ር. ሊ. ጳ. ልዮን ነቲ ብዛዕባ ወፈያታት ቅድስቲ መንበር ዝግደስ ኮሚሽን ሰሪዞሞ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ በቲ ብዕለ 29 መስከረም እተፈረመን ትማሊ ዕለት 4 ታሕሳስ ዝዘርግሕዎ ብኢድ እተጻሕፈ መልእኽቲ (ናብ ኩርያ ሮማና እተላእከ ጳጳሳዊ ኣዋጅ)፣ ነቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2025 ካብ ዝምስረት ዓሰርተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ፣ ንኮሚሽን ወፈያታት ቅድስቲ መንበር ሰሪዞሞ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ ነቲ ሓድሽ ኮሚሽን ካብ ምእመናንን፡ ጉባኤታት ጳጳሳትን፡ ካልኦት ሓገዛትን ንተልእኾ ግብረ ሰናይ ቅድስቲ መንበር ንምድጋፍ ወፈያታት ኬተባብዕ ተሓሲቡ እተመስረተ ኮሚሽን ኢዩ ዝንበረ። እዚ ኮሚሽን እተመስረተሉ ኣዋጅ ድማ ብዕለት 11 ለካቲት 2025 ተፈሪሙ፣ ድሕሪ ኽልተ ሰሙን ማለት ብዕለት 26 ለካቲት ብወግዒ ተኣዊጁ፣ ኣብቲ እዋን እቲ ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከብ ቤተሕክምና ጀመሊ ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ክንክን ኢዮም ዝንበሩ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብዚ ሓድሽ ዘመሓላለፍዎ ኣዋጅ ከምዚ ዝስዕብ ክብሉ ጽሒፎም ይርከቡ፦ "ንቅድስቲ መንበር ወፈያታትን ገንዘብ ምእካብን ኣገዳሲ መዳይ ናይቲ ኣብ መንጎ እተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያናትንን ሃዋርያዊት መንበርን ንዘሎ ሓድነትን ልግስን ብፍላይ ከኣ ብውጽኢታዊ መገዲ ኣገልግሎት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምድጋፍ ብዘሎ ኣረኣእያ ኢዩ ዝንበረ" ይብሉ።
ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ፣ እቲ ምምሕዳራውን ቍጠባዊ መዋቕርን ንጥፈታትን ቅድስቲ መንበር ናይ ምቍጽጻር ሓላፍነት ዘለዎ ቤት ምኽሪ ቝጠባ ቅድስቲ መንበር፣ ወፈያታት ንምእካብ ኣብ ዝግበር መጽናዕቲ "ፍሉይ ቈላሕታ ከም ዝገበረን" ከምኡውን "ነዚ ክፍሊ እዚ ንምቍጽጻር ሓላፍነት ዘለዎ ህሉው ትካላውን መዋቕራውን ኪደት ንምቕያር ዝዓለመ ሓያሎ ሓሳባት" ከም ዝሃበ ገለጹ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ብመሰረት እቲ ኣብ ሓዋርያዊ ቅዋም “ስብኩ ወንጌለ” ተገሊጹ ዘሎ መስርሓት፣ ርእይቶታት እቲ ቁጠባዊ ቤትምኽርን ክኢላታትን ድሕሪ ምውካስ፣ ንትሕዝቶ እቲ ኮሚሽን "ውሳነን ምኽርታትን" ኣጽዲቖም፣ ነቲ ኮሚሽን ወፈያት ቅድስቲ መንበር ንምስራዝ እተወስደ ውሳኔ ድማ ኣጽዲቖም።
ምስራዝ ኮሚሽን ወፈያታት ቅድስቲ መንበር
እቲ ብኢድ እተጻሕፈ መልእኽቲ ከም ዘመልክቶ፣ ንሕግታት እቲ ኮሚሽን ብምስራዝ፣ ኵሎም ኣባላት እቲ ኮሚሽን ከኣ ብህጹጽ ዕዮኦም ኬቋርጹ ይእዝዝ። ብተወሳኺውን "ኵሉ እቲ ኣብዚ እዋን እዚ ናይቲ ኮሚሽን ዝጸንሐ ቀዋምን ተቀሳቓሳን ንብረት፣ ብህጹጽ ናብ ቅድስቲ መንበር ክመሓላለፍ" ይሓትት፣ እዚ ድማ ንኣቦ መንበር ምምሕዳር ሓዋርያዊ ውርሻታት ቅድስቲ መንበር ኮይኑ፣ ብመሰረት እዚ ሕጂ ዘሎ ሕጊ "ነቲ ኮሚሽን ናይ ምስራዝ ስልጣን ንምክያድ" መዝነት ተዋሂብዎ ኣሎ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ከም ዝገለጽዎ፣ ንቤት ጽሕፈት ቍጠባ ምስቲ ቀዱስነቶም ዝመዘዝዎ ናይ ስራሕ ጕጅለ ብምትሕብባር ካብ ምስራዝ እቲ ኮሚሽን ንዝለዓል ዝዀነ ይኹን ጕዳያት ተሓታቲ ክኸውን የመልክቱ፣ ንቤት ምኽሪ ቝጠባ ድማ ብዛዕባ እቲ ነዚ ዕላማ እዚ እተወስደ ስጕምትታት ሓበሬታ ክህብ መምርሒ ኣመሓላሊሮም።
ካልእ ናይ ስራሕ ጕጅለ ድማ "ብዛዕባ ሓፈሻዊ ጕዳይ ንቅድስቲ መንበር ሓገዛት ንምእካብ ዝቐረበ ሓሳባት ንምምማይ ግቡእ መዋቕር ንምውጻእን” ኪቐውም እዩ። ቤት ምኽሪ ቍጠባ ድማ ስማት ሕጹያት ኣባላት ናይ'ዚ ጕጅለ ከቕርብ ኢዩ፣ እዚ ድማ ብቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣቢሉ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክቐርብ ኢዩ" ክብል ውን የመላኽት።
