ር. ሊ. ጳ. ልዮን ምስ ርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ሃገረ ስሎቫክያ ተራኺቦም
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ንርእሰ ብሔር ሪፓብሊክ ሃገረ ስሎቫኪያ ፒተር ፔሌግሪኒ ኣብ ሓዋርያዊ ህንጻ ቅድስቲ መንበር ተቐቢሎም ኣዘራረብዎም። ስዒቡ ድማ ምስ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ተራኺቡ፣ ነቲ ድልዱል ኣብ መንጐ እዘን ክልሃገራት ዘሎ ርክባትን፣ ኣህጉራዊ ሃዋህውን ብምምልካት ዘትዮም፣ ብዛዕ ኣብ ዩክረይን ዝቕጽል ዘሎ ውግእን ኣብ ጸጥታ ኣውሮጳ ዘምጽኦ ሳዕቤናትን ኣተኲሮም ድማ ተመያየጡ።
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ትማሊ ሓሙስ ዕለት 4 ታሕሳስ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ሃገረ ስሎቫክያ ክቡር ፒተር ፔሌግሪኒ ተቐቢሎምዎ ኣዘራረብዎም። ቀጺሉ ድማ ምስ ክቡር ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበርን ምስ ምክትል ጸሓፊ ርክባት ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ክቡር የኔታ ሚሃይሳ ብላጅ ውን ተራኺቡ።
ኣብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር እተኻየደ ምሕዝነታዊ ርክባት ብፍላይ ኣብ መበል 25 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሪፓብሊካዊት ሃገረ ስሎቫክን እተገብረ መሰረታዊ ስምምዕ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ነቲ ድልዱል ክልኤኣዊ ርክባት ሓባራዊ ምስጋናኦም ተገሊጹ። ማሕበራዊ ሓድነት ንምድጋፍ ፍትሒ ንምድንፋዕ ከምኡውን ንስድራቤታት ንምዕቃብ እተገብረ ቘራጽነት እውን ተረጋጊጹ ይርከብ።
ብዛዕባ ኣህጉራዊ ሃዋህው እውን ተመያይጦም፣ ብፍላይ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሃገረ ዩክረይን ዝቕጽል ዘሎ ውግእን ኣብ ጸጥታ ኣውሮጳ ዘለዎ ጽልዋን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ዅነታትን ኣቓልቦ ገይሮም ተዛትዮም።
06 Dec 2025, 11:18
