ር.ሊ.ጳ. ልዮን ብዛዕባ ሰብ ሰረሖ ኣስተውዕሎ: ሓድሽ ወለዶ ክድገፉ ደኣ እምበር ክዕንቀፉ የብሎምን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሓደስቲ ወለዶታት ብፍላይ ምስ ሓደስቲ እደ ጥበባትን ሰብ ሰርሖ ኣስተዕሎን ዘለዎም ርክብ ብዝምልከት "ሓደስቲ ወለዶታት ናብ ብስለትን ሓላፍነትን ኣብ ዝወስድ መገዲ ክሕግዙ እምበር ክዕንቅፉ ወይ ክዕገቱ ዘይግብኦም" ምዃኑ ኣጕሊሖም። ቅዱስነቶም ዕለት 5 ታሕሳስ 2025 ንተሳተፍቲ ናይቲ "ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ከምኡውን ክንክን ሓባራዊ ቤትና" ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት "ብዙሕ ሓበሬታን ጸብጻብን ናይ ምርካብ ክእለት ምስቲ ካብኡ ትርጕምን ክቡር ዋጋታት ናይ ምርካብ ክእለት ክደናገር የብሉን፡ እዚ ዳሕረዋይ እዚ ክውንነታት እዚ መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ሰፊኑ ዘሎ ባህላውን ቍጠባውን ቀጥዕታት ይግለልን ወይ ዕሽሽ ይበሃል እኳ እንተሎ፡ እቲ ምስጢራውን መሰረታዊ ሕቶታትን ህላወና ንምቅላስ ፍቓደይና ምዃን ዝሓትት ኢዩ" ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ "ድሕንነት - ሰናይ ህይወት ሕብረተሰብ ኣብቲ መንእሰያት "ተውህቦኦም ንምምዕባል ከምኡውን ነቲ ዘመንን ድሌት ካልኦትን ብልግስን ናይ ኣእምሮ ናጽነትን ምላሽ ኣብ ናይ ምሃብ ክእለት" እተመርኰሰ ኢዩ" እንክብሉ ትካል ምእተ ዓመት ንር.ሊ.ጳ. Centesimus Annus Pro Pontifice ምስ ስልታዊ ኪዳን ስነ ምርምር ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ (SACRU) ብምትሕብባር ኣብ ዝተዳለወ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ዕለት 5 ታሕሳስ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ዓውድታት ኢንዳስትርን ቍጠባን ትምህርትን መራኸቢ ብዙሓንን ዘለዎ ጽልዋ ዝግምግም ጸብጻብ ኣማእኪሎም ድሕሪ ዘካየድዎ ዓውደ ኣኼባ ድሕሪ ቀትሪ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ምዕባለ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ናይ ሓባር ጻዕሪ ክኸውን ኣለዎ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ተጋባእያን፡ ንመንእሰያት ነዚ ሓድሽ እደ ጥበብ እዚ ብኸመይ ብናይ ገዛእ ርእሶም ምስትውዓል ከም ዝጥቀሙሉ ክምህርዎም ጻውዒት ኣቕረቡ። "እተፈልየን ዝሓሸን ናይ ምዃን ዘለዎም ባህጊ ንድግፎም ኢና፣ ከመይሲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ብስለት ዘሎና ኣተሓሳስባ ዓሚቝ ኣንፈት ምቕያር ኣድላዪ ምዃኑ ንጹር ኰይኑ ኣይፈልጥን እዩ፣፥ ምስ መንእሰያት መጻኢ ንምህናጽ ከም ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዝኣመሰሉ ሓደስቲ እደ ጥበባት "ብሰብኣዊ ብቕዓት ክምራሕ ኣለዎ ዝብል ርእሰ ምትእምማን ምምላስን ምድልዳልን" ከም ዘድሊ ኣጒሊሖም፡ “እዚ ድማ ፖለቲካ፣ ትካላት፣ ንግዲ፣ ቍጠባ፣ ትምህርቲ፣ ርክብ፣ ዜጋታትን ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባትን ዘሳትፍ ዝተዋደደን ውሁድን ስጉምቲ የድሊ።” ካብዞም ሓቅታት እዚኣቶም ዝመጹ ተዋሳእቲ ነዚ ናይ ሓባር ሓላፍነት ብምውሳድ ናይ ሓባር ቃል ኪዳን ክኣትዉ ጻውዒት ኣቕሪቦም። እዚ ተወፋይነት እዚ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ወገናዊ ረብሓ ወይ መኽሰብ ዝመጽእ ክኸውን እናተገበኦ ግን ኣብ ኢድ ውሑዳት እናተዋህለለ ይኸይድ ኣሎ" እንክብሉ ኣጠንቂቖም፡ ነዚ ዕላማታት ንምዕዋት ሰፊሕ ተሳትፎ ከምዘድሊ ኣጽኒዖም፡ እቶም ተጋባእያን ብዘካይድዎ መጽናዕቲ ዘቕርብዎ ኣበርክቶ ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ደቂ ሰባት ኣብ ስራሕ ፍጥረት ተሓባበርቲ እዮም
ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ሕብረተሰብ ቅልጡፍን ዓሚቝን ለውጢ ከምዘምጽአን ድሮ ድማ መዓልታዊ ንሚልዮናት ሰባት ከምዝጸልውን ኣብ ርእሲኡ ድማ ንገለ መዳያት ሰብኣዊ ክፋል “ከም ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባ፣ መመያን፣ ትምህርትን ኣብ መንጎ ሰባትን” ዝጸሉ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ጽልዋ ናይዞም እደ ጥበባት ክግምግም ከሎ ከስተንትነሎም ዝግበኣና ዝተወሰኑ ሕቶታት፡ “ምዕባለ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብሓቂ ንሓባራዊ ረብሓ ከም ዘገልግል፡ ኣብ ኢድ ውሑዳት ሃብትን ስልጣንን ንምእካብ ጥራይ ከም ዘይውዕል ብኸመይ ከነረጋግጽ ንኽእል?” ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፡ "ከምቲ ትፈልጥዎ ርግጸይና እየ፡ እቲ ሎሚ ኣብ ዕዳጋታት ዝያዳ ዋጋ ዘለዎ ሸቐጥ ብልክዕ ኣብ ዓውዲ ሰብ ሰርሖ ኣሰውዕሎ እዩ - ቢሎም - ካልእ ዝሓተቶ ሕቶ ድማ “ኣብዚ ህሞት ታሪኽ እዚ ሰብኣዊ ምዃን እንታይ ማለት እዩ?” ነዚ ኵነታት እዚ ኣብ ግምት ብምእታው “ብዛዕባ ናጽነትን ውሽጣዊ ህይወትን ደቅናን መንእሰያትናን፡ ከምኡ’ውን እደ ጥበብ ኣብ ቀልባውን ስነ - ኣእምሮኣዊ ምዕባለኦም ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋን ብፍሉይ ጥንቃቐ ደው ኢልካ ምሕሳብ” ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጽኒዖም ብምግላጽ፡ “ደቂ ሰባት ኣብ ስራሕ ፍጥረት መሳርሕቲ ክኾኑ እምበር ብሰብ ሰርሖ ኣስተዕሎ ዝፍጠር ትሕዝቶ ተሓላቒ ተጠቀምቲ ክኾኑ ኣይኮኑን” እንክብሉ ኣረጋጊጾም
“ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ብርግጽ ሓድሽ ማዕቅፍ ምህዞ ከፊቱ'ዩ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ልዕሊ ንሓቅን ጽቡቕን ክፉትነት ወዲ ሰብ፡ ከምኡ'ውን ዓቕሚ ምግራምን ኣስተንትኖን ክህልዎ ዝኽእል ሳዕቤን'ውን ከቢድ ስክፍታታት የልዕል። “ንሰብኣዊ ፍጥረት መለለዪ ዝኾነን ሚዛናዊ ዕብየቱ ዘረጋግጽን ነገራት ምፍላጥን ምሕላውን፡ ሳዕቤናት ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንምምሕዳር እኹል ቅርጺ ንምትካል ኣገዳሲ እዩ” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
