ድለ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ምስ ርእሰ ብሔር እስራኤል ብስልኪ ተራኺቦም ር.ሊ.ጳ. ልዮን ምስ ርእሰ ብሔር እስራኤል ብስልኪ ተራኺቦም  (REUTERS/Hollie Adams)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ምስ ርእሰ ብሔር እስራኤል ብስልኪ ተራኺቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ድሕሪ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሲድኒ ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ካብ ርእሰ ብሔር እስራኤል ኢሳቕ ሄርዞግ ዝተገብረሎም ናይ ስልኪ ጻውዒት ብምቕባል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንኹሉ ዓይነት ጸረ - ሴማውነት ተግባራት ከም እትኹንን ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ረቡዕ ዕለት 17 ታሕሳስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ክርስትያን በዓል ልደት ንምብዓል ኣብ ዝዳለወሉን ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድ በዓል ሃኑካ ኣብ ዘብዕሉሉን እዋን ካብ ርእሰ ብሔር ሃገረ እስራኤል ኢሳቕ ሄርዞግ ናይ ስልኪ ጻውዒት ከም እተቐበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ እቲ ብስልኪ ዝተኻየደ ዝርርብ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሲድኒ ኣውስትራልያ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ግምት ዘእተወ ኮይኑ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንኹሉ ዓይነት ጸረ - ሴማውነት፡ እዚ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ማሕበረሰባት ኣይሁድን ብሓፈሻ ኣብ ሕብረተሰብን ፍርሒ ዝዘርእ ዘሎ ብጽኑዕ ትኹንን" እንክብሉ ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ኣመላኺቱ፡ ቅዱስነቶም ብተወሳኺ "ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዝተፈላለየ መስርሕ ሰላም ጽንዓት ክህሉ፡ ኣብ መዳይ ሰብኣዊ ረድኤት ዝግበር ጻዕርታት ምሕያልን ቀጻልነቱን ህጹጽ ምዃኑ" ከም ዘስመሩሉን ሰንበት ዕለት 14 ታሕሳስ ክልተ ሰባት ኣብ እዋን ጽምብል ኣይሁድ ሃኑካ ኣብ ገማግም ባሕሪ ቦንዳይ ንዝተኻየደ መደብ ጽምብል ዒላማ ብምግባር ብዝፈጸመዎ ግብረ ሸበራዊ መጥቃዕቲ 15 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 25 ካልኦት ድማ ከም ዝቖሰሉን፡ ንጽብሒቱ ማለት ዕለት 15 ታሕሳስ ቅዱስነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ምስቶም ኣብ ቫቲካን ኦም ልደትን ትርኢት ምውላድ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መብልዒ ማልን ዘወፈዩ ጕጅለታት ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ነቶም ብዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ግዳያት ዝኾኑ ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹን፡ በቲ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ምኽንያት ናብ ናይ ሲንዲ ሊቀ ጳጳጳሳት ኣንቶንይ ፊሸር ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ እውን፡ "እዚ ዓይነት ጸረ-ሴማዊ ዓመጽ ደው ይበል! - ቢሎም - "ጽልኢ ኻብ ልብና ኸነወግዶ ኣሎና" እንክብሉ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም፡ መለኮታዊ በረኸት ሰላምን ብርታዐን ኣብ ልዕሊ ኵሎም ኣውስትራልያውያን" ከም እተማሕጸኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

18 Dec 2025, 17:32