ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ እዋን ኲናት ኣጽዋር ዝፈተሐ ሰላም ክሰፍን ጻውዒት የቕርቡ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ እዋን ኲናት ኣጽዋር ዝፈተሐ ሰላም ክሰፍን ጻውዒት የቕርቡ  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ እዋን ኲናት ኣጽዋር ዝፈተሐ ሰላም ክሰፍን ጻውዒት የቕርቡ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ 2026 ዓለምለኻዊ መዓልቲ ሰላም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣህጉራዊ ርክባት እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ፍርህን ውግእን ዳግመ ዕጥቅን ኣጕሊሖም ቤተ-ክርስትያን ኣብ ወተሃደራዊ ኣብ ሓይሊ እተመርኮሰ ምክልኻል ከም እትጻረር ደጊሞም ብምጒላሕ፡ ንነባርን ኣጽዋር ዝፈተሐን ሰላም ንምምጻእ ዘተን ምልዋጥ ልብን ከም ኣድላዪ ቅድመ ኩነት ገይሮም የቕርቡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቤተ ክርስቲያን ዕለት 1 ጥሪ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ኣብ እተብዕለሉ እዋን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብፍርሒ፡ ወተሃደራዊ ምትእስሳርን ስግኣት ኲናትን ዝተለለየት ዓለም የስተንትኑ። ኣብታ ቀዳመይቲ መልእኽቶም ነዚ ጽምብል’ዚ፡ “ዘይዓጠቐን ዕጥቂ ዝፈትሕን” ራእይ ሰላም እናሓሰቡ፡ ንዓመጽ ብሓይሊ ዘይኮነስ ብግብረ ገባዊ ንጹርነትን ዘተን ምልዋጥ ልብታትን እናተቓወመ፡ ንዕቱብነት ናይቲ ህሞት ይገልጹ።

“ሰላም ምሳኻትኩም ይኹን!” - ሰላምታ ናይቲ ካብ ሞት ዝተንስአ ክርስቶስ - ሕመረት ናይቲ መልእኽቲ ኮይኑ’ ቅዱስነቶም እዘን ቃላት እዚኣተን “ሰላም ጥራይ ኣይምነያን እያተን፣ ብሓቂ ኣብቶም ዝቕበልዎ ነባሪ ለውጢ የምጽኡ” እንክብሉ፣ ክርስትያናዊ ሰላም ዓመጽ ኣብ ምእባዩ ንጡፍን ዕንቅፋትን ምዃኑ የረጋግጹ።

ፍርሒ ከም ባጤራ ኲናት

ፍርሒ ኣብ ኣስተንትኖ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሓደ ቅዉም ሓሳብ እዩ። ሕብረተሰባት ንሰላም ከም ዝነብር ክውንነት ምስ ዝስእኑ፡ ኲናት ዘይተርፍ፡ ዋላ’ውን ኣድላዪ ኮይኑ ዝረኣየሉ ትረኻታት ከም ዝቕበሉ የጠንቅቕ። “እቲ መከላኸሊ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ብፍላይ ከኣ ኑክልየሳዊ ምዕጋት ዝብል ሓሳብ፡ ኣብ ሕግን ፍትሕን ምትእምማንን ዘይኰነስ፡ ኣብ ፍርሕን ብሓይሊ ምዕብላልን ዝተሃንጸ ዝምድናታት ኣህዛብ ኣብ ዘይምኽንያታዊነት ዝተመርኮሰ እዩ።” እዚ ኣገባብ እዚ ውሕስነት ከምጽእ ዘይኮነስ ሱር ዝሰደደ ዘይምርግጋእ ጭንቀት ከም ዘጽንዕን ይሕብር።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ብምጥቃስ: ሎሚ ዘለዉ ህዝብታት “ብቐጻሊ ፍርሒ” ከመይ ከም ዚነብሩ ይዝክሩ: እዚ ኸኣ ኣዕናዊ ጥፍኣት ዜስዕብ ኣጽዋር ድሮ ኸም ዘሎ: ከምኡውን “ብገለ ኣጋጣሚን ብዘይተጸበይዎ ዅነታትን” ውግእ ኪለዓል ከም ዚኽእል ይፈልጡ እዮም። ጭቡጥ ኣሃዛት ብምጥቃስ፡ ዓለማዊ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ኣብ 2024 ጥራይ ብ9.4 ሚእታዊት ከምዝወሰኸን፡ 2.7 ትሪልዮን ዶላር ከምዝበጽሐን ይሕብሩ - እዚ ጸጋታት ናብ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘይኮነስ ናብ መጋበርያታት ሞት ዝቐንዐ እዩ።

ኲናት “ንቡር” ምስ ዝኸውን .

እቲ መልእኽቲ ኣብ ፖለቲካውን ባህላውን ኣተሓሳስባታት ዝመጽእ ለውጢ ዘጉልሕ ኮይኑ፡ ንውግእ ምድላው ከም ጥንቁቕ፡ ምፍታሕ ኣጽዋር ድማ ከም ገርህነት ዝርኢ እዩ። “ሰላም ዝነብርን ዝለምዕን ዝሕሎን ክውንነት ምስ ዘይከውን፡ ሽዑ ዓመጽ ናብ ዘቤታውን ህዝባውን ህይወት ይዝርጋሕ።” እዚ ንቡር ግጭት ንዓለምለኻዊ ፖለቲካ ዓብላሊ ብምዃኑ ንስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብን ኣህጉራዊ ሕግን ከም ዘዳኽም የጠንቅቑ።

“ሰላም ዝነብር፡ ዝለምዕን ዝሕሎን ክውንነት ምስ ዘይከውን፡ ሽዑ ዓመጽ ናብ ዘቤታውን ህዝባውን ህይወት ይዝርጋሕ።”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብተወሳኺ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ሓዊሱ ዝቕልቀሉ እደ ጥበባት ኣብ ወተሃደራዊ ውሳነታት ዘለዎም ተራ ይገልጹ። ንሱ ነዚ “ኣዕናዊ ክሕደት ሕጋውን ፍልስፍናውን መትከላት ሰብኣውነት” እንክብሉ ሰምዮም፣ መጋበርያታት ንህይወትን ሞትን ናይ ምምራጽ ሓላፍነት እናወሰኸ ይኸይድ ቍጠባዊ ረብሓታት ከኣ እንደገና ኣጽዋር ከም ዝዕጥቁ ስለ ዝገብር "ንሕጋውን ፍልስፍናውን ስርዓታት ሰብኣውነት ኣዕናዊ ጥልመት" ይኸውን እንክብሉ የስተብህሉ።

ዘይተዓጥቀ መንገዲ ወንጌል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወንጌል ንሰላምን ዘይጎነጻውን ዘተኣሳስር ምዃኑ ደጊሞም ይገልጹ። “ሰላም እቲ ዝተንስአ ኢየሱስ ዕጥቂ ዘይብሉ እዩ - ቢሎም - “ናቱ ኣብ ማእከል ጭቡጥ ታሪኻዊ፣ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኩነታት ዘይተዓጥቀ ቃልሲ እዩ ነይሩ።”

ነቲ ደቀ መዛሙርቲ እውን ከይተረፈ ዘጋጠሞም:- “ሰይፍኻ ናብ ሰገባኡ ኣእትዎ” ዝብል ብድሆ ዘኪሮም፡ ክርስትያን፡ ኣብ ሕሉፍ ተሓባባሪ ዓመጽ ኮይኖም ከም ዝነበሩ ኣፍልጦ ክህቡን ንትንቢታዊ ምስክርነት ክውፈዩ ከም ዝተጸውዑ ከስተውዕሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብዛ ንሓይሊ ምስ ዕብለላ ማዕረ እትገብር ዓለም፡ ሰናይ ንባዕሉ "ኣጽዋር ዜጥፍእ" እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "ምናልባት በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኣምላኽ ሕጻን ኮይኑ ዝመጸ" ብምባል ይግለጹ።

“ሰላም ዝተንስአ ኢየሱስ ዕጥቂ ዘይብሉ እዩ፣ ናቱ ኣብ ማእከል ጭቡጥ ታሪኻዊ፣ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኩነታት ዘይተዓጥቀ ቃልሲ እዩ ነይሩ።”

ውሁድን ምሉእን ምፍታሕ ኣጽዋር፡ ካብ ውሽጢ ጀሚሩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ደጊሞም ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ብምጥቃስ፡ ምፍታሕ ኣጽዋር ኪኖ ዓውዲ ኣጽዋር ክዝርጋሕ ከምዘለዎ የጉልሑ። “እዚ መስርሕ ምፍታሕ ኣጽዋር ዕሙቕ ዝበለን ምሉእን እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ነፍሲ ሰባት ክሳብ ዘይበጽሐ፡ ውድድር ኣጽዋር ደው ምባል ኣይከኣልን እዩ።”

ፍርሂ ብመሰረቱ ኣእምሮን ልብን ብምሕዳስ ንጥርጣረ ብምትእምማን ብምትካእ ኪፍታሕ ከም ዘለዎ ኣትሪሮም ይዛረቡ። ናይ ሓቂ ሰላም "ኣብ ሓድሕዱ ምትእምማን ጥራይ እምበር ማዕረ ኣጽዋር ምሓዝ ማለት ኣይኰነን።” ሃይማኖታት ንዓመጽ ወይ ውግእ ንምምኽናይ እምነት ካብ ምጥቃም ክቑጠባን ኣብ ክንድኡ ድማ “ኣባይቲ ሰላም” ክኾና ሓላፍነት ኣለወን - ቢሎም - ጽልኢ ብዘተ፣ ፍትሕን ይቕሬታን እዩ ዝፍታሕ።

“ሓቀይና ሰላም ኣብ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ጥራይ እምበር ማዕረ ቀረብ ኣጽዋር ኣብ ምውናን ክኸውን ኣይክእልን እዩ።”

ፖለቲካውን ግብረ ገባውን ግዴታ

እቲ መልእኽቲ ቅዱስነቶም ንህዝባዊ ስልጣን እውን ዝምልከት እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ንስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ፣ ሽምግልናን ኣህጉራዊ ሕግን ዳግማይ ተወፋይነት ክግበር ጻውዒት ብምቕራብ፣ ውዕላት ምፍራስን ምድኻም ልዕለ ሃገራዊ ትካላትን ድማ ዘሕድረኦም ሓዘን ገሊጾም፡ ሰላም ኡጦቢያ ዘይኮነስ ውልቃዊ፡ ሓባራውን ፖለቲካውን፡ ምርጫ ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምጥቃስ ዓመጻ ዘይተርፍ ከም ዝዀነ ገይሮም ከቕርብዎ እንከለዉ ከምዚ ዝኣመሰለ ዛንታታት መጋበርያ ዓብላልነት ኣያቶም እንክብሉ የጠንቅቑ።

ኣብ ብርሃን ምጉዓዝ

ቅዱስነቶም መልእኽቶም ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ፡ ኣብ ተስፋ እተመስረተ ራእይ፡ ኣስያፍ ናብ ማሕረሻ ኸም ዚቕየር ዚገልጽ መብጽዓ ብምዝካር፡ ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ፡ ንደቂ ሰብ መብጽዓ ኣምላኽ ሓላፍነት ከም ዝጠልብ ብምትእምማን “ኣጽዋር ልብን ኣእምሮን ህይወትን ምፍታሕ ክጅምሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ሰላም፡ “ኣሎ፡ ኣብ ውሽጥና ኪሓድር ይደሊ፥”

እቲ ዕማም ንምፍጣር ዘይኮነስ፡ ብሓጎስ ምቕባሉ - ከምኡ’ውን “ኣጽዋር ክፍትሓና” ምፍቃድ እዩ!

እንክብሉ ይዛዝሙ።

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፥ ስግኣት ኲናት ኣብ ዘሎ እዋን ብዘይ ዕጥቂ ሰላም ክህሉ ይጽውዑ
18 Dec 2025, 17:35