ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ቅዱስ እስጢፋኖስ ሰማዕትነት ናብ ብርሃን ምውላድ ምዃኑ ይምህረና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ በዓል ቀዳሜ ሰማእት ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ እስጢፋኖስ ዕለት 26 ታሕሳስ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምመናን ኣብ ዘተረኽቡ ጉባኤ ጸሎት መላኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ ሰማዕትነት “ናብ ሰማይ ምውላድ” ከምኡ’ውን ብዛዕባ ሓጐስ ልደት ከም ምርጫ ሕውነትን ይቕሬታን ሰላምን ኣብዛ ብፍርሕን ግርጭትን ዝተለለየት ዓለም ምዃኑ የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ በዓል ቅዱስ እስጢፋኖስ ቀዳሜ ሰማዕት ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሰማዕትነት ከም መወዳእታ ዘይኮነስ ከም መጀመርታ ሕይወት፡ “ናብ ሰማይ ምውላድ” ብሓቂ ናብ ብርሃን ምምጻእ እንታይ ማለት ምዃኑ ዝገልጽ እዩ” እንክብሉ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣስተብሂሎም፡ ኣብታ ብትውፊት ክርስቲያን ቀዳሜ ሰማእት ተባሂሉ ዝንገረሉ ቅዱስ እስጢፋኖስ “ዕለተ ልደት” ተባሂሉ ኣብ ዝንገረላ መዓልቲ፡ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ንኽሓብሩ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታኦም እንከቕርቡ፡ “ሓንሳብ ጥራይ ኣይኮናን እንውለድ” ዝብል ጥንታዊ ርግጸይናነት ዘኪሮም፡ ብዓይኒ እምነት ሞት ድሕሪ ደጊም ጸልማት ኣይኮነን - ቢሎም - “ሰማዕትነት ኣብ ሰማይ ምውላድ ማለት እዩ” ብፍርሒ ዝድብዝዝ ዘይኮነስ ብፍቕሪ ዝበርህ ምስግጋር ናብ ህይወት ምዃኑ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ዘሎ ጸብጻብ ከስተንትኑ እንከለዉ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚ ጉባኤ ዝነበረ መስተንክር ምስሊ እስጢፋኖስ መሰረት ገይሮም፡ “ኣብቲ ጉባኤ ተቐሚጦም ዝነበሩ ዅሎም ኣጸቢቖም ጠመትዎ፡ ገጹ ድማ ከም ገጽ መልኣኽ ኮይኑ ተራእዮምዩ” (ግብ 6፡15) ዝብል ጠቒሶም፡ እዚ ድማ “ገጽ ናይቲ ታሪኽ ብሸለልትነት ዘይሓልፎ፣ ናይ ፍቕሪ መልሲ” ምዃኑ ኣረዲኦም። ህይወትን ሞትን እስጢፋኖስ “ነቲ ኣብ ኢየሱስ ዝተራእየ መለኮታዊ ፍቕሪ፡ ነቲ ኣብ ጸልማትና ዝበርህ ብርሃን” ዘንጸባርቕ እዩ። ህይወት ካብ ቤተልሔም ክሳብ ሰማዕትነት ዘራኽብ ኩነት እንከስተንትኑ፡ እዚ ድማ ከም ደቂ እግዚኣብሔር ክንነብር ዝተጸዋዕና ምዃንና ዘረጋግጽ እዩ። ልደት ወዲ ኣምላኽ፡ ብትሕትና ማርያምን ዮሴፍን ጓሶትን ንደቂ ሰባት ከም ዝስሕብ ይዛረብ። ኰይኑ ግና፡ ጽባቐ ከምዚ ዝኣመሰለ ህይወት እውን ከም እተነጽገ ብምዝኽካር፡ ካብ መጀመርታ “እቲ ዝማርኽ ሓይሉ ግብረ መልሲ ናይቶም ንስልጣን ዝቃለሱ ቁጥዐ እዩ”፣ ናይቶም ንዘይፍትሓውነት ዝተቓልዑ “ሓሳብ ልቦም” ዝገልጽን ሰናይ ነገር እዩ። ኣብ ልዕሊ ዕዮ ኣምላኽ ክዕወት ዝኽእል ሓይሊ የለን። ሎሚ’ውን ኣብ መላእ ዓለም “ዋላ’ውን ብዓቢ ዋጋ ፍትሒ ዝመርጹ”፡ ቅድሚ ፍርሒ ሰላምን ኣገልግሎት ድኻታት ቅድሚ ርእሰ - ረብሓን ዘቐምጡ ኣለዉ። ካብዚ ምርጫታት እዚ፡ “ተስፋ ይበቁል . . . ኣብ መንጎ ስቓይ እውን እንተኾነ ተስፋ ክበዓል ይገብር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብዛ ብዘይርጉጽነትን ቃንዛን እተለለየት ዓለም፡ ሓጐስ ዘይብጻሕ ክመስል ይኽእል እዩ። እቶም ብሰላም ዝኣምኑን “ዘይተዓጥቀ መንገዲ ኢየሱስን ሰማእታትን” ዝኽተሉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ከም ዝናሸዉ ወይ ከም ዝግለሉ፡ ሓደ ሓደ ግዜ’ውን ምስ ጸላእቲ ከም ዝውግኑ ይኽሰሱ እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ “ክርስትያን ኣሕዋትን ኣሓትን እምበር ጸላእቲ የብሎምን” ምርዳእ ኣብ ዝፈሸለሉ እዋን እውን እንተኾነ ክብረቶም ይቕጽል።

ኣብ ሕመረት ምስጢር ልደት፡ እቶም ድሮ ሕውነት ዝነብሩ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ፡ ዋላ ኣብ ተጻባእቲ፡ “ዘይሃስስ ክብሪ ደቂ ኣስንትዮን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣምላኽ” ዘለልዩ፡ ዝቕጽል ሓጐስ እዩ ዘሎ። እስጢፋኖስ ከም ኢየሱስ ይቕረ እናበለ ተቐትለ፣ “ካብ ኣጽዋር ንላዕሊ ኣብቲ ሓቀይና ሓይሊ” ተደጊፉ፡ ማለት ድሮ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልቢ ዘሎ ናጻ ሓይሊ፡ ንሓድሕድና ብኣቓልቦን ኣፍልጦን ክንጥምት ምስ እንመሃር እንደገና ዝበራበር።

“እወ ዳግማይ ምውላድ ማለት ዳግማይ ናብ ብርሃን ምምጻእ ማለት እዚ እዩ። እዚ ‘በዓል ልደትና’ እዩ።”

ምስ በሉ ቅዱስነቶም መደረኦም ኣብ ምዝዛም፡ ንምእመናን “ካብ ኩለን ሕይወት ዝህባን ንትዕቢት ብጥንቃቐ ዝቃወማ ደቂ ኣንስትዮ፡ ብእምነት ድማ ንዘይምትእምማንን ዝቃለሳ ንዝተባርኸት” ማርያም ኣውኪፎም፡ ንዓዓ ክነስተንትን ዓዲሞም፡ ንዓለም ልክዕ ከምቲ በረድ ኣብ ቅድሚ ጸሓይ ዝመክኽ ንኹሉ ፍርሕን ንኹሉ ስግኣትን ዝስዕር ናብቲ ናታ ሓጎስ ክትመርሓ ከም ዝጸለዩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 Dec 2025, 15:34