ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመንእሰያት፡ ኣብዚ በዓል ልደት ሰብ ሰላም ኣስፍሑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ መንሰያት ኣባላት ማሕበር ካቶሊካዊ ተግባር ኢጣልያ ቅድሚ ልደት ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ መደረ ሰላም ዘይዕደግ ክቡር ህያብ ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን እንክሕብር፡
"እዚ ሰላም ኩላትና ብግጭት ንዝቖሰሉ ኣህዛብ ንብህጎ ኢና፡ እንተኾነ ግን ስኒትን ምክብባርን ካብ መዓልታዊ ዝምድናታትና፡ ኣብ ገዛና፡ ኣብ ሰበኻታትና፡ ምስ መማህርትና፡ ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈታትና ካብ ቃላትና ዝጅምር እንለዋወጦ ጭቡይ ኵነት ምዃኑ ንዘክር" ከም ዝበሉ የመላኽት።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልደት ክርስቶስ - ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ትንቢት ኢሳይያስ " መስፍን ሰላም" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ምዃኑን እዚ ድማ - ሓቀይና ትርጉም ናይዚ ቃል ዝገልጽ ምዃኑ ኣስሚሮም፣ "እዚ ድማ ውግእ ዘይምህላው ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኣብ ፍትሒ ዝተመርኮሰ ዕርክነት እዩ፡" ሰላም "ብሓቂ ኣብ ልቢ ጥራይ ክርከብ ዝኽእል ህያብ" እዩ ቢሎም፡ "ብብሉጽነት 'ካቶሊካዊ ተግባር' ክድንፍዕ ኣለዎ፡ ምኽንያቱ እቲ በጃ ዓለም ዝኾነ ኢየሱስ መሰኻኽር ዝገብረና ምልክት ስለ ዝኾነ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሰላም ምእንቲ ከነስፍሕ ኣብ ቅድሚ ትርኢት ልደት ንጸልይ
ኣብ ኣባይትን ኣብያቲ ትምህርትን ሰበኻታትን ኣብ ዝንበሩ ትርኢታት ልደት ምርኣይ፣ "ኣብ ዙርያ እቲ ከድሕነና ሰብ ዝኾነ ጎይታ ንኹሉ ሰብ ቦታ ከምዘለዎ! ከስተውዕሉ" ተላብዮም፡ ናይ 2025 ዓ.ም. ናይ ጉጅለታት መንእሰያት ካቶሊካዊ ተግባር መርሕ ቃል እውን "ንኹሉ ሰብ ቦታ ኣሎ" ዝብል ምዃኑ ብምዝኽካር፡ ጎይታ "ንነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሕጻን፡ ንመንእሰይ፡ በጽሕታትን ኣረጋውያንን ቦታ ይህብ" እንክብሉ ብኣጽንዖት ገሊጾም፡ "ወዲ ኣምላኽ ናብ ዓለም ክመጽእ እንከሎ ኣብ ኣባይቲ ቦታ ኣይረኸበን፡ እንታይ ደኣ ልክዕ ከምቲ ናቱ ክፉት ዝኾነ ንኹሉ ብፍቕሪ ክቕበል ልብና ይኹሕኩሕ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ንቅዱሳን ካርሎ ኣኩቲስን ፒየር ጆርጅዮ ፍራሳቲን ጠምቱ
ቀጺሎም ቅዱስነቶም መንእሰያት ካቶሊካዊ ተግባር ኣብ ፊት ትርኢታት ልደት ክጽልዩ እንከለዉ ከምቶም ንኹሉ ክብርን ሰላምን ኣምላኽ ዝእውጁ መላእኽቲ ክኾኑ ሓቲቶም፡ "እዚ ሰላም እዚ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰናይ ድሌት ዘለዎ ሰብ ተወፋይነት እዩ፡ ብፍላይ ድማ ናይቶም ጽቡቕ ንኽንህሉ ዝደልዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ መዓልታዊ ዝሓሸ ክንከውን ዝተጸዋዕና ክርስቲያን ተወፋይነት እዩ" እንክብሉ ኣመልኪቶም። ንመንእሰያት ኣብነት ናይ ቅዱስ ፒየር ጆርጆ ፍራሳቲ ኣባል ካቶሊክ ተግባርን ከምኡውን ቅዱስ ካርሎ ኣኩቲስ ክስዕቡ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ከምኣቶም ብምዃን እተበስርዎ ሰላም ብሩህ ኪኸውን እዩ፣ ከመይሲ ምስ ኢየሱስ ኴንኩም ንጻይኩም ብፍላይ ከኣ ነቶም እተሸገሩ ንኽትበጽሕዎም ድሉዋት ስለ ዝዀንኩም ናይ ሓቂ ናጻን ሕጉሳትን ክትኰኑ ኢኹም" እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
