሉን እተቕርብ እትመስል ዓለም ዝፈታተነን መዳይ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስ ቶማስ ስስዐ ዘይብሉ ጻዕርን ገርሀይናን ተራን ጥንቃቐን ሃዋርያዊ ቅንኣትን ኵሉ ሰብ ነቲ ካብ ኣምላኽ እተቐበሎ ውህበትን ክእለትን ኣፍልጦ ንኽህብን ነዚ ውህበታት እዚ ንማሕበረሰብ ንምግልጋል ክጥቀሙሉ ዝቐረበ ጻውዒት ከዘኻኽርን ይኽእል ኢዩ - ቢሎም - ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. እዚ ባህርይ እዚ ኣብ ቁምስናዊ ሕይወት ናይቶም ካብ ኣልካላ ደ ሀናረስ ዝመጹ ነጋድያን ብዕዮታቶምን ንጥፈታቶምን ኣዝዩ ህልው ምዃኑ ብምጒላሕ ምስጋናኦም ኣቕሪቦም፡ ነቶም ጉጅለ ነጋድያን ኣብ ጉዕዞኦም ኣተባቢዖም፣ ኣሰር ክርስቶስ ብምስዓብ፣ ኣብነት ቅዱሳን ተጠቒሞም ከነቓቕሑ ኣተሓሳሲቦም። “እግዚኣብሄር ይባርኸኩም፡ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘ ቫል ድማ ወትሩ ተሰኒኹም” እንክብሉ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከም እተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

29 Dec 2025, 16:35