2025.11.30 Viaggio Apostolico in Libano - Trasferimento Istanbul Beirut 2025.11.30 Viaggio Apostolico in Libano - Trasferimento Istanbul Beirut  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ሃገረ ቱርኪ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ዩክረይንን ሰላም ንምስፋን ኣገዳሲ ግደ ኣለዋ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ኢስታንቡል ተበጊሶም ናብ በይሩት ኣብ ዘካየድዎ በረራ ነፋሪት፣ ንጳጳሳትን ንሰበ-ስልጣን ሃገረ ቱርኪ ስለቲ ዝለገሱሎም ምዉቕ ተቕባል ኣመስጊኖም፣ ካብ ጋዜጠይናታት ዝቐረበሎም ክልተ ሕቶታት ድማ መግለጺ ኣካፊሎም፣ ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ መግለጺ፣ ኣብ ዩክረይንን ቃዛን ሰላም ክሰፍን ተስፋ ኸም ዘለዎን፣ ንኢዮቤል ምድሓን 2033 ኣብ ኢየሩሳሊም ኬብዕል ከም ዝደልዩ ውን ኣረጋጊጾም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰንበት ዕለት 30 ሕዳር ድሕሪ ቐትሪ ብነፋሪት ካብ ሃገረ ቱርኪ ነቒሎም፣ ናብ ሃገረ ሊባኖስ ኣብ ዝተጓዕዙሉ በረራ፣ ኣብዚ ናይ መጀመርታ ሃዋርያዊ ጕዕዞኦም በቶም ምስ ቅዱስነቶም ዝጕዓዙ ዝንበሩ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበ ሕቶታት መልሲ ንምሃብ እተወሰነ ግዜ ኣብ ነፋሪት ግዜ ኣሕሊፎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ናብ ሃገረ ቱርኪ ዝገበርዎ ምብጻሕ ብፍላይ ከኣ ንዕዮ መንግስቲ ቱርኪ ዘለዎም ምስጋና ውን ገለጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስነቶም ብቋንቁቅ እንግሊዝይና ዘካየደው ቃለ መሕት ትርጕም ጋዜጣዊ መግለጺ  ነቕርበልኩም፦

ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14 (ብእንግሊዘይና)፦ ከመይ ኣምሲኹም? ንምጅማር ዝኣክል ብቋንቋ እንግሊዘይና ኽዛረብ እየ፣ መብዛሕትኹም እትርድእዎ ድማ ይመስለኒ። ሰላም ክብለኩም ድማ ሓጐስ ይስምዓኒ። ኵላትኩም ምሳይ ኮይንኩም ኣብ ዝገብሮ ዘሎኹ ጕዕዙ ኣብ ሃገረ ቱርኪ ጽቡቕ ግዜ ስራሕ ከም ዘሕለፍኩም ኣይጠራጠርን። ዘደንቕ ተመክሮ እዩ ዝንበረ።

ከም እትፈልጥዎ ናብ ቱርኪ ዝበጻሕናሉ ቐንዲ ምኽንያት፣ መበል 1,700 ዓመት ዝኽሪ ጉባኤ ኒቅያ እዩ ዝንበረ። እዚ ድማ ኣዝዩ ገርሀይናን ዓሚቝን ጽንብል፣ ኣብ ስፍራ ሓንቲ ኻብተን ጥንታውያን ዝኾና ባዚሊካታት ኒቅያ፣ ነቲ ኣብ መንጎ መላእ ማሕበረሰብ ክርስትያንን ጸዋዕታ እምነትን እተገብረ ዓብዪ ፍጻመ ንምዝካር ኢዩ ድማ ዝንበረ።

ኣብ ርእሲ እዚ እውን ብዙሕ ካልእ ፍጻመታት እውን ነይሩ እዩ ። ብውልቀይ ንዅላትኩም ስለቲ ነዚ ሓዋርያዊ ጕዕዞ እዚ ኣብ ምድላው እተገብረ ዕዮ ምስጋናይ ክገልጸልኩም እደሊ፣ ካብ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ ምንበር ኣብ ቱርኪ፡ ካብ ሮማ ዝመጹ ጕጅለ ሰራሕተይናታት እዚ ውዳቤን ብፍሉይ መገዲ ከኣ ንመንግስቲ ቱርኪ ንርእሰ ብሔር ኤርዶጋን ከምኡውን ብዙሓት ካልኦት ሰባት፣ እቶም እዚ ጕዕዞ ምሉእ ብምሉእ ዕዉት ከም ዝኸውን ንምርግጋጽ ኣብ ትሕቲ መሪሕነቶም ዝሳተፉ ብዙሓት ሰባትን፣ ናይ ብሕቲ ሄሊኮፕተሩ ካልእ መጓዓዝያታትን ብምውዳቦም ወዘተን፣ ኣብቲ ምብጻሕ ኣብ እተፈላለየ እዋናት ኣገልገልቲ ምስታፎም ስለ ዝነበሩልና ዓብዪ ኩሉ ዓወት ኮይኑ ኢዩ ዝስምዓኒ።

ምስ እተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያናትን ምስ እተፈላለያ ማሕበረሰብ ክርስትያን፣ ምስ ኦርቶዶክሳውያን ኣብያት-ክርስትያናትን ዘሕለፍናዮ እተፈላለየ እዋናት፣ ሎሚ ንግሆ ምስ ፓትርያርክ በርተሎሜዎስ ብመሥዋዕተ ቅዳሴ ብምዛምናን ኣዝየ እየ ተሓጒሰ። ስለዚ እዚ ዘደንቕ በዓል እዩ ዘንበረ፣ ኵላትኩም እውን ተመሳሳሊ ተመክሮ ተኻፊልኩም ክትኮኑ ተስፋ እገብር፣ ስለዚ አመስግነኩም። ሕቶታት ወይ ርእይቶታት እንተ ኣልዩኩም ኣይፈልጥን እየ፣ ክልተ ሰባት ጥራይ ኢየ ክቕበል ንሕጂ፣ ምኽንያቱ ብዙሕ ስእልታት ኢዩ ዝጽበየኒ ዘሎ።

ሕቶ፦ ባሪስ ሴክኪን (ካብ ትካል አናዶሉ)፦ ኣዝየ ኢየ ዘመስግነኩም። ኣብ መእተዊ  ጕዕዞ ዘመነ ጵጵስናኹም፣ ብዛዕባ ዓለምን ዞባውን ሰላም ጠቒስኩም ኔርኩም። ኣብዚ መዳይ እዚ ሃገረ ቱርኪ ኣብ ዓለምን ዞባውን ሰላም ኣብ ምስፋንን ምዕቃብን ዘለዋ ግደ እንታይ ርእይቶ ኣሎኩም? ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ’ኸ ምስ ርእሰ ብሔር ኤርዶጋን ከመይ ዝበለ ዘተ ኣካይድኩም?

ኣብዚ ጕዕዞ እዚ መጀመርያ ናብ ሃገረ ቱርኪ፣ ሕጂ ድማ ናብ ሊባኖስ እንገብሮ ዘሎና ምብጻሕ፣ ፍሉይ ፍረ ነገር እዩ ዘለዎ፣ እንተ ተኻኢሉ ልኡኽ ሰላም ንምዃንን፣ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ሰላም ንምድንፋዕ ስለ እንደሊ ኢዩ።

ሃገረ ቱርኪ ብሓቂ ብዙሕ ባህርያት ኣለዋ፣ መብዛሕትኦም ሕዝባ ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ዝዀኑላ ሃገር እኳ እንተ ዀነት፣ ኣብኡ ግን ብዙሓት ክርስትያን ማሕበራት እውን ኣለዉ፣ ዋላ'ኳ ውሑዳት እኳ እንተዀኑ፣ ካብ እተፈላለያ ሃይማኖታት ዝመጹ ሰባት ግን ከአ ብሰላም ክነብሩ ዝኽእሉ ኢዮም። እዚ ኸኣ ሓደ ኣብነት ናይቲ ኣብ መላእ ዓለም እንደልዮ ዘሎና ኩነት ኢዪ ዝመስለኒ።

ሃይማኖታዊ ፍልልያት እናሃለወ ኽነሱ፣ ዓሌታዊ ፍልልያት ውን እንተ ሃለወና፣ ብዙሕ ካልእ ፍልልያት ውን እናሃለወ ኽነሱ፣ ሰባት ብሰላም ኪነብሩ ይኽእሉ እዮም ንዝብል ንምምስካር ኢዩ። ሃገረ ቱርኪ ንባዕላ ኣብ ታሪኻ፣ ኵሉ ሳዕ ከምኡ ዘይነበረሉ እተፈላለየ እዋናት ኣሕሊፋ እያ፣ ነዚ ተመኵሮኣ መሰረት ብምግባር ምስ ርእሰ ብሔር ኤርዶጋን ብዛዕባ ሰላም ንምዝርራብ ምኽኣልና እዚ ኣገዳሲ ረቛሒ ናይዚ ምብጻሕ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን።

ሕቶ፦ ሲዳ ካኔፓ (NTV ብቋንቋ ጣልያን)፦ ቅዱስነትኩም ምስ ርእሰ ብሔር ኤርዶጋን ብዘይካ ወግዓዊ ኣዋጃት ሃገረ ቫቲካን ቱርኪን፣ ብዛዕባ ፍታሕ ክልተ ሃገረት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሓደ ዓይነት ኣቕዋም ስለ ዘለወን፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃዛ ዘሎ ዅነታት ተዘራሪብክም’ዶ? ብዛዕባ ዩክረይንን ቫቲካንን ካብቲ ኣብ መጀመርታ እቲ ኲናት ጀሚሩ፣ መተሓላፊ ረድኤት ካብ ምኽፋት ኣትሒዛ ሃገረ ቱርኪ ዘለዋ ግደ ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ኣጕሊሓ እያ። ስለዚ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዩክረይን ተዅሲ ደው ንምባልን፣ ኣብ ቃዛ ቅልጡፍ ናይ ሰላም መስርሕ ክግበርን ተስፋ ኣሎኩም ዶ?

(ብጣልያንኛ)፦ ብዛዕባ ኽልቲኡ እዞ ግጭታት ብርግጽ ተዛሪብና ኢና። ቅድስቲ መንበር ንሓያሎ ዓመታት ነቲ ናይ ክልተ ሃገራት መፍትሒ ብግህዶ ደጊፋቶ እያ። ኣብዚ እዋን እዚ እስራኤል ነዚ መፍትሒ እዚ ኸም ዘይትቕበሎ ድማ ኵላትና ንፈልጥ ኢና፣ ኰይኑ ግና ነቲ ብቐጻሊ ዝካየድ ዘሎ ግጭታት መፍትሒ ኼቕርብ ዚኽእል እንኮ መንገዲ ጌርና ኢና እንርእዮ።

ንሕና እውን ኣዕሩኽ እስራኤል ኢና፣ ምስ ክልቲኡ ወገናት ከኣ ናብ ፍትሒ ዝመርሕን፣ ንዅሉ ሰብ ብዝያዳ ንምቕራብ ዝሕግዝ ማእከላይ ድምጺ ክንከውን ንጽዕር ኢና።

ብዛዕባ እዚ ምስ ርእሰ ብሔር ኤርዶጋን ተዘራሪብናሉ ኣሎና። ምስዚ ሓሳብ እዚ ብርግጽ ይሰማማዕ እዩ። ሃገረ ቱርኪ ኣብዚ ኩሉ ጉዳያት ተራ ክትጻወት እትኽእል ኣገዳሲ ግደ ኣለዋ።

ከምኡ ውን ኣብ ዩክረይን፣ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ዩክረይንን ሩስያን ዝርርብ ክግበር ስለ ዝኽእል፣ ርእሰ ብሔር ቱርኪ ንኽልቲኦም ወገናት ኣብ ምርኻብ ብዙሕ ሓጊዙ ኢዩ። እቲ ዘሕዝን ግን ገና መፍትሒ ኣይተረኽበን ዘሎ ሎሚ ግን ጭቡጥ ሓሳባት ሰላም ኣሎ። ፕረዚደንት ኤርዶጋን ምስ ፕረዚደንት ሃገረ ዩክረይንን ሩስያንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዘለዎ ርክብ፣ በዚ መዳይ እዚ ዝርርብ ንምድንፋዕ ተዅሲ ናይ ምቁራስ ውዕል ኣብ ምግባር ከምኡውን ነቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ኲናት ብኸመይ ከም ዝፈትሖ ንምርኣይ ክሕግዝ ተስፋ ንገብር።

(ማትዮ ብሩኒ ኤድ) ድሕሪ እቲ ኣብ ኒቅያ እተኻየደ ኣገዳሲ ኢቁናዊ ኣኼባ ሓንቲ ቓል ክዛረብ ሓሳብ ኣቕረበለይ፣ ድሕሪኡ ድማ ትማሊ ንግሆ ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻኢ ክግበር ዝኽእል ኣኼባታት ተዘራሪብና ኣሎና።

ሓደ ካብዚ ድማ ኣብ 2033 ማለት ካብ ዘመነ ድሕነት ድሕሪ ትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ 2,000 ዓመት ጸኒሑ ኪኸውን እዩ። እዚ በዓል እዚ ዅሎም ክርስትያን ምእመናን ክጽንብልዎ ዝደልዩ በዓል ምዃኑ ድማ ንጹር እዩ። እቲ ሓሳብ ሓንጐፋይ ኢሉ ተቐባልነት ረኺቡ ኣሎ። ነቲ ጻውዒት ገና ኣይሰደድናዮን እንተዀነ ግን ምናልባት፣ ኣብ 2033 ኣብ የሩሳሌም ነዚ ዓብዪ ፍጻመ ትንሳኤ ንዝካሩ ተኽእሎ ኣሎ። ነዚ ንምድላው ገና ዓመታት ኣሎና።

ይኹን እምበር እተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያን ስለ ዝነበሩ ኣብቲ ግዜ እቲ ኺሳተፉ ብምኽኣሎም ኣዝዩ ባህ ዜብል ኣኼባ እዩ ዝንበረ።

ንዅላትኩም አመስግነኩም! ክብሉ ውን ቃለ መሕትቶም ዛዘሙ።

01 Dec 2025, 15:14