ር. ሊ. ጳ. ልዮን ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ሞንጎልያ ተራኺቦም
ርእሰ ብሔር ሃገረ ሞንጐልያ ኣብ ርእሲ እቲ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ዝገበሮ ርክብ፣ ምስ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን እውን ተራኺቡ። እዚ ርክብ እዚ ኣብ ባህላዊ ምትሕብባርን ኣበርክቶ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ሃገርን ብፍላይ ከኣ ኣብ ዓውዲ ክንክን ጥዕናን ትምህርትን ዘተኰረ እዩ ዝንበረ።
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብዕለት 4 ታሕሳስ 2025 ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ንርእሰ ብሔር ሃገረ ሞንጎልያ ክቡር ኡክናጊን ኩረልሱኽ ኣብ ሓዋርያዊ ህንጻ ቅድስቲ መንበር ተቐቢሎም። ደድሕሪ እቲ ርክብ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ እዞም ርእሰ ብሔር ሃገረ ሞንጌልያ ምስ ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበርን ከምኡውን ምስ ምክትል ጸሓፊ ርክባት ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ክቡር የኔታ ሚሃይሳ ብላጅ ተራኺቡ።
ኣብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር እተሓየደ ምሕዝነታዊ ምይይጥ፣ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ሞንጎልያን ዘሎ ጽቡቕ ርክብ ጐሊሑ ነበረ፣ ነዚ ርክባት እዚ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዓውዲ ባህላዊ ምትሕግጋዛት ብዝያዳ ንምምዕባል ሓባራዊ ባህጊ ከም ዘለዎም ተገሊጹ ይርከብ። እታ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ሕብረተሰብ ሞንጎልያ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጽላታት ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ኣወንታዊ ኣበርክቶ ተበርክት ምህላዋ ውን ተጠቒሱ ይርከብ።
06 Dec 2025, 11:16
