Il Papa incontra Roberto Benigni Il Papa incontra Roberto Benigni  (ANSA)

ር. ሊ. ጳ. ምስ ሮበርቶ በኒኒ ቀቅድሚ እቲ ዘቕርቦ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ድራማዊ ምርኢት ተራኺቦም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቀቅድሚ እቲ ስነጥበባዊ ሮበርቶ በኒኒ ምስ ቫቲካን ሜድያ ብምትሕብባር ዘዳለዎ ኣብ መንግስታዊ ትካል ተለቪዥን ኢጣልያ ዝጋዋህ "ጴጥሮስ ኣብ ንፋስ ዘሎ ሰብ" ዘርእስቱ ድራማዊ ምርኢት ረቐቢሎም ኣዘራረብዎ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ተዓዋቲ ኦስካር ዝኾነ ኢጣልያዊ ተዋሳእን ዳይረክተርን ሮበርቶ በኒኒ ትማሊ ሓሙስ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ሓዋርያዊ ህንጻ ቅድስቲ መንበር ምስ ኣካየድቲ ስራሕ መንግስታዊ ቲቪን ኢጣልያ ብሕብረት ተቐቢሎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት መራኸቢ ብዙሓን ቅድስቲ መንበር ኣብ ናይ ቴሌግራም መልእክቲ ዝወጸ መግለጺ ከም ዝሓብሮ፣ እቲ ምብጻሕ ቀቅድሚ  እቲ ምስ  ቫቲካን ሜድያ ብምትሕብባር እተዳለወ  "ጴጥሮስ ኣብ ንፋስ ዘሎ ሰብ" ዘርእስቱ ናይ ቴሌቪዥን ራይ 1 ፈነወ ፈነወ  እተኻየደ ፍጻሜ ኢዩ ዝንበረ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብቲ ምርኢት እተወስደ ገለ ክፋላት ብምዕዛብ "ብዛዕባ ፍቕሪ ምምስካር ኽሳዕ ክንደይ ሠናይ ዀን እዩ" ክብሉ መከሩ።

ቅድሚ እቲ ምርኢት ቅዱስነቶምን በኒኒን ብዛዕባ ሲነማ እንተላይ ብዛዕባ እታ በኒኒ ዘዳለዋ ሽልማት ኦስካር እተዓወተት ህይወት ጽብቕቲ ኢያ  ዝርእስታ ፊልምን ከምኡውን ፍራንክ ካፕራ ዘዳለዋ  እዚኣ ኣደናቒት ህይወት ኢያ  ዘርእስታ ፊልም ተዘራሪቦም፣ እዘን ክልተ ፊልምታት ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብተን ኣርባዕተ ዚፈትወን ፊልምታት ምዃነን ጠቒሶም።

 ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ ኣብ ማእከል እቲ ዝቐርብ ድራማ ዘሎ ኣርእስትታት ዝመሓላለፍ - ህይወት ቅዱስ ጴጥሮስን ጽሑፋት ዳንቴን ቅዱስ ኣጎስቲኖስን መለኮታዊ ኮሜዲ ከምኡውን ኑዛዜ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዝሓዘ ከም ምዃኑ ገሊጾም።

ኣብቲ ኣኼባ ዶ/ር ፓውሎ ሩፊኒ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዛሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን፣ ስቴፋኖ ዳጎስቲኒ ዳይረክተር መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካንን፣ ከምኡውን ኣባላት ናይ ፈጠራ ጕጅለ በኒኒ ተረኺቦም ነበሩ።

06 Dec 2025, 11:20