ድለ

2025.12.02 Viaggio Apostolico in Libano - Santa Messa presso il Beirut Waterfront 2025.12.02 Viaggio Apostolico in Libano - Santa Messa presso il Beirut Waterfront  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ንክርስትያን ምእመና ሊባኖስ ሕውነትን ሰላምን ክደልዩ ተማሕጺኖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ገማግም ባሕሪ በይሩት ኣብ ዘዕረግዎ ናይ መደምደምታ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ሊባኖስን ማእከላይ ምብራቕን ሰላም ክሰፍን ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ምእመናን ሊባኖሳውያን ዘይምርግጋእን ስቓይን ኣብ ግምት ብምእታው ተባዓት ክዀኑ ውን ተማሕጺኖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰሉስ ንግሆ ኣብ ወደባዊት ከተማ በይሩት መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራግ ሓዋርያዊ ዑደተም ዛዚሞም፣ ኵሉ ሰብ ንሰላም ክዓዪ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ነጋዲ ተስፋ ኰይኖም ናብ ሃገረ ሊባኖስ ከም ዝበጽሑ ብምዝካር "ነዛ ዘይምርግጋእን ውግእን መከራን ዝመልኣ ፍቕርቲ ሃገር" ህያብ ሰላም ክወሃባ ጸልዮም።

"ኣቱም ፍቑራት ክርስትያናት ሌቫንት (ማእከላይ ምብራቕ) ውጽኢት እቲ ንሰላም እትገብርዎ ጻዕርታት እኳ እንተ ደንጐየኩም፣ ናብቲ ዝመጽእ ዘሎ ጐይታ ኽትጥምቱ 

 እዕድመኩም ኣለኹ!" በሉ። "ብተስፋን ብትብዓትን ናብኡ ንጥምት፣ ኵሉ ሰብ ኣብ መገዲ ሓባራዊ ምንባርን ሕውነትን ሰላምን ክጕዓዝ ድማ ንዕድም" በሉ።

"ኢደ ጥበበኛታት ሰላም ኣወጅቲ ሰላም መሰኻኽር ሰላም" ክኾኑ ውን ኣተባብዕዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ማእከላይ ምብራቕ ነቲ ናይ ሕነ ምፍዳይን ዓመጻን ኣተሓሳስባ ንምሕዳስ ከምኡውን ንምክፍፋላት ንምስጋር፡ ዕርቅን ሰላምን ንምህናጽ ሓድሽ ተበግሶ ከም ዘድልያ ውን  ገሊጾም።

"እቲ ኣብ ዘስካሕክሕ ኲናት ዘሎ ሓባራዊ ጽልእን ዕንወት ዝመልኦን መገዲ ኣዝዩ ነዊሕ ኢዩ፣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅሉ ሰብ ድማ ዘሕዝን ሳዕቤን ኣለዎ" በሉ። "ኣንፈት ክንቅይር ኣሎና፣ ንልብና ሰላም ከነሰልጥኖ ኣሎና" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ውን ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምእንቲ ማእከላይ ምብራቕን ምእንቲ ዅሎም እቶም ብኲናት ዝሳቐዩ ህዝብታትን ጸልዮም።

ኣስዒቦም ድማ "ነቲ ኣብ ጊኒ-ቢሳው ዘሎ ፖለቲካዊ ግጭታት ሰላማዊ ፍታሕ ንኽረክብ እውን ተስፋ እገብር" ክብሉ ዘከርዎም። "ነቶም ግዳያትን ፍቑራት ስድራቤቶምን ኣብ ሆንግ ኮንግ ዘጋጠመ ባርዕ እውን ኣይርስዕን ኢየ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፍላይ ምእንቲ ሊባኖስ ጸለዮም፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ፖለቲከኛታትን ድማ ኣብ ኵሉ እቲ ብውግእን ዓመጽን ዝዓነወ ቦታታት ዝርርብን ዕርቅን ንምድንፋዕ ጻዕሪ ክገብሩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ ክርስትያን ምእመናን ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ ተባዓት ኪዀኑ ተማሕጸንዎም።

"ኣብ መወዳእታ ንዓኻትኩም ኣቱም ክርስትያን ዞባ ሌቫንት ዜጋታት እዘን ሃገራት እዚኣተን፣ ብዅሉ መዳያት ደጊመ እደግመልኩም ኣሎኹ፣ ኣጆኾም ተባዕ ኩኑ!" በሉ። መላእ ቤተ ክርስቲያን ብፍቕርን ብኣድናቖትን እያ እትጥምተኩም። ቅድስት ድንግል ማርያም ወትሩ ትሓሉኹም! ክብሉ ብምምራቕ እውን ስብከቶም ዛዛሙ።

03 Dec 2025, 10:34