ድለ

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ሊባኖስ፦ “እምነት ወትሩ ኣገልግሎትን ተሓታትነትን ክኸውን ኣለዎ!”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ከተማ ሃሪሳ ኣብ ዝርከብ ቤተ መቕደስ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሊባኖስ ምስ ጳጳሳትን፡ ካህናት፡ ሰብ ውፉይ ሕይወት ሰብኡትን ኣንስትን፡ ኣገልገልቲ ሓዋርያዊ ጉስነትን ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፣ ብሓባር ምንባርን ትምህርትን ደገፍን ንስደተኛታት ምልጋስ፣ ከም ጭቡጥ መገዲ ሰላም ምኹናኡ ኣጕልሑ።

ኣባ ተወልደ መብራቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ኣብ ካልአይቲ መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደቶም ናብ ሃገረ ሊባኖስ ምስ ጳጳሳትን ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወት ሰብኡትን ኣንስትን፣ ምስ ኣገልገልቲ ሓዋርያዊ ጉስነት ኣብ  ከተማ ሃሪሳ ኣብ ዝርከብ ቤተ መቕደስ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘሊባኖስ ተራኺቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መኽፈቲ እቲ መደብ ኣብ ዘቕረብዎ መደረ ነቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ሃገረ ሊባኖስ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ተስፋ ናይ ምዕቃብ ሓላፍነት ከም ዘለዋ ብምዝካር "ገበርቲ ሰላም ብፁዓን እዮም" ዝብል ጭርሖ ናይቲ ምብጻሕ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጕልሑ።

እቲ ካብ ኣርባዕተ እተፈላለዩ ሰባት ዝሰምዖ ምስክርነት ድማ፣ እዚ ትጽቢታት እዚ ብጭቡጥ መገዲ ኸም ዚፍጸም ዜርኢ ምዃኑ ገለጹ።

ካብ መንፈሳዊ ውርሻ ሊባኖስ እተረኽበ ብርታዐ

ኣስዒቦም ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ናብቲ መበቈል ክርስትያናዊ ምስክርነት ሃገረ ሊባኖስ ክብሉ ዝጸውዕዎ ቅዉም ሓሳብ ምልስ ብምባል፣ እዚ ድማ ኣብቲ ጽሞና ዝመልኦ ጸሎት ቅዱስ ሻርቤልን፣ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ሃሪሳን ህዝቢ ሊባኖስ ዘለዎም ሓድነት ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ተንጸባሪቑ ኣሎ።

ኣብ ጽንኩር ኵነታት ምጽናዕ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ጸሎት ማለት ካብቲ "ልቢ ዜሕብር ዘይርአ ድልድል" ከምኡውን ኣብ መንጎ "ደሃይ ኣጽዋርን" መዓልታዊ ጸገማትን እውን ከይተረፈ ናብ ክርስቶስ ምቕራብ ከም ዚምንጩ ውን ገለጹ።

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ጳጳሳትን ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ኣብ ሊባኖስ
ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ጳጳሳትን ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ኣብ ሊባኖስ   (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ነቲ ኣብ ኣርማ ናይቲ ዘካየድዎ ዘለው ዑደት ዝርከብ መልህቕ እውን እንታይ ትርጉም ከም ዘለዎ ገሊጾም። ነቶም ዝሓለፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብምጥቃስ እምነት ልክዕ ከም መልህቕ ሰማይን መምርሕን ርግኣትን ከም ዝህብ እውን ገለጹ።

ሰላም ንምህናጽ ኣብ ክንዲ ምክፍፋል ፍቕርን ልግስን ብምምራጽ ኣብዚ መዳይ እዚ ደው ክንብል ከም ዘሎና ውን ኣመልከቱ።

ኣብነታት ሓባራዊ ናብራን ምትሕግጋዝን

እቲ እቶም ኣገልገልቲ ሓዋርያዊ ጉሥነት ዝኾኑ ዘካፈልዎ ምስክርነታት፣ ንመብዛሕትኡ ኣስተንትኖ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዘማእዝኖ ኢዩ ዝንበረ። ቅዱስነቶም ንኣብነት ናይቲ ሓደ ኻብቶም ምስክርነት ዝሃቡ ሰባት ክቡር ኣባ ዩሃና ዝጠቐስዎ ቍሸት ደባቢየ ጠቒሶም፣ ክርስትያን ምእመናንን ሰዓብቲ እምነት ምስልምናን ዝኾኑ ዜጋታት ሊባኖስን ስደተኛታትንን ብሕበረት ደብዳባት ቦምባታትን ድኽነትን እናሃለወ ኽነሱ ብሓባር ይነብሩ ምህላዎም ደጊሞም ኣመልከቱ።

ኣብ መንጎ ሊባኖሳውያን ዝርከብ ሳጹን ምጽዋት ናይ ሶርያውያን፣ ድማ ስእሊ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ግብረ ሰናይ ዝገብሮ ኣበርክቶ ዓቢይ ምስክርነት ከም ዘለዎ ዜርኢ ምዃኑ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስዒቦም፣ ነቲ ብ2012 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት መበል 16 ናብ ሊባኖስ ዝገበርዎ ምብጻሕ ምልስ ኢሎም ክዝክርዎ እንከለዉ፣ ክርስትና ንቅልውላው ዝህብዎ ምላሽ ይቕረ ምባል፡ ካብ ሕነ ምፍዳይ ምርሓቕ፡ ሓድነት ካብ ምክፍፋል፡ ከምኡውን ካብ ምቑጻር ኣገልግሎት  ቀዳምነት ከም ዘለዎ ከም ምዃኑ ኣረጋጊጾም።

ይኹን እምበር ብዙሓት ሰባት ብፍላይ ከኣ ኣማራጺ ዘይብሎም ኰይኑ ዝስምዖም ሰባት፣ ምጕዳል ፍትሕን ምዝመዛን የጋጥሞም ከም ዘሎ ኣመልከቱ።

ኣብዚ መዳይ እዚ መንእሰያት "ጭቡጥን ውጽኢታውን ናይ ዕቤት ተስፋታት" ምእንቲ ኽረኽቡ ኣብ ውሽጢ መዋቕር ቤተ-ክርስትያን እውን ከይተረፈ ሓቀይና ኣጋጣሚታት ምሃብ ኣድላዪ ምዃኑ ኣስመሩሉ።

ስደተኛታትን ትምህርትን ኣገልግሎት ንእሱራትን

ብድሕርዚ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ነቲ ብምኽንያት ግጭት ወይ ግድነታት ናብራ ካብ ቤቶም ኪወጹ እተገደዱ ሰባት ንምሕጋዝ ዝዓዪ ዘሎ ሎረን ዚበሃል ስደተኛ ምስክርነት ዘከሩ።

እቲ ዘካፈሎ ዛንታ፣ ውግእ ኣብ ሲቪላዊ መነባብሮ ዘምጽኦ ኸቢድ ሳዕቤን ዘንጸባርቕን፣ ንማሕበረሰብ ተገዳስነት ዘይብሎም ከይኰኑ ብድሆ ከም ዝፈጥረሎምን ገለጹ። ናብ ኣፍ ደገ ቤተ-ክርስትያን ዝበጽሑ ስደተኛታት ተቐባልነት ከም ዝረኽቡ ደአ እምበር ከም እተነጽጉ ኮይኑ ክስምዖም ከም ዘይብሉ ደጊሞም ኣረጋገጹ።

ብተወሳኺውን ነታ ዓመጽ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ቤት ትምህርታ ክፉት ክትገብሮ ዝመረጸት ክብሪቲ እናቴ ዲማ ድማ ናብ ትምህርትን ዕቝባ ማሕበረሰብን ኣብ ምህናጽን ዝገበረቶ ተበግሶ ኣፍልጦ ሃቡሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ትምህርቲ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ሊባኖስ ቀዳምነት ክወሃቦ ጸኒሑ ኣሎ፣ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ጽንኩር ኵነታት ዘለዉ ሰባት ክቕጽሉ ዘኽእሎ ሓቂ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። "እቲ ቐዳማይ ቤት ትምህርትና መስቀል እዩ፣ እቲ ሓደ መምህርና ኸኣ ክርስቶስ እዩ" ክብሉ ውን መስከሩ።

ክቡር ኣባ ሻርበል ኣብ ኣገልግሎት ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፎ ተመክሮ ውን ንኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ወድ ሰብ ኣፍልጦ ምሃብ ዘርኢ ኣድላይነት ምዃኑ ብዝያዳ ዜርኢ እዩ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ኣብቲ ስቓይን ፍሽለትን ዝመልኦ ቦታታት እውን ከይተረፈ ቤተ-ክርስትያን ምልክታት ምሕረት ኣምላኽን ናይ ምሕዳስ ተኽእሎን ክትርኢ ተጸዊዓ እያ ክብሉ ውን ተላበዉ።

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ጳጳሳትን ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ኣብ ሊባኖስ
ርክብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ጳጳሳትን ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን ኣብ ሊባኖስ   (@Vatican Media)

ኣብ መዓልታዊ ህይወት ሓድነት ንኽህሉ ዝቐረበ ጻውዒት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወርቃዊ ጽጌረዳ ናብታ ቤተ መቕደስ ቅድሚ ምቕራቦም፣ እቲ ዝገብርዎ ኣብ ልግስን ሓድነትን እተመስረተ መዓልታዊ ምርጫታትን ኣቢሉ "ሽቱ ክርስቶስ" ንምዃን ዝቐረበ ጻውዒት ከም ዘመልክት ገለጹ። ወሲኾም ድማ ቅዱስነቶም፣ እዚ "ሽቱ" እዚ ንሒደት እተመርጹ ዘይተሓጽረ ሓባራውን ብገርህነት ዝርከብን ነገር እዩ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቃለ ምዕዳኖም ኣብ ምዝዛም፣ ኣብ ሊባኖስ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ብጽኑዕ እምነትን ብሓቛፊ ማሕበረሰብን ናብራን ግብራዊ ሓድነትን ሰላምን ከተስፍሕ ኣተባብዕዋ፣ እዚ ድማ ኣብ መጻኢ እታ ሃገር ምትእምማንን ተስፋን ንምህናጽ ኣድላዪ መሰረት ምዃኑ ብምግላጽ ደምደሙ።

ርክብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ጳጳሳትን ካህናትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን
02 Dec 2025, 11:51