ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ሊባኖስ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ምስክር ኮይና ትቕጽል
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ቤሩት ኣብ ኣደባባይ ሰማእታት ኣብ ዝተኻየደ ኤቁመናዊን ውስጠ ሃይማኖታውን ዓውደ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ክብሪ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ንምርግጋጽ፡ ብመለኮታዊ ፍቕሪ ዝተደፋፍአ ዘተ ንምዕባይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘለዋ ድሌት ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ "ብነብያት ብሉይ ኪዳን ልዕል ዝበለት ዝተባረኸት ምድሪ ነዋሕቲ ቄድሮስ ዝዕንብበላ ኣብ ትሕቲ ንቑሕ ኣዒንቲ ሰማይ ናይ ጻድቃን ነፍሳት ዝረኣዩላ” እንክብሉ ኣበጊሶም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2012 ኣብ ቤሩት ኣብ ዝኸተምዎ Ecclesia in Medio Oriente - ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ቤተ ክርስቲያን ምስ ሰዓብቲ ካልኦት ሃይማኖታት ክትዝትይ ኣለዋ እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ብዙሓት መእዘኒን ደወል ቤተክርስትያንን እታ ሃገር ጎኒ ንጎኒ ደው ኢሎም፡ ህዝቢ ሊባኖስ ኣብቲ ሓደ ኣምላኽ ዘለዎም ነባሪ እምነትን ተወፋይነትን ዝምስክሩ ምዃኖም ኣስተብሂሎም፡ “ኣብዛ ፍቕርቲ ምድሪ፡ ነፍሲ ወከፍ ደወል፡ ነፍሲ ወከፍ ኣድሃን፡ ነፍሲ ወከፍ ጻውዒት ጸሎት ናብ ሓደ፡ ልዕል ዝበለ መዝሙር ይወሃሃድ - ነቲ መሓሪ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ንምኽባር ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመለኮታዊ ህያብ ሰላም ልባዊ ጸሎት ክብ ንምባል እውን . . . ኣብ ዝሓለፉ ሓያሎ ዓመታት “ኣጸጋሚ ጉዕዞን ክቡር ህያብ ሰላም ንምድላይ ዘየቋርጽ ጻዕርን” ዓለም ትዕዘብ ከም ዘላ ኣመልኪቶም፡ ኣብቲ ዞባ ዝተሓላለኸ ግጭታት እኳ እንተሃለወ፡ ህዝቢ ሊባኖስ ዘይምትእምማንን ጽልእን ናይ መወዳእታ ቃል ከምዘይብሉ ሓያል መዘኻኸሪ ብምሃብ ሰላም ተኻኣሊ ምዃኑ ይምስክር። “ኣብ ማእከል እዚ ቃልስታት እዚ፡ ኣብቲ ዝጥርንፈና: ናይ ሓባር ሰብኣውነትናን ኣብ ናይ ፍቕርን ምሕረትን ኣምላኽ ዘሎና እምነትን ምስ እነተኵር ናይ ተስፋን ምትብባዕን ስምዒት ክርከብ ይከኣል፡ ክርስትያን፣ ኣስላም፣ ድሩዛውያንን ካልኦት ሃይማኖታት ብሓባር ዝነብሩን ብምክብባርን ዘተን ዝተጠርነፈት ሃገር ንምህናጽ ይጽዕሩን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብ ግደ ቤተ ክርስቲያን ምልስ ቢሎም፡ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ንኩሎም ካቶሊካውያን ኣብ ፍቕሪ ኩሉ እምነታት ዘለዎም ሰባት ሱር ዝሰደደ ኣኽብሮት ከርእዩ ይዕድም፡ “ብመለኮታዊ ፍቕሪ ዝተደፋፍአ ዘተ፡ ንኹሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባት ክሓቁፍ፡ ንጽልኢ፡ ኣድልዎን ስደትን ክነጽግ፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ወዲ ሰብ ማዕረ ክብሪ ከረጋግጽ ይግባእ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ካብ ዝኾነ ዶብ ወጻኢ ህላወ እግዚኣብሔር ካብ ምርካብ ዝዓብን ኩሉ ህዝቢ ብኣኽብሮትን ብትሕትናን ብሓባር ንኣምላኽ ክደሊ ዝዕድም ምዃኑ ወሲኾም ብምዝኽካር፡ ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ኣግራብ ቄድሮስ ብምዝካር፡ ነቲ ዘለዋ ብዙሕ ኣእዋም ብምምልካት “ዘይሕለል ምልክት ዕርቅን ሰላምን” እንክብሉ ገሊጾም፡ “ነዊሕ ዕድሚኣን ኣብቲ ዝኸበደ ሃዋህው ከይተረፈ ክትዕንብብ ዘደንቕ ዓቕምን፡ ጽንዓትን ተስፋን ዘመልክትን፡ ሰላማዊ ሓባራዊ ህይወት ንምሕብሓብ ዘድሊ ጽኑዕ ተወፋይነት ዘንጸባርቕን እዩ። ካብዛ ኦም እዚኣ ዚፍውስ ዘይቲ ይውሕዝ፡ ማለት ንኣካላውን መንፈሳውን ቍስሊ ዚኸውን ነቲ ደረት ኣልቦ ርህራሄ ኣምላኽ ንዅሎም ዚሳቐዩ ሰባት ዝፍውስ መድሃኒት ዘመልክት እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መላእ ዓለም ሊባኖሳውያን ስደተይናታት ምህላዎምን እምነትን ሰላም ንምህናጽ፣ ዘይምጽውዋር ንምግጣም፣ ዓመጽ ንምስዓር፣ ንኹሉ ናብ ፍትሒ ዝወስድ መንገዲ ንምርኣይ ዝግበር ጸዋዕታ ዝውክል እዩ - ቢሎም - "ኣብ ሃገርኩም ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ መላእ ዓለምን ውህበት ዕርቅን ሰላማዊ ሓባራዊ ናብራን 'ከምቶም ካብ ሊባኖስ ዝውሕዝ ወሓይዝ' ምእንቲ ኺውሕዝ ንዅላቶም ተስፋን ሓድነትን ምእንቲ ከምጽእ ፍቕራውን ኣደን ሕቝፊ ድንግል ማርያም ኣደ የሱስን ንግስቲ ሰላምን ንነፍሲ ወከፍኩም ይመርሓኩም" እንክብሉ ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
