ድለ

2025.12.11 ር.ሊ.ጳ. ልዮን፡ ባህላዊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ፡ ድልድል ክሃንጽን ንጽልኢ ክብድህን ይኽእል እዩ 2025.12.11 ር.ሊ.ጳ. ልዮን፡ ባህላዊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ፡ ድልድል ክሃንጽን ንጽልኢ ክብድህን ይኽእል እዩ  (@VATICAN MEDIA)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን፡ ባህላዊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ፡ ድልድል ክሃንጽን ንጽልኢ ክብድህን ይኽእል እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 መበል 100 ዓመት ዝኽሪ ጳጳሳዊ ተቕዋም ክርስትያናዊ ስነ ጥንቲ ምኽንያት ንናይቲ ተቕዋም ተማሃሮን መምህራንን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፡ ኣብ ባህላዊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ክዋፈሩ፣ ብስርሖም ከም መጋበርያ ኤቍመናዊ ኪደት ኮይኖም ከገልግሉን ናይ ኤውሮጳ ክርስትያናዊ ሱር መዘኻኸሪ ክኾኑን ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ኣብ ባህላዊ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ብምስታፍ ናይ ጳጳሳዊ ተቕዋም ክርስትያናዊ ስነ ጥንቲ ተመሃሮን መምህራንን ድልድል ክሃንጹን ጽልኢ ክብድሁን ኣተባቢዖም። ብመንጽር እዚ ዝኽሪ ቅዱስነቶም ምስ ናይቲ ተቕዋም ጉጅለ ማምሃራንን ተመሃሮን ዕለት 12 ታሕሳስ ኣብ ዝተራኸብሉ ዕለት "ብዛዕባ ኣገዳስነት ስነ ጥንቲ" ኣማኣኪሎም ዝጸሓፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 11 ኣብ 1925 ጳጳሳዊ ተቕዋም ክርስትያናዊ ስነ-ጥንቲ ክምስረት ከም ዝወሰኑ ብምዝኽኻር፣ እዚ ድማ ናብቲ ዝነበረ ጳጳሳዊ ሽማግለ ጉዳያት ቅዱስ ስነ-ጥንትን ጳጳሳዊ ሮማዊ ስነ ትምህርቲ ስነ-ጥንትን ዝወሰኽዎ ኣገዳሲ ተቕዋም ምዃኑ ኣብሪሆም፡ “ካብ ነፍሲ ወከፍ ሃገርን ዞባታትን ንዝመጹ ወለንተይናታት መንእሰያት ናብ ስነ ምርምራዊ መጽናዕትን ምርምርን ክርስትያናዊ ጥንታዊ ንብረት ንምቕናዕ” ብዝብል ፒዮስ በለ 11 ብዝነበሮም ፍሉይ ናይ ተከታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን The Primitive Cemeteries - ጥንታዊ መካነ መቓብር  ብዝብል ኣርእስቲ ከም ዝመስረትዎ እውን ኣዘኻኺሮም፡ “ድሕሪ ሓደ ዘመን እዚ ተልእኾ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ህያው ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ብኸፊል ምስጋና ናይቲ ኣብ ክርስትያናዊ ስነ-ጥንቲ ዝካየድ ኣህጉራዊ ዋዕላታት፡ በዚ ኣቢሉ እቲ ተቕዋም ናይ ታሪኻዊ ስነ-ፍልጠት ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ክርስትያናዊ እምነትን መንነትን መለለዪ ብዝኾነ ስነ-ፍልጠታዊ መጽናዕትታት ኣቢሉ የስፍሕ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብባህሊ ኣቢልካ ንኣህዛብ ዘራኽብ ድልድል ምህናጽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ተመሃሮን መምህራንን ብመጽናዕቶምን ስርሖምን ኣቢሎም “ኣብቲ ናይ ሎሚ ዓለም ኣዚዩ ዘድልያ” ኣብ ባህላዊ ስነ ሜላዊ  ክሌኣዊ ርክብ ክዋስኡ ኣተሓሳሲቦም፡ "መንፈስ ወዲ ሰብ ብባህሊ ኣቢሉ ንዶባት ኣህዛብ ሰጊሩ፡ ነቲ ናይ ጽልኢ መሰናኽላት ሰጊሩ ገዛእ ርእሱ ኣብ ኣገልግሎት ሓባራዊ ረብሓ የቐምጥ" እንክብሉ ብኣጽንዖት ኣስተብሂሎም፡ “ንስኻትኩም እውን ድልድላት ኣብ ምህናጽ፡ ርክባት ኣብ ምዕባይን ስኒት ኣብ ምሕብሓብን ኣበርክቶ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም።” ብተወሳኺ እቲ ተቕዋም ብኸመይ “ኣብ መንጎ ሰላምን ተስፋን ብዝበለጸ ተሰሪቱ” ከምዘሎ ኣመልኪቶም፡ ኣብ 1925 ኣብ ቤተ ክርስቲያን “ኢዮቤል ሰላም” ኣብ ዝጸንበለትሉ ዓመት ዝተመሰተ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ሕጂ ድማ ሎሚ ዓመት ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ዝኽሪ መበል 100 ቅዋመኡ የብዕል ከም ዘሎን፡ “ኹዕቶታታትኩምን መጽናዕትኹምን ኣብ እተካይድሉ ቦታ ተሰከምቲ ሰላምን ተስፋን ኢኹም፣ ምእንቲ ነቲ ጻዕዳን ቀይሕን ሰንደቕ ዝሕብሩ ምስሊ ሕያዋይ ጓሳ ዝተነብሮ መለለይኹም ከተረጋግጽዎ፡ ከም ተሰከምቲ ፍልጠትን ስነ ምርምርን ጥራይ ዘይኮነ፣ ከም ኣብሰርቲ ሰላም እውን ማዕጾታትን ገዛእ ርእስኹምን ንክትከፍቱ ዝዕድም እውን እዩ” እንክብሉ ነቲ ናይቲ ተቕዋም መለለዪ ከም ዘብርሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንኤቍመናዊ ዘገልግል ክቡር መሳርሒ

ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክርስትያናዊ ስነ-ጥንቲ ብሰንኪ እቲ ዘተኮረሉ ታሪኻዊ ዘመን “ንኤቍመናዊ ክቡር መሳርሒ” ክኸውን ከም ዝኽእል ጠቒሶም፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ቱርኪ ዝገበርዎ ሃዋርያዊ ጕዕዞ ከም ኣብነት ኣቕሪቦም፣ ኣብኡ ድማ ዕለት 28 ሕዳር ምስ ካልኦት ክርስትያን ተወከልቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ኒቅያ - ኣብዚ እዋን እዚ ብኢዝኒክ ኣብ እትጽዋኦ ከተማ ኣብ ዚርከብ ጥንታዊ ቤተ ክርስትያን ብምጽላይ መበል 1,700 ዓመት ዋዕላ ኒቅያ ከም ዘብዓሉ ዘኪሮም፡ "ህላወ ቅርሲ ጥንታውያን ህንጻታት ክርስትና ንኹላትና ዘንቀሳቕስን ዝድርኽን እዩ - ምስ በሉ - ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ብምትሕብባር ብዝገብርዎ ጥንታዊ ስነ መጽናዕቲ ክርስትና ኣቢሎም ናይ ሓባር መበቆል ከተለለዩን፡ በዚ ኸኣ ባህጊ ምሉእ ሓድነት ከተዕብዩ ትኽእሉ፡” ብተወሳኺ ኣብዚ ዓውዲ መጽናዕቲ “ክርስትያን” ዝብል ቅጽል መግለጺ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያ ዘይኰነስ “ነቲ ስነ-ትምህርቲ ንባዕሉ ብናይ ገዛእ ርእሱ ስነ ፍልጠታውን ሞያውን ክብሪ ብቑዕ ከም ዝገብሮ” ኣስሚሮም፡ በዚ ኸምዚ ድማ ንዕዮታቶም ንዝከታተሉ ህዝብታት "ጠበቓታት ፍልዩነት” ክኾኑ ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ክርስትያናዊ ስነ-ጥንቲ ንኤውሮጳ ኣገዳሲ እዩ

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ዓውዲ መጽናዕቲ ብፍላይ ንሃገራት ኤውሮጳ ብኸመይ ኣገዳሲ ምዃኑ እንከጒልሑ፡ ብዛዕባ ሓባራዊ ክርስትያናዊ ሱር ኣህዛብ ኤውሮጳ ” ዝብል ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎድ ዳግማዊ ኣብ 1981 ዓ.ም. ዘስምዕዎ መደረ ጠቒሶም፣ ኣብኡ ድማ “ኤውሮጳ ክርስቶስን ወንጌልን የድልያ፣ ምኽንያቱ ሱር ኩሎም ህዝባ ኣብዚ ስለ ዝኾነ፣ ነዚ መልእኽቲ’ዚ እውን እተስተውዕሉ ኩኑ! ዝበሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ "ሓደ ኻብቲ መበቈል ሕብረተሰብን ሃገራትን ኣውሮጳ ዝኾነ ክርስትና ኣብ ስነ-ጽሑፍን ሓወልትታትን ምንጭታትን ይርከብ" ብምባል ዕዮ እቶም ተመራመርቲ ስነ-ጥንቲ ነቲ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንዘቕረብዎ ጻውዒት ምላሽ ዝህብ ምዃኑ ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 Dec 2025, 17:19