ድለ

2025.12.22 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ትሕትናን ገርሀይናነትን ቅዲ ቤተ ክርስቲያን ክኸውን ይላበው 2025.12.22 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ትሕትናን ገርሀይናነትን ቅዲ ቤተ ክርስቲያን ክኸውን ይላበው   (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ትሕትናን ገርሀይናነትን ቅዲ ቤተ ክርስቲያን ክኸውን ይላበው

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ድሕሪ ምስ ኵርያ ሮማና ዘካየድዎ ርክብ ምስ ሰራሕተይናታትን ኣባይቲ ስድራን ቫቲካን ናይ ርሑስ በዓለ ልደት ምንዮት ንምልውዋጥ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ተራኺቦም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ኣብዚ በዓል ልደት ካብቲ ናይ ጉይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ተራን ትሕትናን ክመሃሩን እዚ ድማ ቅዲ ቤተ ክርስቲያን ክኸውንን ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንሰራሕተይናታት ሃገረ ቫቲካን ካብ ልደት ኢየሱስ ኣብዚ በዓል ልደት እዚ ገርሀይናነትን ትሕትናን ክመሃሩ ከምኡውን "እዚ ኣብ ኵሉ መግለጺታት ኣባይቲ ጽሕፈት ቤተ - ክርስትያን ብሓባርን ብውልቅን ክንበር ኣለዎ" እንክብሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ቅዱሰነቶም ዕለት 22 ታሕሳስ ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ነቶም ሰራሕተይናታት ሃገረ ቫቲካንን ኵርያሮማናን ቤት ጽሕፈት ህየንተ ሰበኻ ሮማን ምስ ኣባላት ስድራኦምን ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ንኹሎም “ዓባይ ቅንስል ኣብያተ ጽሕፈታትን ኣገልግሎታትን” እንክብሉ ገሊጾም፡ ነቶም ኣብቲ ኣዳራሽ ዝተረኽቡ ስለ እቲ ምዉቕ ኣቀባብኦምን ዕዮኦምን ኣመስጊኖም። "በብቑሩብ ብሓገዝ እግዚኣብሄር ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ስራሕ ቦታታት ብምብጻሕ እውን ክረኽበኩም ዝኽእል ይመስለኒ - ቢሎም - “በጃኹም ኣብ ገዛኹም ንእትፈትውዎም ሰባት ሰላምታይ ኣመሓላልፉለይ፤ ብፍላይ ንኣረጋውያንን ሕሙማትን! ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ምእንታኦም ከም ዝጽልኡ” ድማ ረእጋግጹሎም ሓደራ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ብመዓልታዊ ሕይወትኩም ኣቢልኩም ንኣምላኽ ክብሪ ምሃብ

ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ ታሪኽ ኣብ ናይ ልደት ትርኢት እተወሰኹን መዓልታዊ ናብራ ዘመልክቱን እተፈላለዩ ገጸ - ባህርያት ዘርዚሮም፡ ገለ ካብቲ ኣተፈላለዩ ገጸ ባህርያት ምሉእ ብምሉእ ጠፊኡ እኳ እንተ ዀነ ኣብ ውልደት ዚርአ ትርኢታት ግን ኣገዳሲ ትርጕም ዘለዎ ምዃኑ ብምዝኽካር፡ "ኵሉ ንጥፈታትናን መዓልታዊ ዕዮናን ኣብቲ ማእከል ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዀነ መደብ ኣምላኽ ምሉእ ትርጕሙ ኸም ዚረክብ የዘኻኽሩና" እንክብሉ ኣብሪሆም፡ እቲ ሕጻን ኢየሱስ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ንዅሉ ዚባርኽ እዩ ዚመስል። ህዱእን ትሑትን ህላወኡ ለውሃት ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ቦታ ዝዝርግሕ፡ ማርያምን ዮሴፍን ጓሶትን ልደት ኢየሱስ የፍርሆም እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ካልኦት ገጸ - ባህርያት ግን ዕዮኦም ይቕጽሉ ከም ዝነበሩ ኣጒሊሖም፡ ካብዚ ኣገዳሲ ፍጻመ እዚ ርሒቖም ኪመስሉ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ ከም ሓቂ ግን ኣብ ቦታኦም ብምጽናሕን ዕዮኦም ብምፍጻምን ይሳተፉ ከም ዝነበሩ ኣስተብሂሎም፡ "እዚ ኣብ ናይ ስራሕ ሂወትና እውን ሓቂ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ኢለ ኽሓስብ እደሊ፡ ነፍሲ ወከፍና ዕዮታትና ንፍጽም ብጽቡቕ ብምፍጻምና ከኣ ንኣምላኽ ነመስግኖ - ቢሎም - "ሓድሓደ ግዜ ኣብ ስራሕና ኣዚና ስለ እንወሓጥ ብዛዕባ ጐይታ ወይ ብዛዕባ ቤተ - ክርስትያን ኣይንሓስብን ኢና፡ የግዳስ ብተወፋይነት ምዕያይ ዝከኣለና ንኽንገብር እንፍጽሞ ጻዕሪ ንዓኻትኩም ምእመናን ንስድራ ቤትኩምን ንደቅኹምን ብምፍቃር እውን እትፍጽምዎ ብምዃኑ ንጐይታ ክብሪ ይህብ።"

23 Dec 2025, 09:04