ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፦ ኢዮቤል ኣብ ዝዛዘመሉ እዋን እውን እንተኾነ ብቐጻሊ ናይ ተስፋ ነጋድያን ኢና

ዓመተ ኢዮቤል ኣብ ዝዛዘመሉ ዘሎ እዋን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ እቲ ዝዓሞቐ ህያብ ናይዚ ቅዱስ ዓመት ነባሪ ምዃኑ ዕለት 20 ታሕሳስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝተረክብሉ ጉባኤ ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዮቤል ብምዝኽካር፡ ተስፋ ንጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምቕራጽ ዝቕጽል ከም ዝኾነን፣ ምመናን ሕይወትን ህዳሴን ዘመንጭዉ ነጋድያን ኮይኖም ክቕጽሉ ድማ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 13 ታሕሳስ ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዮቤል እቲ ኣነነቓቒሖ ንግደት ከምዘይውዳእ ንምመናን ኣዘኻኪሮም ከም ዝነበሩን፡ ኣብዚ ዕለት 20 ታሕሳስ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ርክስቶስ ኢዮቤል ልስል ቢሎም ብምዝካር “ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ናብ ምዝዛም ገጹ የብል ኣሎ፣ እዚ ዓመት ዝሃበና ተስፋ ግን ኣይውዳእን እዩ: ናይ ተስፋ ነጋድያን ኮይንና ድማ ክንቕጽል ኢና” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም ብዛዕባ እቲ ዝቐረበ ጽምብል በዓል ልደት ብዝምልከት ሓሳብ ኣስተምህሮኦም ኣበጊሶም፡ ካብ ፍርሒ ዘይኮነስ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገልጸ ቅርበት እግዚኣብሔር ዝሰረተ ትርጉም ክርስትያናዊ ተስፋ እንከሰንትኑ፡ ብዘይ ክርስቶስ “ጐይታ ቀሪቡ ኣሎ” ዝብል ኣዋጅ ስግኣት ክመስል ከም ዝኽእል ኣስተብሂሎ፤ ፣ቕራብ ጎይታ ኣብ ኢየሱስ ግና መብጽዓ ምሕረት ይኸውን። “ኣብኡ ይቕሬታ እምበር ስግኣት የሎን” እንክብሉ ሚስጢር ስጋዌ ከም ናይ መወዳእታ ምልክት ናይቲ ህይወት ዚህብን ብቐጻሊ ዜሐድሶን ኣምላኽ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ የመላኽት።

ብዘይ ተስፋ ምንባር ሞት እዩ

ቅዱስ ጳውሎስ ንሮማውያን “ብተስፋ ኢና ዲሕንና” ዝብል እንክብል ዝተዛረቦ ቃል ብምጥቃስ ቅዱስነቶም ተስፋ ዘይንጹር ስምዒት ዘይኮነስ ህያው፣ ፈጣሪ ሓይሊ ምዃኑ ገሊጾም። “ብዘይ ተስፋ ሙታን ኢና፡ ብተስፋ ናብ ብርሃን ንመጽእ” . . . ተስፋ ከም ሓደ ቲዮሎጊያዊ ባህርይ፡ “ሓይሊ ኣምላኽ” ህይወት ዘምጽእ ተባሂሉ እዩ ዝግለጽ።

ሓቀይና ሓይሊ ኣብ ዕብለላ ይኹን ኣብ ፍርሒ ከምዘይምርኮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገሊጾም፡ “ዘስግእን ዝቐትልን ሓይሊ ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ ትዕቢት ቍጡዕ ፍርሒ፣ ገለ ነገር ዘየመንጩ ክፍኣት እዩ - ቢሎም - ብኣንጻሩ ሓይሊ ኣምላኽ “ወላድ እዩ” በዚ ምኽንያት እዚ ድማ “ተስፋ የፍርይ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣውያት ምድርን ኣውያት ድኻታትን ስምዑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ናብቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝገለጾ እህህታ ፍጥረት ዝብል ቃል ምልስ ቢሎም፡ ነቶም ምእመናን "ኣውያት ምድርን ኣውያት ድኻታትን" ተጠንቂቖም ክሰምዑ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ሃብቲ ኣብ ኢድ ሒደት ሰባት ኣብ ዝበሓተሉ ዓለም ዘሎ ዘይፍትሓውነት ተግባራት ዘሕድረሎም ጓሂ ገሊጾም። ኣምላኽ ጸጋታት ተፈጥሮ ንኹሉ እዩ ፈጢርዎ እንክብሉ ኣዘኻኺሮም፡ "ዕዮና ምምሕዳር ደኣ እምበር ምምንዛዕ ኣይኰነን" ከም ዝበሉ ዜና ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ታሪኽ ኣብ ኢድ እግዚኣብሔርን ብእኡ ተስፋ ዝገብሩን እዩ

መከራ እውን ከይተረፈ ኣብ እምነት ሓድሽ ትርጉም ከም ዝሕዝ ኣስተብሂሎም: “መከራ ሕርሲ” ይኸውን። እግዚኣብሄር ምፍጣር ይቕጽል ኣሎ፣ ደቂ ሰባት ድማ ብተስፋ ዝጸንሑ ኣብቲ ፈጠራዊ ስራሕ ክተሓባበሩ ይጽውዑ። “ታሪኽ ኣብ ኢድ ኣምላኽን ብእኡ ተስፋ ዝገብሩን እዩ - ምስ በሉ - ቅዱስነቶም ብዛዕባ ማርያማዊ ሸነኽ ክርስትያናዊ ጸሎት ከስተንትኑ ከለዉ፡ ሕይወት እትህብ ናዝራዊት ማርያም ህያው ምስሊ ተስፋ ምዃና ኣመልኪቶም፡ ኣብኣ፡ ኣመንቲ “ሓደ ከማና ዝኾነ ዝተወልደ፡ ንቃል ኣምላኽ ውጅህን ስጋን ድምጽን” ዝሃበ ይርእዩ። “ኢየሱስ ዳግማይ ክውለድ እዩ ዝደሊ። ስጋን ድምጽን ክንህቦ ንኽእል ኢና። እዚ ፍጥረት ዝጽበዮ ሕርሲ እዩ። ተስፋ ምግባር ማለት እዛ ዓለም እዚኣ ናይ ኣምላኽ ዓለም ክትከውን ምርኣይ ማለት እዩ” እንክብሉ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኢዮቤል ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

20 Dec 2025, 17:22