ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንጳጳስ ሪቻርድ ሞዝ ሊቀ ጳጳሳት ዌስትሚንስተር እንክብሉ ሰምዮም ር.ሊ.ጳ. ንጳጳስ ሪቻርድ ሞዝ ሊቀ ጳጳሳት ዌስትሚንስተር እንክብሉ ሰምዮም 

ር.ሊ.ጳ. ንጳጳስ ሪቻርድ ሞዝ ሊቀ ጳጳሳት ዌስትሚንስተር እንክብሉ ሰምዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካርዲናል ቪንሰንት ኒኮልስ ዘቕረብዎ ናይ ልሂቕነት ሕቶ ኣጽዲቖም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንጳጳስ ሪቻርድ ሞዝ ሓድሽ ሊቀ ጳጳሳት ኣብ ዌስትሚንስተር እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 19 ታሕሳስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ብካርዲናል ቪንሰንት ጀራርድ ኒኮልስ ሕገ ቀኖና ከም ዝእዝዞ ብዕድመ ገደብ መሰረት ካብ ናይ ሜጥሮጶሊታን ርእሰ ሰበኻ ዌስትሚንስተር ዓዲ እንግሊዝ ጉስነታዊ ምሕደራ ስልጣኖም ክለቑ ዘቕረብዎ ናይ ልሂቅነት ሕቶ እወታዊ መልሲ ብምሃብ ንሊቀ ጳጳሳት ሪቻርድ ሞዝ ሊቀ ጳጳሳት ርእሰ ሰበኻታት ዌስትሚንስተር እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሓጺር ታሪኽ ህይወት

ሊቀ ጳጳሳት ቻርለስ ፊሊፕ ሪቻርድ ሞዝ ዕለት 8 ሓምለ 1958 ኣብ ዛምብያ ከተማ ቺንጎላ ዝተወልዱን መባእታውን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቶም ኣብ ከንት ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣጠናቒቖም

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከተማ ዎነርሽን ሱረይን ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ዝተኸታተሉን ከምኡውን ኣብ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ጳውሎስ ኦታዋ ብሕገ ቀኖና ካልኣይ ናይ ትምህርቲ ማዕርግ ከም ዝረኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ዕለት 3 ሓምለ 1982 ኣብ ናይ ሜጥሮጶሊታን ርእሰ ሰበኻታት ሳውዝዋርክ ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎም፡ ከም ካህን ኣብ ርእሰ ሰበኻታት ሳውዝዋርክ ኣብ እተፈላለየ ጽፍሕታትን ሓላፍነትን፥ ገለ ኻብዚ ሓፈሻዊ ተራዳኢ፡ ናይ ሜጥሮጶሊታን ቤት ፍርዲ ቀዳማይ ኣቦ መንበር፤ ኣብ ከኒንግተን ናይ ሓይሊ ምክልኻል ክፍሊ ሕክምና ቤተ ጸሎት ሓላፊ; ናይ ብሕቲ ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት፤ ናይ ሊጡርጊያ መምህርን ኣብ 2001 ናይ ሜጥሮጶሊታን ሊቀ ጳጳሳት ሳውዝዋርክ ተራዳኢ ሊቀ ጳጳሳት ተሸይሞም ድሕሪ ምግልጋል ዕለት 25 ሓምለ 2009 ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ወተሃደራዊ ስርዓት ሊቀ ጳጳሳት ክኾኑ ተሸይሞም ዕለት 29 መስከረም ኤጲስቆጶሳዊ ማዕርግ ከም እተቐበሉን ዕለት 21 መጋቢት 2015 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ኣሩንደልን ብራይተንን ከም ዝሰመይዎም የዘኻኽር።

20 Dec 2025, 17:15