ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፦ ቃል ስጋ ስለ ዝዀነ ሰብኣዊ ፍጥረት ልሳን ይህልዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓሙስ ዕለት 25 ታሕሳስ ንግሆ ብምኽንያት በዓለ ልደት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፣ ቃል ኣምላኽ ስጋ ስለ ዝለበሰ "ሰብኣዊ ፍጥረት ሕጂ ብድሌት ኣምላኽ እናጨደረ ይዛረብ" እንክብሉ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዕለት 25 ታሕሳስ ሓሙስ ልደት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋእተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከቶም፡ “ሓድሽ መዓልቲ ወጊሑ” ከምኡን ምስኡ እውን "ንሕና ክፍሊ እዚ ሓድሽ ምጅማር ንኸውን፣ ዋላ እውን ዝኣምኑ ውሑዳ ይኹኑ ናይ ሓቂ ሰላም ድሮ ድማ ኣብ ማእከልና ኣሎ።” ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ከም ልኡኻት ሰላም ልኢኹዎም፣ ምእንቲ እቶም ነቲ ስጋ ዝኾነ ቃል “ውሉድ ኣምላኽ ናይ ምዃን ሓይሊ” - እቲ ኣብ ዕሸል ኢየሱስ ዘሎ “ዝርአ ግን ከኣ ዘይዛረብ” ቃል ክኽተሉ መታን። “‘ስጋ’ ኣብ ቤተልሔም ከምቲ ኣብ ቀራንዮ ዘሎ ብዘይ ቃላት ህልው ዝኸውን ሱር በተኻዊ ዕርቃን እዩ – ልክዕ ከምቶም ሎሚ ድምጺ ዘይብሎም ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ክብሮም ተገፊፉ ናብ ስቕታ ዝወረዱ” እንክብሉ ከም ዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኰይኑ ኸኣ፡ ቃል ኣምላኽ ስጋ ካብ ዝዀነሉ እዋን ኣትሒዙ፡ “ንደቂ ሰብ ኪራኸብ ብዝደለዮ ድሌት ኣምላኽ ይእውጅ ኣሎ” . . .

“ቃል ኣብ መንጎና ተነቃፊ ድንኳኑ ኣንቢሩ ኣሎ። እሞ ደኣ ከመይ ገርና ብዛዕባ’ቲ ኣብ ቓዛ ዝተተኽሉ መእለዪ፡ ንሰሙናት ዝናብን ንፋስን ቁሪን ዝተቓልዑ ዳሳት ዘይንሓስብ? ከምኡ’ውን ናይቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣህጉር ዝርከቡ ብዙሓት ካልኦት ስደተይናታትን ተመዛበልትን? ወይስ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ከተማታትና ዝርከብ ግዝያዊ መዕቆቢ ኣሽሓት ኣልቦ ቤት ዝኾኑ ሰባት ዘይንሓስብ?”

ኣብ ኩሎም እቶም ብኲናት ዝሳቐዩ ዘለዉ፣ ኣብቶም ኣጽዋር ክሕዙ ዝተገደዱ መንእሰያትን፣ “ኣብ ቅድመ ግንባር ኮይኖም ናይቲ ዝሕተትዎ ትርጉም ኣልቦነት ዝስምዖምን፣ ነቶም ናብ ሞቶም ዝልእኹዎም ትዕቢት ዝመልኦ ዘረባታትን ሓሶትን” ዘኪሮም፡ ናይ ካልኦት ተነቃፍነት 'ኣብ ልብና ምስ ዚኣቱ ስቓዮም ከኣ ነቲ ተሪር ርግጽነትና ምስ ዚሰብሮ" እዩ ድሮ ሰላም ዝጅምር። በዚ ኸምዚ እዩ በዓል ልደት ንወንጌላዊት ቤተ - ክርስትያን ሓድሽ ድራኸ ዚህባ፣ ኣብቲ ብቓል ኣምላኽ እተሰርሐ መገድታት ከም እትጓዓዝ ድማ ዝግብራ።"

 “እዚ መንገዲ ተልእኾ እዩ” እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፥ “ናብ ኻልኦት ዝወስድ መንገዲ እዩ። ኣብ እግዚኣብሔር ነፍሲ ወከፍ ቃል ዝተጻሕፈ ቃል እዩ፤ ንዘተ ዝዕድመ፣ ኣብ ገዛእ ርእሱ ተዓጽዩ ዘይተርፍ ቃል። እዚ ድማ እቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘስፈሖ ተሓድሶ እዩ፣ ምስ መላእ ሰብኣውነት ሓቢርና ምስ እንመላለስ ጥራሕ ፍረ ዘፍሪ እዩ - ምስ በሉ - ኣብ መደምደምታ “ምንቅስቓስ ስጋዌ ናይ ዘተ ንጥፈት እዩ - ውልቀ ዘረባና ምስ ተቛረጸ፡ ንሕና ድማ ብምስማዕ ዝሃብተምና ኣብ ቅድሚ ሰብኣውነት ናይቲ ካልእ ምስ እንብርከኽ ሰላም ክህሉ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 Dec 2025, 15:26