ድለ

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ ኩሎም ሕጻናት ዓለም ብሰላም ይንበሩ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 21 ታሕሳስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያንን ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም መሪሖም ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ራብዓይ ሰንበት ዘመጽኣት ዝተነበ ኣብ ተክለ ሰብነት ቅዱስ ዮሴፍ ዘተኵር ናይ ዕለቱ ወንጌል ኣማእኪሎም ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፡ ቅዱስ ዮሴፍ ምስ ክርስቶስን ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝህሉ ምራኻብ ዝምህር ብፈሪሃ እግዚኣብሔርን ፍቕርንን ምሕረትን ዝተነብረ ክብርታት ዘኪሮም፡ ልደት መድሃኒናን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ እንጽበየሉ እዋን "መቐባሊ መብልዕ ማል፡ ተቐባሊ ኣጋይሽ፡ ምልክት ህላወ ኣምላኽ" ክንከውንን ኩሎም ህጻናት ብሰላም ክነብሩን የተባብዓና፡ እግዚኣብሔር ተልእኾ ዮሴፍ ብሕልሚ ከመይ ገይሩ ከም ዝገልጾ ዘኪሮም፡ እዚ ድማ ዋላ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣቐዲሙ ዝተገመተን ክገጥሞ ዘለዎን ዘይተኣደነ ብድሆታት "ብጥዑይ ተሃዋስን ሰብኣውነትን" ብዓቢ እምነትን ትብዓትን ከም እተቐበሎ የጒልሑ።

ምሕረትን እምነትን ምትእምማንን

ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፡ ዮሴፍ መልኣኽ ነቲ ኣብ ማርያም ዝፍጸም ዘሎ ምስጢር ቅድሚ ምግላጹሉ እውን እንተኾነ፡ ከመይ ጌሩ "ብኣስተውዓልን ገባሪ ሰናይን መንገዲ" ምሕረት ናብኣ ክቐርብ ከም ዝመረጸ ኣዘንትዮም። ነቲ ናይ እግዚኣብሔር መደብ ድሕነት ዝገለጸሉ ሕልሚ ምስ ተመከሮ ድማ ጎይታ ከም መጻምድቲ ድንግል ኣደ መሲሕ ክወስዶ ዘለዎ ተራ ምስ ገለጸሉ ዝኽተሎ "ንጽህናን ልዑልን ስምዒታቱ" ዝያዳ ከም ዝጎለሐ ኣመላኺቶም፡ "ዮሴፍ ብዓቢ ናይ እምነት ተግባር ዋላ ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ዝኾነ ውሕስነት ገዲፉ ናብቲ ሕጂ ፍጹም ኣብ ኢድ ኣምላኽ ዘሎ መጻኢ ይጓዓዝ፥

“ፈሪሃ እግዚኣብሔርን ፍቕርን፡ ምሕረትን ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእስኻ ምሕዳግን: እዚኦም ናይ ሎሚ ሊጡርጊያ ዘርእየና ሰናይ ባህርያት ናይቲ ካብ ናዝሬት ዝመጸ ዮሴፍ እዮም፣ እዞም ሰናይ ባህርያት እዚኣቶም ኣብዘን ናይ መወዳእታ መዓልታት ምጽኣት፣ ናብ በዓል ልደት ከሰንዩና እዮም። ንልቢ ምስ ክርስቶስን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንኽራኸብ ዝምህሩ ኣገደስቲ ኣተሓሳስባታት እዮም። ንሓድሕድና፣ ንፍሲ ወከፍናን፣ ተቐባሊ መብልዕ ማል፣ ተቐባሊ ኣጋይሽ፣ ምልክት ህላወ ኣምላኽ ክንከውን እውን ክሕግዙና ይኽእሉ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

 ኣብነት ቅዱስ ዮሴፍ ምስዓብ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ኣብዚ ናይ ጸጋ ግዜ" ኣብነት ዮሴፍ ተኸቲልና ነቲ ዝገበሮ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎ ይግበኣና: "ይቕረ ምባል፣ ምትብባዕ፣ ነቶም መናብርትናን እንራኸቦምን ንእግዚኣብሄርን ውሉደ እግዚኣብሔር ምዃንና ብጸሎት ንምሕዳስ ኵሉ ብምትእምማን ንዕኡ ሕድሪ እናሃብና፣ "ይቕረ ምባልን ምትብባዕን ተስፋ ምሃብን።

ብእምነትን ብዓብዪ ፍቕርን ንየሱስ መድሓኒ ዓለም ቀዳሞት ዝተቐበልዎ ካብ ድንግል ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ሓገዝ ክንረክብ ንኽእል ኢና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኩሎም ህጻናት ብሰላም ይንበሩ

ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንኹሎም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ፣ ካብ ሮማ ዝመጹ ልዕሊ 1500 ህጻናት፣ ብፍላይ ድማ ካብ ስጳይናን ሆንግ ኮንግን ዝመጹ ካልኦትን ሰላምታ ኣቕሪቦም፡ እቶም ሕጻናት ኣብ ቤቶምን ኣባያቲ ትምህርትን ሰበኻታቶም ቁስምናታቶም ኣብ ዝንበር ትርኢት ልደት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝቕመጥ ምስሊ ሕጻነ እኢየሱስ ባሪኾም፡

"ክቡራት ደቀይ ኣብ ቅድሚ ትርኢታት ልደትኩ ደው ኢልኩም ንሓሳብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እውን ናብ ኢየሱስ ህጻን ጸሎት ገይርኩም ከተቕርብዎ እምሕጸን፡ ብፍላይ ድማ ኩሎም ሕጻናት ዓለም ብሰላም ክነብሩ ብሓባር ንጸሊ። ካብ ልቢ የመስግነኩም! ምስ “እቶም ኣብ ኢድኩም ሒዝክምዎ ዘለኹም ምስልታት ሕጻነ ኢየሱስ  መግለጺታት እምነትና ኣብ ህጻን ኢየሱስ እዮም! ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኩሉ ግዜ ይባርኸኩም። ንኹልኹም ዝተባርኸ ሰንበትን ቅዱስን ሰላም ዝዓሰሎ በዓል ልደትን እምነየልኵም!” ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 Dec 2025, 08:50