ር.ሊ.ጳ. ልዮን ንከተማ ሮማን ዓለምን ኣብ ዝሃብዎ ቡራኬ፥ ሰላም ናይ ሓባር ሓላፍነት ምዃኑ የተሓሳስቡ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 25 ታሕሳስ ኣብ በዓለ ልደት ፍርቂ መዓልቲ ካብ ማእከል ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ንከተማ ሮማን መላእ ዓለምን ቡራኬ ቅድሚ ምሃቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ደጋጊሞም ምእንቲ ሰላም ዘቕርብዎ ጻውዒት ኣሐዲሶም፡ ውህበት ኣምላኽን ናይ ደቂ ሰባት ሓባራዊ ሓላፍነትን ምዃኑ ንመላእ ዓለም ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኲናት ንዓለም እናቝሰለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ካብ ማእከል ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖን ንከተማ ሮማን መላእ ዓለምን ቡራኬ. ቅድሚ ምሃቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ናብተን ዓመጽን ዘይምርግጋእን ህይወት ንጹሃት ኣደዳ ዝኾነለን ዞባታት ዓለም ኣቕኒ፡ ደጋጊሞም ንሰላምን ዘተን ሓላፍነትን ዘቕረብዎ ጻውዒት ከም ዘሐደሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጸሎት ንሰላም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ንሊባኖስን ፍልስጤምን እስራኤልን ሶርያን ፍትሕን ሰላምን ምርግጋእን” ክረኽቡ ጸልዮም፣ እቲ ኣብ ጽድቂ ዝተሰረተ መብጽዓ ሰላም ክሕደስ ኣተሓሳሲቦም። ንዩክሬን ብፍሉይ መንገዲ ብምዝካር "ተኹሲ ደው ክብል" ከምኡ'ውን ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት ብደገፍ ማሕበረሰብ ዓለም "ቅንዕና ዝመልኦ፣ ቀጥታውን ምክብባር ዝዓሰሎን ዘተ" ክገብሩ ትብዓት ክረኽቡ ጻዒት ኣቕሪቦም፡ ዝተረሰዑ ግጭታት ንምዃኑ ሓደጋ ዝተቓልዐ ኣብ ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ማሊ፣ ቡርኪናፋሶን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዝካየድ ኲናትን ዓመጽን ከምኡ’ውን ንኹሎም ብሰንኪ በደልን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን፣ ሃይማኖታዊ ስደትን ግብረሽበራን ንዝሳቐዩ ሰባት ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፡ ኣብ ሃይቲ ዘሎ ዓመጽ ደው ክብልን ኣብ መንገዲ ሰላምን ዕርቅን ክትስጉም ተማሕጺኖም፡ ንሚያንማር እውን ብምዝካር፡ እታ ሃገር ብፍላይ ንመንእሰያት ወለዶታታ ብፍሉይ ብምዝካር ናብ ዕርቅን ተስፋን ክተምርሕ ሓቲቶም። ናብ ላቲን ኣመሪካ ብምቕናዕ፡ እቶም ፖለቲካዊ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት፡ ንኣብ ክንዲ ንውልቃውን ወገናውነትን ረብሓ፡ ንሓባራዊ ረብሓን ዘተን ቦታ ክህቡ ኣተባቢዑ፡ ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ታይላንድን ካምቦድያን ዝነበረ "ጥንታዊ ምሕዝነት" ክምለስ ጸሎት ኣቕሪቦም፡ ነቶም ኣብ ቀረባ እዋን ብዘጋጠሙ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ኣዝዮም ዝተሃስዩ ህዝብታት ደቡብ እስያን ውቅያኖስን ንእግዚኣብሔር ኣማዕቍይቦም፡ ነቶም ዝሳቐዩ ሰባት ንምሕጋዝ ዳግማይ ተወፋይነት ክገብር ድማ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመላክት።

ሓቀይና ትርጉም በዓል ልደት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ሎሚ ናይ ሓቂ ሰላም ካብ ሰማይ ወሪዱልና ኣሎ" እንክብሉ ንትርጕም በዓል ልደት ብምዝኽካር፡ ቅዱስ ልዮን ዓቢዪ ብምጥቃስ "ልደት ጐይታ ልደት ሰላም እዩ - ቢሎም - ብዛዕባ ልደት ኬስተንትኑ እንከለዉ፡ ኢየሱስ "ኣብ መሕደር ኣጋይሽ ቦታ ስለ ዘይነበሮ ኣብ መብልዕ ማል ተወሊዱ" እቲ "ኵሉ ብእኡ እተፈጥረ" ወዲ ኣምላኽ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ቅዱስነቶም ኣጒሊሖም፡ "ክርስቶስ ብፍቕሪ ተደሪኹ ድኽነትን ምንጻግን ተቐቢሉ ገዛእ ርእሱ ኣብቶም እተደርበዩን እተገለሉን ይገልጽ።" ድሮ ኣብ እዋን ልደት ኢየሱስ “ንምሉእ ሕይወት ወልድ እግዚኣብሔር ዝመርሐ መሰረታዊ ውሳነ ንርኢ ኣሎና . . . ንፍጥረት ሰብ ኣብ ጾር ሓጢኣት ክይሓድግ መታን ሓጢትና ክስከም ዝብል ውሳነ ንርኢ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ሰላም ሰብኣዊ ሓላፍነት ከም ዝጠልብ ነቶም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓቲ ዝቑጸሩ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ኣዘኻኺሮም፡ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ብምጥቃስ “ብዘይ ብኣና ዝፈጠረና እግዚኣብሔር ብዘይ ብኣና ኣየድሕነናን እዩ - ቢሎም - ሓላፍነት እቲ ርጉጽ መንገዲ ሰላም'ዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት። ክርስቶስ ንፍጠረት ሰብ ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዘውጽኦ ሰላም እዩ

ኣስዒቦም ይብሉ ቅዱስነቶም ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዘውጽኦን “ንግርጭታት - ኩሉ ግርጭታት ኣብ መንጎ ሰባት ይኹን ሃገራትን ክንስዕሮ መንገዲ ስለ ዘርእየና ሰላም እዩ።” ይቕረ ዝተባህለሎም ልብታት እንተዘይሃልዮም፡ “ሰብኡትን ኣንስትን ሰላም ወይ ሃነጽቲ ሰላም” ምዃን ከምዘይክእሉ ኣጠንቂቖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ኢየሱስ ሰብ ኣብ ምዃኑ ድማ፡ ምስቶም ሎሚ ዝሳቐዩ ዘለዉ ገዛእ ርእሱ ብምምስሳል፡ ምስ ህዝቢ ቓዛ፡ ህዝቢ የመን፡ ስደተይናታትን ተመዛበልትን፡ ስራሕ ኣልቦ ምስ ዝኾኑን፡ ዝምዝመዙን፡ ከምኡ’ውን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኢሰብኣዊ ኩነታት ዝነብሩ ሕቡሳትን ገዛእ ርእሱ የመሳስል ከም ውጽኢቱ ድማ፡ “ኣምላኽ ብዛዕባ መከራና ዘይግደስ ኣይኮነን እንክብሉ ብምዝኽካርሩ ካብ ዘይምግዳስ ከም ዘጠንቀቑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡

እቲ ኩሉ ግዜ ክፉት ዝኾነ ማዕጾ

ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ኣብ ምዝዛሙን ቅዱሳት ኣፍደገ ክዕጸዉ ኣብ ዝዳለዉሉ ዘለዉ እዋንን ናይ፡ “ክርስቶስ ተስፋና ወትሩ ምሳና ይነብር - ቢሎም - “ንሱ ወትሩ ክፉት ዝኾነ ማዕጾ” ምዃኑ ንምመናን፡ ክኹንን ዘይኮነስ ከድሕን ዝመጽእ እዩ” እንክብሉ ከም ዘዘኻኸሩ ፍሊጡ።

26 Dec 2025, 15:30