ር.ሊ.ጳ. ኣብ ስርዓተ ኣምልኾ፥ ናብ ክርስቲያናዊ ሓድነት እንገብሮ ጻዕሪ ይቐጽል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን መበል 14 ኣብ ኢስጣምቡል ኣብ ዝርከብ ፓትርያርካዊ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብ ስርዓተ ኣምልኾ ምስ ፓትርያርክ በርተሎሜዎስ ቀዳማይ ተጸምቢሮም፡ ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ እምነትና ዝጥርንፈና ምትእስሳርን ምሉእ ሓድነትን ንምድላይ ዝግበር ቀጻሊ ጻዕርን የጉልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ክቡር ፓትርያርካዊ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ንዝኽሪ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ እንድሪያስ ቅዱስ ሓላዊ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን መንበር ኤቍመናዊ ፓትሪያርክ ኣብ ዝካየድ ስነ ስርዓት ሊጡርጊያ ንምስታፍ ብፓትርያርክ በርተሎሜዎስ ቀዳማዊ ዝቐረበሎም ዕድመ ኣኽቢሮም ዕለት 30 ሕዳር ኣብ ኢስጣምቡል ኣብ ዝርከብ ኤቑመናዊ መንበረ ፓትርያርክ ዑደት ኣካይዶም፡ ኣብቲ ልዕሊ 400 ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ኤቍመናዊ መንበረ ጵጵስና፣ ኣባላት ኤጲስቆጶስን ምእመናንን ኣብ ዝተሳተፍዎ ስነ ስርዓት ሊጡርጊያ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ጽምብል ር.ሊ.ጳ. ልዮን  መበል 14 ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እዚ ብሓባር ናብቲ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ቀዳማይ ኤቍመናዊ ጉባኤ ዝተኻየደሉ ቦታታት - ኣብ ኒቅያ ዝግበር ንግደት፡ በዚ ዕለት 30 ሕዳር ንዝኽሪ ክብረ በዓል ቅዱስ እንድርያስ ቅዱስ ሓላዊ ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኤቁመናዊ መንበረ ፓትሪያርክ ኣብ ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ብምስታፍ ከም ዝዛዘም ኣስተብሂሎም፡ እቲ ኤቍመናዊ ጸሎት ኣርእስተ ኣብያተ ክርስቲያንን ወከልቲ ማሕበረሰባት ክርስትያናዊ ዓለምን ብኸመይ ከም ዘራኸቦም ብምጥቃስ፡ “እቲ ናይ ኒቅያን ቍስጥንጥንያን ጸሎተ ሃይማኖት ሓቀይና ሓድነት ክህልወና ዝገብርን ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ንሓድሕድና ክንላለ ከም ዘኽእለና” ኣዘኻኺሮም

ኣብ ዝሓለፈ እዋን “ብዙሕ ዘይምርድዳእን ዋላ’ውን ግርጭታትን” እዋናዊ ብድሆታትን እንተሃለወ “ኣብ ምሉእ ሕብረት ንምብጻሕ” ክንጽዕርን “ከም ንኽርስቶስ ኣሕዋትን ኣሓትን ክንርአአን ብኣኡ መሰረት ድማ ንሓድሕድና ኣብ ምፋቐርን ክንቅጽል” ይግባእ ከም ምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቲ ናይ ኤቍመናዊ ጸሎት ንኣርእስተ ኣብያተ ክርስትያናን ወከልቲ ማሕበረሰብ ክርስትያን ዓለምን ብኸመይ ከም ዘጣመረ ብምዝካር፡  "እቲ ኣብ ናይ ኒቅያን ቅስጥንጥንንያን ጸሎተ ሃይማኖት ዘሎ እምነት ብሓቂ ከም ዘሕብረናን ንሓድሕድና ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ንኽንፋለጥ ከም ዘኽእለናን" ገሊጾም

ነዛ ቤተ - ክርስትያን በዓል ቅዱስ እንድርያስ እተብዕለላ መዓልቲ ናይ ሓጐስ ቃላት ኣቕሪቦም፣ ንቅዱስ ጴጥሮስ ዝተክኡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብዚ ሕውነታዊ ምብጻሕ እዚ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም - ቢሎም -

“ተካእቲ ክልተ ኣሕዋት ዝኾኑ ቅዱሳን ሃዋርያትን መስረትቲ ኣብያተ ክርስትያናትን ከም ምዃንና መጠን መልእኽቲ ድሕነት ንዓለም ንምእዋጅ ብትግሃት ክንዓዪ ዜገድደና መንፈሳዊ ሕውነት ከም ዘሎና ዀይኑ እዩ ዚስምዓና። እቲ ሎሚ ዝገበርኩምዎ ምብጻሕ ልክዕ ከምቲ ኣብ በዓል ብዙሓት በዓላት ካብ ኣብያተ ክርስትያናትና ዝመጹ ልኡኻት ምልውዋጥ ኣብ ናይ ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብ ፍጻመታት ጥራይ ክሓጽር ኣይክእልን ኢዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ንክርስትያናዊ ሓድነት ንምድላይ ዘሎና ዓሚቝ ቈራጽነትን ምሉእ ናይ ቤተ - ክርስትያን ሕብረት ንምምላስ ዘሎና ልባዊ ትምኒትን ብጭቡጥን ብውልቃውን ይገልጽ" ከም ዝበሉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ክልቲኦም መንፈሳውያን መራሕቲ ነቲ ናይ ቀደም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ናብ ኤቍመናዊ ፓትርያርክ ኣቴናጎራስን ቅድሚ ስሳ ዓመት ዝገበርዎ ምብጻሕን ነቲ ኣብ 1054 ናይ ሓድሕድ ኣዋጅ ውግዘት ብወግዒ ከም ዝሰረዝዎ እውን ኣዘኻኺሮም እዮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "እቶም ቅድሜና ዝነበሩ ዝገበርዎ ታሪኻዊ ምንቅስቓስ ኣብ መንጎ ካቶሊክን ኦርቶዶክስን ዕርቅን ሰላምን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሕብረትን መገዲ ከፊቱ፣ እዚ ድማ ብተደጋጋሚ ርክብን ሕውነታዊ ኣኼባታትን ተስፋ ዝህብ ቲዮሎጊያዊ ምይይጥን እዩ ዘተባብዕ።"

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ዝተገብረ ርኡይ ምዕባለ ኣብ ግምት ብምእታው ድማ፡ "ሎሚ ምሉእ ሕብረት ንምምላስ ገዛእ ርእስና ከነወፊ ዝያዳ ተጸዊዕና ኢና።"

ክልቲኦም መራሕቲ ንፍትሕን ሰላምን ንኹሉ ሰብ ጭቡጥ ፍቕርን ምሕረትን ንምርኣይን ንክርስትያናዊ ጸዋዕታና ምላሽ ንምሃብ እውን ናይ ሓባር ተወፋይነት ኣብ መደረኦም ከም ዘስመሩሉን፡ ብፍላይ ድማ ብኲናት ዝተሃስዩ ከባቢታት ዓለም ጠቒሶም፣ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ገበርቲ ሰላም ክኾኑ ዝተጸውዑ ምዃኖም ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "እዚ ብርግጽ ስጕምቲ ምውሳድ ምርጫታት ምግባርን ሰላም ዝሃንጽ ኣተግባር ምፍጻምን ዘጠቓልል እኳ እንተዀነ ሰላም ፍረ ጻዕርታት ደቂ ሰብ ጥራይ ዘይኰነስ ውህበት ኣምላኽ ምዃኑ ኣፍልጦ ምሃብ የጠቓልል" ብምባል፡ "ብሓቂ ንሰላም ምእንቲ ኸነገልግል "ብጸሎትን ንስሓን ኣስተንትኖን ምስቲ ኣየናይ ቃላት ንኸነስተውዕል ዝሕግዘና ጐይታ ህያው ርክብ ንምምዕባልን ክንደልዮ ኣሎና።"

ብዛዕባ እቲ ዅላትና ዘጋጥመና ዘሎ ኸቢድ ምህዳራዊ ቅልውላው ከምኡውን ከምቲ ፓትርያርክ በርተሎሜዎስ ኣብ ኣገልግሎቶም ብውዕዉዕ ስምዒት ዝጣበቐሉ "ኣንፈት ንምቕያርን ፍጥረት ንምዕቃብን መንፈሳውን ውልቃውን ሓባራውን ምልዋጥ" ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕሊሖም። “ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ብማዕረ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ኣብ ምድንፋዕ ብሓባር ክሰርሑ ተጸዊዖም እዮም፣ ምእንቲ ኩሉ ሰብ ነቲ ኣምላኽ ብሓላፍነት ዝሃበና ፍጥረት ናይ ምሕብሓብ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኣፍልጦ ክህብ” ምስ በሉ፡ ኣብ መደምደምታ ቅዱስነቶም ሓደስቲ እደ ጥበብ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ መራኸቢታት ብኸመይ ብድሆ ከም ዘምጽእ ከምኡውን ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን "ረብሓታቶም ንሒደት ሰባት ወይ ንረብሓታት ሒደት ፍሉይ መሰል ዘለዎም ሰባት ጥራይ ከም ዘይተሓጽረ ንምርግጋጽ፡ ኣብ ኣገልግሎት ንውሁድ ኩለንተናዊ ሰብኣዊ ምዕባለ ክውዕሉን ኣብ ምርግጋጽ ብድሆ ግን ከኣ ዓበይቲ ዕድላት ከም ዘስዕቡ ጠቒሶም። ፓትርያርክ በርተሎሜዎስ “ኣብ ከተማናን ቤተ ክርስቲያናን ብዝገበርኩምዎ ምብጻሕን ኣብዚ ክቡር በዓላት ብምስታፍኩምን ልዑል ምስጋናና” ነቕርብ - ምስ በሉ - “ቅዱሳንን ዓበይትን መስረትትናን ጠበቓታትናን – ቅዱሳን ክቡራትን ብዅሉ ዝኽበሩን ሓዋርያት እንድርያስ ቀዳማይ ዝተጸውዐን ጴጥሮስ ቆሮፌዮስን - ኣብ ቅድሚ እቲ ብተኣማንነት ዘገልገሉዎን ‘ክሳብ ወሰን ዓለም’ ዝሰበኽዎን ምእንቲ ኵላትና ይምሕጸኑ። ዓለም ‘መሲሕ ረኺብናዮ’ ኢላ ምእንቲ ክትኣምን፡ ሓባራዊ ንግደትና ኣብ ምድላይ ክርስትያናዊ ሓድነት ክንቅጽልን ብሓባር ክንምስክርን፡ ብስፍሓት ቤተ ክርስቲያናዊ ራእዮምን ብውሳኔ ሓዋርያዊ ተልእኾኦምን ንኹላትና ኣብ ምንቕቓሕ” ከም ዝበሉን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮን ንፓትርያርክ በርጠሎሜዎስ ቀዳማዊ “ጽቡቕ ጥዕናን ቅሳነትን” ተመንዮም፡ ነቲ ዝተገብረሎም ምዉቕን ሕውነታዊን ኣቀባብላ ዘለዎም ዓሚቝ ምስጋና ገሊጾም፡  “ንኣማላድነት ሃዋርያ እንድርያስን ሓዉ ቅዱስ ጴጥሮስን፡ እዛ ቤተ ክርስቲያን ዝተወፈየትሉ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዓቢ ሰማእት፡ ቅዱሳን ኣቦታት ቀዳማይ ጉባኤ ኒቅያን ብዙሓት ቅዱሳንን”  ጓሶት እዛ ጥንታዊትን ክብርቲን ቤተ ክርስቲያን ቁስጥንጥንያ ኣወኪፎም። ንዅሎም ነቶም ኣብቲ ስርዓተ ሊጡርጊያ ንዝሓበሩ ድማ ነቲ ኣቦ ምሕረት ዝዀነ ኣምላኽ ክባርኾም እልን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ሓባራዊ ቡራኬ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14ን ናይ ቍስጥንጥንያ ኤቍመናዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ በርጠለመዎስ ቀዳማውን
01 Dec 2025, 12:53